Posts

Showing posts from November, 2015

gedle abew

እንታይ ትኸስብ?

እንታይ ትኸስብ?      ዕርቃንካ ቀሊዕካ ጥራሕ ዝባንካ      ናይ ኢድካ ወርቂ ገዲፍካ ነሓስ ምጥማትካ      እምነትካ ሼጥካ ወጺኻ ካብ ቤትካ'ስ....እንታይ                  ትኸስብ? ሰመያዊ ገዲፍካ ምድራዊ ዘልኣለማዊ ገዲፍካ ግዝያዊ ናዝራዊ ገዲፍካ ባዕዳዊ....ምምናይካስ እንታይ ትኸስብ?    ኣብ ክንዲ ጸዋሚ ሰኽራም    ኣብ ክንዲ መኽበሪ ነግራም    ኣብ ክንዲ ዕጉስ ሃርጓም...ተቐይሩ ስምካስ እንታይ              ትኸስብ? ኣብ ክንዲ በረኸት መርገም ኣብ ክንዲ ሰላም ሕሰም ኣብ ክንዲ ብርሃን ጸላም....ተጎልቢብካስ እንታይ ትኸስብ?    ኣብ ክንዲ ይቕሬታ ኣብ ቂምታ    ኣብ ክንዲ ምስጋና ኣብ ሕሜታ    ኣብ ክንዲ ተመስገን ኣብ ጨረታ...ተዋፊርካስ እንታይ          ትኸስብ? ካብ ፍቕርን ሰላምን ሓጎስን ካብ ተድላን ፍሰሃን ባህታን ካብ ሓልዮትን ስኒትን ቅሳነትን.....ተፈሊኻስ እንታይ ትኸስብ?       ኣብ ክንዲ ኣብ ህድኣት ኣብ ሰበብ     ኣብ ክንዲ ኣብ ፍቕሪ ኣብ ገንዘብ     ኣብ ክንዲ ኣብ ኣምላኽ ኣብ ሰብ...ተወኪልካስ እንታይ         ትኸስብ? ካብ ትሕትና -ንትዕቢት ንጃህራ ካብ ሓልዮት -ንባእሲ ንፈኸራ ካብ ንሰላም -ንዕብዳን ዳንኬራ...መሪጽካስ እንታይ ትኸስብ?     በል የኣኽለካ እቲ ዙረት እቲ ዕብዳን     ሕቖኻ ምለሰሉ ንስኽራን ንዝርጋን     ዕድመ ከይሃደመ ከየርከበ እርጋን     ፈጣሪኻ ኣመስግን ብጾምን ጸሎትን ምስናይ ስግዳን።                                             Teddy.. .                

Popular posts from this blog

ገድሊ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ፡

ታሪኽ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ

ታሪኽ ቅድስት ማርታ