Posts

Showing posts from December, 2015

gedle abew

ፓፓ ናታለ

Image
ቅዱስ ኒቆሌዎስ ሓቀኛ ባባ ናታለ ሊቃዉንቲ ኣቦታት “ፈቃር”፡ “ትሑት”፡ “ኣቦ ድኻታት”፡ “ኣቦ”፡ “ሕያዋይ”. . ብምባል ይጠቕስዎ። ንብዙሕ ሰናይ ተግባራት ዘማልአ ኣቦ፣ ሳሕቲ`ዩ ዝርኸብ፣ ሓደ ካብዞም ዉን ቅዱስ ኒቆሌዎስ ሊቀጳጳስ ዘሚራ እዩ። ህጻናትን፣ ታሪክ ቅዱሳን ዘይፈልጡ ምእመናን ግና ብ “ባባ ናታለ” ወይ ዉን ብ “ኣቦ ናይ ክርስማስ” /Father of Christmas/ ብምባል ይዝክርዎ። ልዕሊ ዂሉ ግና ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ዝዝኸረሉ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣለዎ። እዚ`ቦ`ዚ ንክርስቶስ ካብ ዝነበሮ ቅንኢ ተበጊሱ፣ ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ንኣርዮስ ምስ ረኸቦ፣ ብቦክሲ ጌሩ ኣላዲዱ ከም ዝሓደጎ ይንገር።  ዘመን ህጻንነቱ ኒቆሌዎስ ካብ ክልተ ሰናይ ኣካይዳ ዝነበሮም ጽኑዓት ክርስቲያናት ወለዲ፣ ኣብ መወዳእታ 3ይ ክ/ዘ ዝተወልደ ኮይኑ፣ ኣብኡ ኤጲፋንዮስ፣ ኣዲኡ ዉን ታና ይበሃሉ። እዞም ክልተ ሰብ ሓዳር፣ ኣብ ጐይታ ሙሉእ እምነት ዝነበሮም፣ ንድኻታት ዘፍቅሩ፣ ኣዝዮም ሃባታማት ነበሩ፣ ኮይኑ ግና ዉላድ ኣይነበሮምን። ስሞም ዘጸዉዕ፣ ሃብቶም ዝወርስ ዉላድ ብዘይምርካቦም ዉን ቀጻሊ፣ ንኣምላኽ ይልምኑ ነበሩ። ሰማዒ ጸሎት፣ ርህሩህን ፈቃርን ዝዀነ እግዚአብሔር ኣምላኽ፣ ጸሎቶም ሰሚዑ፣ ኣብ ግዜ እርግንኦም ነዚ ቅዱስ ዉላድ ሃቦም። መጽሓፍ ቅዱስን ትዉፊትን ከምዝነግረና ብብዝሒ ጸሎት ዝዉለዱ ህጻናት ቅዱሳትና ብሩኻትን እዮም። ሳሙኤል፣ ድንግል ማርያም፣ ኣቡነ ተክለሃያኖት.. ብዝሓት ካልኦትን ብብዝሒ ጸሎት ወለዶም ዝተወልዱ፣ ፍረ ነዊሕ ጸሎት እዮም።  ዝተወልደላ ከተማ ፓታራ ትበሃል። ናይዛ ዓዲ ጳጳስ ዝነበረ ኒቆሌዎስ ይበሃል፣ ሓወቡኡ ንኒቆሌዎስ ዉን እዩ። ስሙ ዉን ካብዚ`ዩ ተወሲዱ። ኒቆሌዎስ ካብ ርኹባት ወለዲ ስለዝተወልደ፣ ብጽቡቕ ኣተዓብባብያ፣ ዝጎደለ ዘይብሉ

Popular posts from this blog

ገድሊ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ፡

ታሪኽ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ

ታሪኽ ቅድስት ማርታ