ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ (፫፻፮-፫፻፸፫) 306-373 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን። ቅዱስ ኤፍሬም ናይ ቅዱስ ያዕቆብ በዓል ንጽቢን ተማሃሪ ነበረ።ቅዱስ ያዕቆብ ካኣ ቁጽሩ ካብቶም ንኣርዮስ ዝወገዘኡ ፫፻፲፰(318)ን ኣቦታት ሊቃውንቲ ኢዩ።ንኣርዮስ ኣውጊዞም ክሕደት ደምሲሶም ሃይማኖት መሊሶም ክምለሱ ከለዉ ኣብቲ ዝኃደርዎ ቦታ ቅዱስ ኤፍሬም ዓምዲ ብርሃን ተተኺሉ ካብ ምድሪ ክሳዕ ሰማይ ዝበጽሕ ብሕልሚ ይርኢ ትርኢቱ ከም ዝገለጽካለይ መን ምዃኑ ግለጸልይ ኢሉ ናብ ልዑል እግዚኣብሔር ስለ ዘመልከተ ዝተኣዘዘ መልኣኽ መጺኡ ባስልዮስ በዓል ቂሳርያ ኢዩ፡ንሱ ንቤተ ክርስቲያን ጽኑዕ ዓንዲ ኢዩ።ብስብከቱ ልቢ ደቂ ሰብ ናብ ብርሃን ዝልውጥ ኢዩ እሞ ፡ንቅዱስ ኤፍሬም ደግነቱን መንፈሳውነቱን ብራእይ ዝተገልጸሉ ምዃኑ ነገሮ። ቅዱስ ባስልዮስ’ውን ቁጽሩ ምስቶም ፫፻፲፰(318)ን ኣቦታት ሊቃውንቲ ኢዩ ግን ብእርጋን ወይ ብሕማም ምኽንያት ተሪፉ ወይ ካኣ በጺሑ ተመሊሱ ምዃኑ ኣይተፈልጠን ።ቅዱስ ኤፍሬም በዚ ስለ ዘይዓገበ ንቅዱስ ባስልዮስ ብዓይኑ ክርእዮ ደለየ እሞ ንመምህሩ ኣብ ቦትኡ ኣብጺሑ ስለ ሰለስተ ነገር ይኸይድ፡ ፩) ምስ ከምዚ ዝበሎ ኣቦ ምዝርራብ መንፈሳዊ ምስጢር ይርከብ ኢዩ። ፪) ብእዝኒ ዝሰማዕካዮ ብዓይኒ ርኢኻ ምርግጋጽ ስለ ዝግባእ ፫) እቲ ራእይ ናይ መንፈስ ቅዱስ ድዩ ወይስ ሰይጣን ኣታሊሉኒ፧ ብማለት ንቂሳርያ ከደ። ግናኽ ቅዱስ ኤፍሬም ከይዱ ንቅዱስ ባስልዮስ ከምቲ ዝረኣዮ ኮይኑ ኣይረኸቦን ፡ንሱስ ኣብ ወርቂ መንበር ተቐሚጡ ኣብ ወርቂ ኣትራንስ ወንጌል ወርቅ ዘርጊሑ ዘንጸባርቕ ካባ ደሪቡ ጽሩይ መጠምጠምያ ርእሱ ተወናኒሱ ሃሪ ዝመትኃዚኡ ግሩም ዝኾነ ወርቃዊ ጪራ ኂዙ ንምእመናን ክምህር ረኣዮ። በዚ ድማ “ወታ...
Comments
Post a Comment