gedle abew

ለደታ ለቅድስት ድንግል ማርያም፡

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

፩/1 ጉንቦት ልደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም (ዮም ፍስሓ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም)

   ldetaድንግል ማርያም ቅድሚ ዓለም ኣብ ሕልና ኣምላኽ ዝነበረት ከም ምዃና ገና ከይተወለደት ትንቢት ተነጊሩላ ሱባኤ ተቆጺሩላ ዝነበረን፡ ምስ ተወልደት’ውን ኣደ ኣምላኽ እናተባህለት ከም እትነብር ቅዱሳን መጻሕፍቲ መስኪሮምላ እዮም። ብዛዕባ ልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ነቢይ ኢሳይያስ ካብ እግዚኣብሔር ብዝተዋህቦ ጸጋ ትንቢት “ትወጽእ በትር እም ሰርወ እሰይ ወየዓርግ ጽጌ እምጉንዱ” ካብ ጉንዲ እሴይ በትሪ ክትወጽእ ካብቲ ጉንዲ በትሪ ድማ ዕምበባ ጠጥዒ ክወጽእ ኢዩ ዝብል ትንቢት ተነብዩ ነይሩ (ኢሳ 11፡1)። ኣብዚ ቃል እዚ በትሪ ዝተባህለት ወይ ብበትሪ ዝተመሰለት ቅድስት ድንግል ማርያም ክትከውን ከላ ዕምባባ ወይ ጠጥዒ ዝተባህለ ድማ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምድራዊ ዓለም መጺኡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ካብኣ ምውላዱ ዘመልክት ትንቢት ኢዩ። ቅዱሳን ነቢያት እግዚኣብሔር ብዝገለጸሎም ረቂቕ ናይ ትንቢት ምስጢር ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም

ልደት ዝተነበዩ ነቢያት ብዙሓት’ዮም። ንኣብነት ቅድሚ ኢሳይያስ ዝነበረ ቅዱስ ዳዊት ንልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣመልኪቱ “እግዚኣብሔር ንጽዮን ሓርይዋ (መሪጽዋ) እዩ’ሞ መሕደሪኡ’ውን ክትከውን በሃጋ እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ ኢያ ብሂገያ ኣለኹ’ሞ ኣብዚኣ ክነብር ኢየ” ይብል(መዝ 132፡13-14)። ጽዮን ኢሉ ጸዊዕዋ ዘሎ ንቅድስት ድንግል ማርያም ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።

ከም ብሓድሽ ነቢይ ኢሳይያስ ከም እትውለድን ምስተወልደት ከኣ ብንጽህናን ብድንግልናን ኣምላኽ ከም እትወልድ ክገልጽ “እግዚኣብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ክህበኩም’ዩ፡ እነሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ’ውን ክትወልድ’ያ ስሙ’ውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ ኢያ” ኢሉ’ዩ (ኢሳ 7፡14)።  እዚ ትንቢት እዚ ቅድስት ድንግል ማርያም እትወልደሉ ዘመልክት ጥራይ ዘይኮነስ ኣካላዊ ቃል እግዚኣብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ካብኣ ከም ዝውለድ ዝገልጽ’ዩ። ስሙ’ውን ኣማኑኤል ክትብሎ’ያ ኣማኑኤል ማለት ድማ እግዚኣብሔር ምሳና ማለት ምዃኑ ንባቡን ትርጓሜኡን ጽሒፍዎ ኣሎ። እዛ ንኣምላኽ ዝወለደት ቅድስት ኣደ ትውልዳ ከመይ ከም ዝኾነ ምፍላጥ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ፡ ናይ ትውልዳ ነገር ከምዚ ዝስዕብ  ኢዩ፥

  በጥሪቃን ቴክታን ዝባሃሉ ሰባት ኣብ ኢየሩሳሌም ብሓድነት ይነብሩ ነበሩ፡ ንሳቶም’ውን ንእግዚኣብሔር ዝኣምኑ ዝተፈተዉ ብሩዃት ኣብ ቅድሚ ሰብን እግዚኣብሔርን ብቑዓትን ብዙሕ ሃብቲ ዝነበሮምን ሰባት ነበሩ “ወኮኑ ክልኤሆሙ ጻድቃን ወፈራህያነ እግዚአብሔር ወይትአመንዎ ለአምላኮሙ በጥቡዕ ልብ እንበለ ኑፋቄ” ከም ዝብል። በጥሪቃን ንሰበይቱ (ቴክታ) “እዚ ኩሉ ዘኣከብናዮ ሃብትና እንታይ ክንገብሮ ኢና፧ ዝወርስ ውላድ የብልናን ንስኺ መኻን ኣነ ከኣ ካልእ ሰበይቲ ኣይፈልጥን በላ”። ንሳ’ውን “ኣምላኽ እስራኤል ዝገብሮ ነገር ዝፈልጥ የለን፡ ትማሊ ምሽት ብሕልመይ ጻዕዳ ምራክ (ብተይ)ካብ ማህጸነይ ክወጽእ፡ እታ ጻዕዳ ምራኽ’ውን ጻዕዳ ምራኽ ክትወልድ ከምኡ እናበላ ክሳብ ሸውዓተ ትውልዲ ክዋለዳ፡ እታ ሻበዓይቲ ንወርሒ ክትወልድ፡ እታ ወርሒ ድማ ንጸሓይ ክትወልድ ረኣኹ” በለቶ። ንሱ’ውን እቲ ራእይ ጽቡቕ ኢዩ ኢሉ ናብ ፈታሒ ሕልሚ ከይዱ ኩሉ እቲ ዝበለቶ ነገሮ። እቲ ሕልሚ ዝፈትሕ ሰብ ድማ “እግዚኣብሔር ብዓይኒ ምሕረቱ ርእይኩም ኢዩ፡ ሸውዓተ ኣንስቲ ምራኻት ምውላድኩም ሽውዓተ ኣዋልድ ክትወልዱ ኢኹም ካባኻትኩም እታ ሻብዓይቲ ንወርሒ ምውላዳ ካብ ሰብ ዝበለጸት ካብ መላእኽቲ ዝኸበረት ብርኽቲ ፍጥረት ክትወልዱ ኢኹም ናይ ጸሓይ ነገር ግና ኣይፈለጥክዋን በሎም”። ኣብ 9ተ ወርሑ  ድማ ጓል ወለደት ኣብ ሻሙናይ መዓልታ ድማ ንሽማ ሄኤሜን  ኢሎም ኣውጽኡላ። ሄኤሜን ማለትዘእምስእለትነ ዝብሂል ረከብነ (ዝተመባጻዕናዮ ረኸብና) ማለት ኢዩ። ሄኤሜን’ውን ኣካለ መጠን ምስ በጸሐት ኣመርዓውዋ’ሞ ጓል ወለደት ኣብ ሻሙናይ መዓልታ ድማዴርዴ  ኢሎም ስም ኣውጽኡላ። ዴርዴ ማለት ካብ ኣቦታትና ወገን ዝተወልደት ማለት ኢዩ። ዴርዴ ዓበየት ኣመርዓውዋ’ውን ጓል ድማ ወለደት ብሻሙናይ መዓልቲ ድማ ቶና  ኢሎም ስም ኣውጽኡላ። ቶና ማለት ራእይ ሪኢና ነገር ረኺብና ዝወለድናያ ማለት ኢዩ። ቶና’ውን ብስርዓት ዓበየት ኣመርዓውዋ’ሞ ጓል’ውን ወለደት ብሻሙናይ መዓልታ ድማ ስማ ሲካር  ኢሎም ኣውጽኡላ። ሲካር ማለት ካብ ኣዝማድና ወገን ዝተወልደት ማለት ኢዩ። ሲካር’ውን ዓበየት ኣመርዓውዋ ጓል’ውን ወለደት ብሻሙናይ መዓልቲ ድማ ሴትና  ኢሎም ስም ኣውጽኡላ።  ሴትና ማለት ስርሓ ዝጸበቐ ምግባራ ዝሰመረ ጽብቕቲ ማለት ኢዩ። ሴትና’ውን ብስርዓት ዓበየት ኣመርዓውዋ ጓል’ውን ወለደት ኣብ ሻሙናይ መዓልታ ድማ ሄርሜላ ኢሎም ስም ኣውጽኡላ። ሄርሜላ ማለት ካብ ሃብታማት ካብ ክቡራት ወገን ዝተወልደት ማለት ኢዩ። ሄርሜላ ድማ ዓበየት ንኣካለ መጠን ምስ በጸሐት ኣመርዓውዋ ጓል’ውን ወለደት ኣብሻሙናይ  መዓልታ ድማ ሃና  ኢሎም ስም ኣውጽኡላ።  ሃና ማለት ብሃይማኖት ብምግባር ዝጸነዐት፡ ብንጽህና ብቕድስና ዝተሸለመት ቡርክት ክብርት ወልዕልት ክብርቲ ፍጥረት ማለት ኢዩ። ናይ ኣዴና  ቅድስት ድንግል ማርያም ትውልዲ ንምቑጻር ትንቢት ዝተነግረለን ሱባኤ ዝተቖጽረለን እዚኣተን ሸውዓተ ኣንስቲኢየን። ሃና’ውን ብስርዓት ዓብያ ንኣካለ መጠን ምስ በጸሐት ካብ ቤተ መንግስት ንዝተወልደ ክቡር ጻድቕ ኢያቄም ንዝባሃል ሰብ ኣመርዓውዋ። ሃናን ኢያቄምን ብሓደ ክነብሩ ከለዉ ውላድ ግና ኣይነበሮምን። በዚ ምኽንያት ከኣ ውላድ ንኽህቦም ኩሉ ሳዕ ናብ እግዚኣብሔር ይልምኑ ነበሩ። ከምዚ ኢሎም ንብዙሕ ግዜ ቀጸሉ። ኩሉ ግዜ መባእን መስዋዕትን ናብ ቤተ እግዚኣብሔር የቕርቡ፡ ብተስፋ ከኣ ይነብሩ ነበሩ። እንተኾነ  መኻናት ብምንባሮም ህዝቢ ኣይሁድ ኩሉ ግዜ የባጭውሎም ነበሩ። ሓደ ግዜ ኢያቄም ምስ ሰበይቱ ሃና ካብ ቤት ወጺኦም ከዱ እሞ ኣብ ሓደ ኣታኽልቲ ዝነበሮ ስፍራ ኮይኖም ክጽልዩ ከለዉ “ወርእዩ አርጋበ እንዘ ይትፌሥሑ ምስለ ውሉዶሙ”  እንሆ ርግቢት ምስ ውላደን ክጻወታ ረኣዩ፡ ደስ ኢልወን ክጻወታ ከኣ  ተዓዘቡ። ሽዑ ኣዝዮም ተከዙ “ነዘን ርግቢት ውላድ ዝሃብካ ንዓና ውላድ ዘይብልና” ኢሎም ኣዝዮም ሓዘኑ፡ ካብ ብዝሒ ሓዘኖም ዝተላዕለ ከኣ ኣብቲ ዝነበርዎ ቦታ ድቃስ ወሰዶም እሞ ደቀሱ።

“ይቤላ ኢያቄም ለሐና ብእሲቱ እንዘ ይትረኀዉ ሰብዐቱ ሰማያት ዖፍ ጸዐዳ መጽአ ኀቤየ ወነበረ ዲበ ርእስየ”  ይብልሸውዓተ ሰማያት ተኸፊቱ ጻዕዳ ዑፍ ከኣ ካብ ሰማይ ወሪዱ ኣብ ርእሰይ ክዓልብ ረኣኹ ኢሉ ነቲ ዝረኣዮ ራኢ ንሃና ነገራ። ናይቲ ራኢ ምስጢር፡- ዑፍዝተባህለ አካላዊ ቃል ክርስቶስ ክኸውን ከሎ  ጻዕዳምዃኑ ንጽሐ ባህሪኡ እዩ። ካብ ሰማይ ወሪዱ ኣብ ርእሰይ ክዓልብ ረኣኹ ምባሉ ናይ ኢያቄም ባህሪ ባህሪኡ ከም ዝገብሮ ንምንጋር እዩ፤ ሸውዓተ ሰማያት ዝተባህሉ ናይ ጎይታ ምልአቱ፣ ስፍሐቱ፣ ርቀቱ፣ ልዕልናኡ፣ ዕበየቱ እዮም፡፡

ሐናውን ተገሊጹላ “ትቤሎ ሐና ለኢያቄም ብእሲሃ አነኑ ርኢኩ በሕልምየ ርግብ ጸዐዳ መጽአት ኀቤየ ወነበረት ዲበ ርእስየ ወቦአት ውስተ እዝንየ ወኀደረት ውስተ ከርሥየ” ይብል። ሃና ውን ንሰብኣያ ጻዕዳ ርግቢት መጺኣ ኣብ ርእሰይ ክትዓልብ ካብ ርእሰይ ወሪዳ ድማ ብእዝነይ ኣቢላ ኣብ ማህጸነይ ክትድቅስ ከላ ረኣኹ”  በለቶ። ናይዚ ራእዪ ምስጢር ድማ፥ ርግቢት ዝተባህለት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ክትከውን ከላ፤ ጻዕዳ ምኳና ድማ ንጽህናኣ፣ ቅድስናኣ፣ ዘላለማዊ ድንግልናኣ እዩ። ጻዕዳ ርግቢት መጺኣ ኣብ ርእሰይ ክትዓልብ ካብ ርእሰይ ወሪዳ ድማ ብእዝነይ ኣቢላ ኣብ ማህጸነይ ክትድቅስ ከላ ረኣኹ ማለታ ናይ ብሥራተ ገብርኤል ሰምታ ብእዝና ሰሚዓ በግብረ መንፈስ ቅዱስ ንኣምላኽ ንእትጸንስ ንጽህቲ ርግቢት ንዝተባህለት ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከም እትወልድ ንምሕባር እዩ። ነዚ ረእዪ ዝረኣዩ ብ 30 ሓምለ እዩ። ካብ ድቃሶም ምስ ነቕሑ ድማ ደስ በሎም። ነቲ ዝረኣይዎ ከኣ ንሓድሕዶም ተነጋገሩ። በዚ ኩሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣዝዮም እናኣመስገኑ ከኣ ናብ ቤቶም ተመልሱ። ዝነገርዎ ዘይርስዕ ዝለመንዎ ዘይከልእ እግዚኣብሔር ኣምላኽ  ድማ ንልመነኦም ሰሚዑ ብነሓሰ 7 ብዕለት እሑድ ካብ ሰብ ዝበለጸት ካብ መላእኽት ዝኸበረት ፍጥረት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተጸንሰት። ስለቲ እግዚኣብሔር ዝገበረላ ዓቢ ውዕለት ከኣ ኩሉ ግዜ ንእግዚኣብሔር እናኣመስገነት ካብ ርኹስ ዘበለ መግቢ’ውን እና ተሓለወት ትነብር ነበረት።

ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ናይ ሃና ጥንሲ  እና ተፈልጠ ከደ። ነዚ ዝሰምዑ ቤተሰባ እቲ ዝኾነ ነገር ንምርኣይ ኩሎም ብሓባር ናብ ቤት ኢያቄምን ሃናን መጹ። “እዚ ነገር እዚ ከመይ እዩ ኣብ እርግናኺ ብሓቂ ጠኒስኪ!!” እና በሉ ከኣ ተገረሙ። ንምርግጋጽ ዝኣክል ከኣ ከብዳ ይድህስሱ ነበሩ። ሓንቲ ካብ ኣዝማድ ኣዲኣ ንቅድስት ሃና ጓል ኣርሳባን፡ ዓይና ዝዓወረት ነበረት እሞ ከብዳ ምስ ዳህሰሰት፡ ብቅጽበት ሓወየት፡ንብጽእት ሃና ድማ ብጽዓን ይግብኣኪ ፡ዓለም ካብ ዝፍጠር ከማኺ ብማሕጸኑ ናይ ዕዉራት ዓይኒ ዘብርህ የለን በለታ። ኩሎም ኣዝማዳ ድማ ሰገዱላ። ጸሓይ ካብ ኮኾብ ከም እትኸብር  ኣብ ቅድሚ ኩላቶም ኣዝያ ከበረት። ንብዙሓት ሕሙማትን ድኑሳትን ከኣ በታ ኣብ ማሕጸና ተጸይራ ዝነበረት ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ተፈወሱ።

ነዚ ዝሰምዑ እስራኤላውያን ከኣ “እንሆ ሃና  ሰበይቲ ኢያቄም ጠኒሳ፡ ብጥንሳ ጌይራ ከኣ ብዙሓት ሕሙማት ትፍውስ ኣላ ስለዚ ኣብ ልዕሌና ክነግሱ መንግስቲ እስራኤል ከኣ ከፍርሱዶ እዮም፧” ብምባል ኣዝዮም ተረበሹ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብዳርባ እምኒ ክቐትልዋ ተቛጸሩ። እንተኾነ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ እቲ ፈጣን መልኣኽ ቅዱስ ገብሪኤል ናብ ሃናን ኢያቄምን ንረዲኤት መጸ። ሒዝዎም ከኣ ናብ ደብረሊባኖስ ከደ። እቲ ብጥበበኛ ሰሎሞን “ኣቲ ፍትውተይ ኩሉንትናኺ  ጽብቕቲ ኢኺ ሕፍቲ’ውን የብልኪን፡ ካብ እምባ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፡ ኣቲ መርዓተየ ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፡ ካብ እምባ ኣማናን  ካብ እምባ ሰኒርን ሄርሞንን ካብ ማህደር ኣናብስን ካብ ኣኽራን ኣናብርን ንዒ ውረዲ”(መሃ 4፡7-8) ዝተባህለ ቃል መታን ክፍጸም ከኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብሓደ ግንቦት ኣብ ደብረ ሊባኖስ ተወልደት።

ብልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ጩራ ድሕነት ተጀመረ። ነዚ ርእዮም ኩሎም ኣዝማዳ ተሓጎሱ ከምኣ ዝኣመሰለት ጽብቕት ውላድ ርእዮም  ስለዘይፈልጡ ከኣ ኣዝዮም ባህ በሎም። ንሸውዓተ መዓልቲ ዝኣክል ከኣ ብሓብር ንኣምላኽ ኣመስጊኖም ናብ ዓዶም ተመልሱ።

ብድሕሪ እዚ ስዳርቤታ ብጽቡቕ እና ተኻናኸኑ ክሳዕ ሰለስተ ዓመት ኣዕበይዋ። ልክዕ ሰለስተ ዓመታ ምስ  መልአትት ግና ከምቲ ኣቐዲሞም ዝኣተውዎ መብጽዓብሰለስተ ታሕሳስ  ናብ ቤተ ነቕደስ ኣምላኽ ወሰድዋ። ኣብ ቤተ መቐድሰ ኣምላኽ ብንጽህናን ብቕድስናን ከኣ ነበረት።

ክቡራት ናይ እግዚኣብሔር ቤተሰብ ሕጂውን ብልደታ ደስ ክብለና ይግባእ። ከመይ ቅድስት ድንግል ማርያም ንዓና ምኽንያት ድሕነትና እያ። ካብ ሞት ናብ ህይወት ፡ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዘሰጋገረና ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ድንግል ማርያም ብዝወሰዶ ንጹሕ ስጋን ነፍስን ብተዋሃዶ ምስ መለኮት  ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ብምዃን ኣብ ኣደባባይ ቀራንዮ ጥራይ ዕራቖቱ ተሰቒሉ ፡ደሙ ኣፍሲሱ ፡ስጋኡ ቆሪሱ እዩ። ስለዚ እግዚኣብሔር ወልድ ፡መለኮታዊ ቃል፡ ንዓና ንምድሓን ፡ሰብ ዝኾነሉ ናይ ተዋህዶ ምስጢር ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሰብ ዘብሎ መላእ ሰብነት ብምውሳድ እዩ። ነዚ እያ ከኣ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ፍጹም ኣምኽ ፍጹም ሰብ ኢላ እትኣምን።

ደጊምና ቅዱስ እግዚኣብሔር ነዛ ክብርቲ ኣደ ስለ ዝሃበና ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። ምኽንያት ድሕነትን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብጸሎታ ብረዲኤታ ትሓልወና። ጣዕማ፡ በረኸታ፡ ፍቕራ ካብ ሕጂ ክሳዕ ዘለኣለም ምስኩላትና ናይ ቀራንዮ ደቃ ይኹን ። ኣሜን!!!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!

Comments

Post a Comment

Popular posts from this blog

ገድሊ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ፡

ታሪኽ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ

ታሪኽ ቅድስት ማርታ