gedle abew

ገድሊ ኣቡነ ተክለሃይማኖት፡ ጸለቱን ረድኤትን ምስ ኩልና ህዝበ ክርስትያን ይኩን።

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

24/፳፬ ታሕሳስ ልደቱ ለብጹእ ኣቡነ ተክለሃይማኖት

 abunnettekተክለሃይማኖትማለት ተክለ ኣብ ተክለ ወልድ ተክለ መንፈስ ቅዱስ ማለት እዩ። ኣቦኦም ጸጋ ዝኣብ (ዘርዐ ዮሓንስ) ኣዲኦም ድማ እግዚእኃርያ ይበሃሉ። ጸጋዝኣብ ትውልዶም ካብ ዘርኢ ሌዋውያን እዩ። ብኸመይ ትብሉ ትኾኑ እዚ ድማ ወዲ ንግስቲ ማክዳ ዕብነሓኪም (ቀዳማዊ ሰለሙን) ኣብ ኢዮሩሳሌም በጺሑ ንኣቡኡ ንጉስ ሰለሙን ርእዩ ክምለስ ከሎ ለዋውያን ሒዙ ተመሊሱ’ዩ። እቲ ሊቀ ካህናት ሳዶቅ እዩ ነይሩ ካብኡ መበል 15 ትውልዲ ኣበይድለ ዝበሃል እዩ። ንጉስ ደንግዘን ኣብ ሽዋ ኬድካ ምሃር ምስ በሎ ምስ 150 ሰባት ከይዱ ካብ ኣክሱም ናብ ሽዋ መጸ ኣብ ጽላልሽ (ዘሬረ) ዝበሃል ቦታ ድማ ተቀመጠ። ካብኡ ዓስራይ ትውልዲ ህይወት ብነ በጽዮን እዩ። ህይወት ብነ በጽዮን ንወረደ ምሕረት፡ ወረደ ምሕረት ድማ ንጸጋዝኣብ ወለደ።

  ውሉድ ብምስኣኖም ይሓዝኑ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ እግዚእኃርያ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከይዳ ኣብ እግሪ ስእሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወዲቃ “ኦ ጎይታ ንዓኻ ዝፈርህ ብሕግኻ ተኣዚዙ ዝኸይድ ወሉድ ሃበኒ፡ ብሕግኻ ተኣዚዙ ዘይከይድ እንተኾይኑ ግና ማህጸነይ ዕጾ” ኢላ ለሚና ናብ ቤታ ተመልሰት።

ሓደ መዓልቲ እግዝእኃርያ “ኣቦን ኣደን የለውን ቆልዓ’ውን ኣይወለድናን ስለዚ እዚ ኩሉ ሃብቲ ንመን ክኸውን እዩ። ፍርቂ ንቤተ ክርስቲያን ንሃቦ፡ ፍርቁ ድማ ንነዳያን ንመጽውቶ” በለት። በዚ ድማ ነቶም ባሮቶም ጸዊዖም “ፍርቁ ንቤተ ክርስቲያን፡ ፍርቁ ድማ ንነዳያን መጽውትዎ ንስኹም’ውን ካብ ሕጂ ንደሓር ነጻ ኢኹም ናብ ዝደለኽሞ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም” በልዎም። እቶም ባሮቶም ድማ “በዲልና እንተኾነ ድኣ መሓሩና፡ ይቕረ በሉልና እምበር ካባኹም ተፈሊና ድኣ ናበይ ክንከይድ” በሉዎም። እቶም ቅዱሳን ሰብኣይን ሰበይትን ድማ “ካብ ባርነት ነፍሲ ነጻ ክንከውን እምበር ንስኹም ዝበደልኩምና የብልኩምን። ሕጂ ድማ ምሳና ክትነብሩ እንተደኣ ኮይንኩም ሓወይ፡ ሓብተይ እምበር ጎይታይ እምበተይ” ከይትበሉና በልዎም።

 ኣኣብ ወርሒ ድማ ናይ ቅዱስ ሚካኤል በዓል ይገብሩ ስለ ዝነበሩ ብመጋቢት 12 ንዝጠመየ እናብልዑ ሞተሎሚ ንጉስ ዳሞት ንሃገሮም ወሪሩ ናብ ዓዶም መጸ፡ ጸጋ ዘኣብ ድማ ዘይምሕሮም ፈለጡ ኣንከርት ናብ ዝበሃል ባሕሪ ሃዲሙ ከደ ካብቶም ጭፍራ ሓደ ድማ ተኸቲልዎም ከደ። ከም ዘየርክቦም ምስ ፈለጠ ድማ ሰይፉ ክሰደሎም ፈተነ። እንተኾነ እታ ሰይፊ ኣብ ኢዱ ተጠቕሊላ ተረፈት። በታ ካልአይቲ ኢዱ ካልኣይ ግዜ ክውርውረሎም እንተፈተነ ሕጂ’ውን ተጠቕሊላ ተረፈት። ንሳቶምውን ከም ዘይገድፎም ፈሊጦም ዘሊሎም ናብ ባሕሪ ኣተዉ። “እስመ ለመላእክቲሁ ይኤዝዘሙ ለእንቲኣከ ከመ ኢትትዐቀፍ በዕብን እግርከ” መዝ 91፡11 ከም ዝብል ቅዱስ ሚካኤል ብውሽጢ ኮይኑ ተቐበሎም። “ወባሕርኒ ኮነቶ ከመ ደብተራ ዘድሉት ለማህደር/ ባሕሪውን ከም ድንኳን ኮነትሎም። ኦ ሚካኤል፡ ኦ ሚካኤል ኢሎም ምስ ጸውዑ ቅዱስ ሚካኤል ተገሊጹ “ኢትፍራህ ኦ ፍቁርየ ጸጋዝኣብ እስመ ኣነ ኣዐቅበከ በይነ ዘይወጽእ እም ሓቁከ” ብካብ ኣብራኽካ ዝወጽእ ቅዱስ ዉሉድ ዝኽፈሎ ክሕልወካ እየ እሞ ኣይትፍራህ በሎም። ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ድማ ካብኡ ኣውጺኡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣብጽሖም።

እዝግእኃርያ ግና ሽዑኡ ዕለት ተማሪኻ ናብ ዳሞት ወረደት። እቶም ማረኽታ መግቢ ኣብ ዝቕርቡላ ዝነበሩ ግዜ፡ ነቲ ዝቐረቡላ መግብን መስተን ኣይበልዕን ኣይሰትን እናበለት ትሓዝን ነበረት ለይቲ ለይቲ ግና እቶም ጭፍራ ከቢቦም ክሕልውዋ ከለዉ ምስ ደቀሱ ንጹሕ ባህሪይ ጎይታ ንጹህ ነገር እዩ ዝፈቱ እናበለት ነቲ እቲ ንጉስ ዘልበሳ ልብሲ መንግስቲ ኣውጺኣ ክትጽሊ ትሓድር ነበረት። ኣብ 10ይ መዓልታ ሞተሎሚ ድግስ ገይሩ ሞኳንንትን መሳፍንትን፡ ብየማኑን ብጸጋሙን ኣቐሚጡ ንጣኦት ኣስጊዱ ንኸእትዋ ጸውዕዋ በለ። ንሳ ድማ “ካብ ንጹህ ካህን ንጹህ ውላድ ሃበኒ ኢለካስ ቃልካ ንዘይፈቱ ብሕግኻ ንዘይከይድ ኣረመን ዲኻ ክትህበኒ፧ ኣነስ ኣሹንካይዶ ካብ ኣረሜን ካብ ካህንውን እንተኾነ ንዓኻ ዘይፈርህ እንተ ዘይኮይኑ ማህጸነይ ዕጾ ኢለዶ ኣይለመንኩኻን፧” እናበለት ናብ ጎይታ ተመልክት ነበረት። ልብሲ መንግስቲ ኣልቢሶም ኣብ ርእሳ ኣኽሊል ወርቂ ደፊኦም ኣቕረብዋ። “ንጣኦት ስገዲ ንግስነት ድማ ውሰዲ” በልዋ። ንሳ ድማ “ካብ ዕንጨይቲ፡ ካብ እምኒ ንዝተሰርሐ ነዚ ምስሊ’ዚ ኣይሰግድን እየ” በለት።

  ካህናት ጣኦት ንኽቐትልዋ ኢሎም እናዕገርገሩ ከለዉ ሃንደበት በረቐ መብረቅ ወኮነ ጻኣዕ ወድልቅልቅ ይብል። ሃንደበት በርቂ በርቐ። ዓቢይ ምንዋጽ ድማ ኮነ ንጉስ ድማ ብፍርሒ ኣእምርኡ ሰሓተ። ካብ ሰራዊት ድማ ብዙሓት ሞቱ። ንዓኣ ቅዱስ ምካኤል መንዚዑ ኣብ ጸላልሽ ኣብጽሓ። ኣብቲ ዘውትር ዝቖመሉ ዝነበረት ኮይና ክትጽልይ ከላ ካህን ጸገዝኣብ ይዓጥኑ ነበሩ። ነቲ ዝለበሰቶ ርእዮም ድማ ናይ ቤተ መንግስቲ ሰበይቲ ድኣበየን መጺኣ፧ ኣብዚኸ እንታይ ትገብር ኣላ በሉ። ምስ ወድኡ ከይዶም መስቀል ኣሳለምዋ። ናይ ቤተ መንግስቲ ሰበይቲ ከለኽስ ስለምንታይ ናብዚ በይንኺ መጻእኪ ድማ በልዋ። ስለ ዝተሸፋፈነት ኣይፈለጥዋን። “ሰበይቱ ዝተማረኸቶ ካህን ኣሎ ክበሃል ሰሚዐ ሰበይቲ ክኾኖ ኢለ እየ መጺአ” በለቶም። “ኣይ ንሱስ ብዘይክኣ ካልእ ኣየእቱን እየ ክብል ሰሚዐ ኣለኹ በዚ ነገርዚ ድማ ንካህናት ከምዚ ዝበለ ነገር ኣይተፈቅደሎምን” በላ። እታ ሰበይቲ እቲኣ ንንጉስ ሰበይቱ ኮይና እያ ስለዚ ሕጂ ክረኽባ ኣይክእልን እዩ። ብዝኾነ ግና ነቲ ሰብ ኣርእየኒ ንስኻ እንተኮንካ ድማ ንገረኒ በለቶ። ስምዒ ንስኺ ከምዚ ዝበለ ነገር ክትዛረብስ ንእግዚኣብሄርዶ ኣይትፈርሕን ኢኺ ሓሳብ ናይ ዝሙት ኣለኪ ኣርሕቅዮ ኢሉ ተቆጥዓላ። ብጽንዓቶም ደስ እና በላ ነቲ ተሸፊናቶ ዝነበረት ኣልያ “ጽንዓትካ ንምርኣይ ኢለ እየ እምበር ኣነ እግዝእሃርያ እየ” በለቶም። ተሓቛቚፎም ድማ ናይ ሓጎስ ብኽያት በኸዩ።

  እግዚእኃርያ ክሳብ ሽዕኡ ግዜ እኽሊ ኣይለኸፈትን ነይራ። እኽሊ ቀሚሳ ድማ ካብ ሓዘና ተጸናኒዓ ብናይ ጎይታ ምሕረትን ናይ ቅዱስ ሚካኤል ረዲኤትን እና ኣዕለሉ ድሕሪ ምውዓሎምን ምሕዳሮምን ንጽባሒቱ መጋቢት 23 ናብ 24 ዘውግሕ ኣቦና ተጠንሱ። በታ ለይቲ እቲኣ ድማ ክልቲኦም ሕልሚ ሓሊሞም ሓደሩ። ጸጋዝኣብ ርግቢ ካብ መደቀሲኦም ወጺኡ ሰማይ ሰንጢቁ ክኣቱ ርኣየ። እግዚእኃርያ ድማ ኣብ ቤቶም ዓምዲ ብርሃን ተተኺሉ ጳጳሳትን ነገስታትን ከቢቦሞ ክሰግድሉ ረኣየት። ኣዝዩ ዓቢ ውላድ ክህበና እዩ ኢሎም ድማ ተርጎምዎ። እዚ’ውን ኣይተረፈን መዋእለ ጥንሱ ምስ ተፈጸመ በዚ ዕለት እዚ ብጹእ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ብሩህ ኮይኖም ተወልዱ። ምስ ተወለዱ ኣብ ሳልሳይ መዓልቶም ካብ ሕቑፊ ኣዲኦም ወሪዶም “አሐዱ አብ ቅዱስ፣አሐዱ ወልድ ቅዱስ፣ አሐዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ” ኢሎም ንስላሴ ኣመስገኑ። ወለዶድም ድማ ፍሰሃ ጽዮን ኢሎምን ሰመይዎም ። ፍሰሃጽዮን ማለት  ናይ ጽዮን ደስታ (ሓጎስ) ማለት እዩ። ብድሕሪ እዚ ብግቡእ ናይ ሃይመኖት ትምህርቲ ተማሃሩ እሞ ኣብ 7 ዓመቶም ዲቁና ተቐበሉ።  ኣብ ሃይማኖቶም ጸኒዑም ድማ ትምህርቶም ቀጸሉ። ካብ ግዜታታ ሓደ መዓልቲ ጎይታ ተገሊጹ  ናይ ምድሪ ኣግኣዚት ሓድሽ ሓዋርያ ክትከውን ኢኻ ። ስምካ ድማ ” ተክለ ሃይማኖት”  እዩ በሎም። ተክለ ሃይማኖት ማለት ናይ ሃይማኖት ፍረ ማለት እዩ። ከምቲ ዝተጸውዕዎ ከኣ ንብዙሓት ካብ ግብሪ ሓጢኣት ናብ ግብሪ ጽድቂ ከም ዝምለሱ ብምግባር ኣብ ሃይማኖቶም ከም ዝትከሉን ከምዝጸንዑን ገበሩ ። ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ገይሮም ድማ  ኣገልግሎቶም ፈጺሞም ብ24 ነሓሰ ብ1289 ዓ.ም ኣብ 99 ዓመቶም ዐረፉ። በዚ መሰረት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን  ነዞም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓቢይ ሞጎስን ክብርን ዝረኸቡ ጻድቕ ኣቦና ተክለሃይማኖት በብዓመቱ  24 ነሓሰ በዓለ ዕረፍቶም፡ 24  ታሕሳስ ድማ በዓለ ልደቶም ብዓቢ ድምቀት ተብዕሎን ተኽብሮን።

 በረከትን ጸጋን ኣማላድነትን ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት ምስኩላትና ይኹን ኣሜን!

   ስብሃት ለእግዚኣብሔር

    ወለወላዲቱ ድንግል

   ወለመስቀሉ ክቡር

       ኣሜን!

Comments

Popular posts from this blog

ገድሊ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ፡

ታሪኽ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ

ታሪኽ ቅድስት ማርታ