gedle abew

ባህራን 12 ሰነ

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

    ውዕለት ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ባህራምን ወለዱን፡

ወለዲ ባሕራን ናይ ቅዱስ ሚካኤል በዓል ዘብዕሉ ፈተውቲ እግዚኣብሔርን መኽበርቲ ቅዱስ ሚካኤልን  ነበሩ። እዞም ክልተ ወለዱ ካብታ ዘላቶም ንድኻታትን ናብ ቤተ እግዚኣብሔርን ይምጽውቱ ፡ንዕሩቕ ዝኸድኑ ንጥሙይ ዘብልዑ ናይ እግዚኣብሔር ሰባት እዮም ነይሮም።

ከምዚ ኢሎም ብቃል ኪዳን ጸኒዖም እና ነበሩ ከለዉ ኣቡኡ ሞተ እሞ ኣዲኡ ከኣ ንባህራን ጥንሲ ሒዛ ተረፈት። ኣብቲ ዝሓለፈ ህይወቶም ምስ  ሰብኣያ  እና ተሓጋገዘት ህይወታ እትመርሕ ዝነበረት ኣዲኡ በይና ምስኮነት ግን ናብራ ክኸብዳ ጀመረ። ከምዚ ኢላ ንኣምላኻ እና ኣመስገነት  ናይ ቅዱስ ሚካኤል ዝክር ትገብር ንድኻታት እውን ትምጽውት ነበረት።

መዓልቲ ንመዓልቲ ተኪኣ ግዜ ሕርሳ በጽሐ እሞ ንባህራን ወለደት።በዚ  ግዜ እዚ ቅድስ ሚካኤልን ቅዱስ ገብርኤልን ብሓደ ናብ ቤታ መጺኦም ነቲ ህጻን ባረኽዎ  ንዓኣ ከኣ “ነዚ ጎረቤትኪ ዘሎ ሃብታም ሰብኣይ እዚ ሕጻን ክወርሶ እዩ ” ኢሎማ ከዱ። እዚ ክብልዋ ከለዉ  እቲ ኣብ ጎረቤታ ዝነበረ ሰብኣይ ይሰምዓ ነበረ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ከኣ ነቲ ሕጻን ከምይ ገይሩ ከም ዝቐትሎ ክሓስብ ጀመረ።

ኣዲኡ ንባሕራን ቆሪሳ እተብልዖ፡ መግቢ እትኸድኖ ልብሲ ክትስእንን  ክትሽገርን ጀመረት እሞ  እቲ ሃብታም ጎረቤታ ሰብኣይ ነዚ ከም መመኽነይታተጠቒሙ ፡ሓላዪ ተመሲሉ ከዕብየልኪ ኢሉ ነቲ ህጻን ናብ ቤቱ  ወሰዶ። ብድሕሪ እዚ ኣብ ሳጹን ኣእትዩ ናብ ባሕሪ ደርበዮ።እንሆ ከኣ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣባጊዕ ዝሕሉ ሰብ ነበረ እሞ ነታ ሳጹን ካብ ባሕሪ ብማዕበል ተገፊዓ ምስ ረኣያ ዓሳ መሲልዎ ከልዕላ ከደ እንተ ኾነ ግን እቲ ብኽፍኣት ናይቲ ሃብታም ሰብኣይ መታን ክመውት ናብ ባሕሪ ዝተደርበየ ምልኩዕ ህጻን ኮይኑ ጸንሐ። እቲ ዋና ኣባጊዕ ሰብኣይ ከኣ ውላድ ስለ ዘይነበሮ እና ተሓጎሰ  ናብ ቤቱ ወሰዶ ከም ውላዱ ገይሩ ከኣ ኣዕበዮ። ካብ ባሕሪ ረኺበዮ ኢሉ ከኣ ባሕራን ኢሉ ሰመዮ።

ድሕሪ ብዙሕ ግዜ እቲ ነቲ ህጻን ናብ ባሕሪ ዝደርበዮ ሃብታም ሰብኣይ ብስራሕ ናብቲ ባሕራን ዝነበረሉ ዓዲ ገሸ ስለ ዝመሰዮ ከኣ ኣብቲ ናይቲ ሰብኣይ ቤት ሓደረ። እንሆ ከኣ እቲ ሰብኣይ ንባሕራን ክጽውዖ ከሎ ሰምዐ እሞ፡ እቲ ስም ስለ ዝገረሞ ትርጉም ናይቲ ስም ክነግሮ ተወከሶ። እቲ ሰብኣይ ከኣ እቲ ዘጋጦሞ ነገራትን ብኸመይ  መገዲ ከም ዝረኸቦን ገለጸሉ። ነዚ ዝሰምዐ ሃብታም ሰብኣይ ኣስዕብ ኣቢሉ “ክንደይ ዓመት ይገብር ክብል ተወከሶ” ዓመታቱ ጸብጺቡ ነገሮ እሞ እቲ ሃብታም ሓሲቡ እቲ ቀደም ናብ ባሕሪ ዘእተዎ ህጻን ንሱ ከም ዝኾነ  ፈለጠ፡ እንሆ ከኣ ብተንኮል ተላዒሉ “ኣነ ዓስብኻ ክህበካ፡ እዚ ህጻን ከኣ ዘይትተርፍ መልእኽቲ ስለ ዘላትኒ ናብ ሰበይተይ ከብጽሓለይ ” ክብል ተወኪሱ ገንዘብ ከፊሉ፡ ነቲ ህጻን ከምቲ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዝገበሮ ስዒሙ ኣፋነዎ። ነታ መልእኽቲ ከኣ ንዝኾነ ሰብ ከየርኢ ኣጠንቀቐ። እቲ ጽሑፍ “እዚ እቲ ንቤትናን ሃብትናን ክወርስ ዝተባህለ እዩ እሞ ተቐቢልኩም ቅተልዎ” ዝብል ነበረ።

3333ከምዚ ኢሉ  ባሕራን ናይ ሞት ደብደቤ ተሰኪሙ ተበገሰ። ነዛ  ናይ ሞት ደብዳቤ  ሒዝዋ ንትሽዓተ መዓልታት ተጓዕዘ። ብድሕሪዚ ቅዱስ ሚካኤል ከም ሓደ ናይ ሰራዊት ሓለቓ ኮይኑ ምስኡ ብዙሓት መላእኽቲ ኣኸቲሉ ኣብ  መገዲ ተጓነፎ እሞ ናበይ ትኸይድ ኣሎኻ ክብል ሓተቶ። ንሱ ከኣ እቲ ዝኸዶ ዘሎ መገዲ ሓበሮ፡ ነታ ሒዝዋ ዝነበረ ወረቐት ኣርእየኒ ምስ በሎ ግና “ጎይታይ ንሓደ ሰብ ከይተርኢ ኢሉኒ እዩ” ክብል መለሰሉ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ ኢዱ ከላ ንላዕሊ ሓፍ ኣበላ እሞ ቅዱስ ሚካኤል ነታ ናይ ሞት ደብዳቤ ብኣፉ ኡፍ ኢሉ ቀየራ፡ “ቅተልዎ” ዝብል ዝነበረ ደብዳቤ ከኣ “ነታ ሓንቲ ጓለይ ኣመርዕውዎ፡ ኩሉ ሃብተይ ድማ  ኣውርስዎ፡ ኩሉኹም ጉዙኣት ከኣ ኣኽብርዎ ” ዝብል ኮነ። ብድሕርዚ ባሕራን ኣብ ቤት እቲ  ሃብታም ሰብኣይ በጽሐ እሞ ደብዳቤ  ተቐቢሎም  ኣመርዓውዎ። ኩሉ ሃብቲ ናይ’ቲ ሰብኣይ ከኣ ኣውረስዎ።ድሕሪ ግዜ እቲ ሃብታም ሰብኣይ  መግሽኡ ወዲኡ ናብ ቤቱ ተመልሰ እሞ ኣብ ገዝኡ ከይበጽሐ ነቲ ኣብ ቤቱ ዝነበረ ሓጎስን ዕልልታን ምስሰምዐ ንኣገልገልቱ ብዛዕባ እቲ ዝኾነ ሓተቶም።ንሳቶም ከኣ ብዝሰደድካልና ደብዳቤ መሰረት እቲ ኩሉ ዝኣዘዝካና ፈጺምና፡ እዚ ካብ ዝኸውን ኣርባዓ መዓልቲ እዩ በልዎ።ነዚ ዝሰምዐ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ካብ ፈረሱ ብስንባደ  ወዲቑ ሞተ።እቲ ዝኾነ ንሰበይቱ ነገርዋ ሰበይቱ ከኣ ሰንቢዳ ሞተት።ከምቲ ቅዱስ ሚካኤልን ቅዱስ ገብርኤልን ዝበልዎ ሃብቲ ናይቲ  ሃብታም ሰብኣይ ንባሕራን ኮነ። ናይ ሞት ደብዳቤ  ናይ ባሕራን  ናብ ህይወት ተቐየረ።

          እዚ ዝገብረ ኣምላኽና እግዚኣብሔር ዝኸበረን  ዝተመስገነን ይኹን።ኣሜን!

                     ጸሎትን ረድኤትን ናይ ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኩላትና ይኹን ኣሜን።

                                            ስብሓት ለእግዚኣብሔር

                                             ወለወላዲቱ ድንግል

                                               ወለመስቀሉ ክቡር

                                                            ኣሜን!

Comments

Popular posts from this blog

ገድሊ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ፡

ታሪኽ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ

ታሪኽ ቅድስት ማርታ