Posts

Showing posts from September, 2015

gedle abew

ሃይማኖታውያን በዓላትና

 በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን፡   ሃይማኖታውያን በዓላትና 1/ ልደታ ማርያም፣ ቅዱስ ራጉኤል፣ ጻድቁ ኢዮብ፣ ነቢዩ ኤልያስ፣ ሐዋርያው በርተሎሜዎስ፣ ቅድስት ሶስና፣ አባ ሚልኪ፣ ቅዱስ መክሲሞስ 2/ ሐዋርያው ታዴዎስ፣ ሠለስቱ ምዕት፣ ቅድስት አትናስያ፣ አቡነ እንድርያኖስ፣ ቅድስተ ዜና ማርቆስ፣ አባ ጉባ 3/ ባዕታ ማርያም፣ ቅዱስ ፋኑኤል፣ አባ ዜና ማርቆስ፣ አባ ሊባኖስ፣ አቡነ መድኃኒነ እግዚእ፣ ቅዱስ ነአኩቶ ለአብ 4/ ወልደ ነጎድጓድ፣ ሐዋርያው እንድርያስ፣ ጻድቁ መልከ ጼዴቅ፣ አባ መቃርዮስ፣ ሰማዕቱ ፊቁጦር፣ አብርሃም ወአጽብሐዮ 5/ ጴጥሮስ ወጳውሎስ፣ አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ፣ አቡነ አሮን፣ አቡነ ዮሐኒ፣ አቡነ አሞኒ፣ አቡነ መልአክ ክርስቶስሐንስ 6/ ግዝረተ ኢየሱስ፣ ቁስቋም ማርያም፣ ነቢዩ ኢያሱ፣ ቅድስት አርሴማ፣ አባ ጰንጠሌዎን፣ ቅዱስ ቴዎዶስዮስ፣ አቡነ ተጠምቀ መድኅን 7/ አጋዝዕተ ዓለም ሥላሴ፣ ስዕለተ ማርያም፣ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ፣ አባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ፣ ቅድስት እኅተ ጴጥሮስ 8/ አርባዕቱ እንስሳ (ኪሩቤል)፣ ሊቀ ነቢያት ሙሴ፣ ሐዋርያው ማትያስ፣ ካህኑ ዘካርያስ፣ አባ ኪሮስ፣ ቅድስት አመተ ክርስቶስ 9/ሐዋርያው ቶማስ፣ ቅዱስ አትናትዮስ፣ አቡነ እስትንፋሰ ክርስቶስ፣ አቡነ ብጹዕ አምላክ፣ አቡነ ህልያና፣ አቡነ ፂዋ ወንጌል 10/ መስቀለ ኢየሱስ፣ ሐዋርያው ናትናኤል፣ ያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ፣ ጼዴንያ ማርያም፣ ሰማዕቱ ሠርጊስ 11/ ሐና ማርያም፣ ቅዱስ ኢያቄም፣ ቅዱስ ያሬድ፣ ሰማዕቱ ፋሲለደስ፣ አቡነ ሐራ ድንግል፣ አባ አሌፍ፣ ቅድስት ታኦድራ፣ ቅዱስ ገላውዴዎስ 12/ቅዱስ ሚካኤል፣ ሐዋርያው ማቴዎስ፣ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ፣ አባ ሳሙኤል፣ ቅድስት አፎሚያ፣ ቅዱስ ዲሜጥሮስ 13/ እግዚአብሔር አብ፣ ቅዱስ ሩፋኤል፣ እ

ታሪኽ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ

ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ (፫፻፮-፫፻፸፫) 306-373 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን። ቅዱስ ኤፍሬም ናይ ቅዱስ ያዕቆብ በዓል ንጽቢን ተማሃሪ ነበረ።ቅዱስ ያዕቆብ ካኣ ቁጽሩ ካብቶም ንኣርዮስ ዝወገዘኡ ፫፻፲፰(318)ን ኣቦታት ሊቃውንቲ ኢዩ።ንኣርዮስ ኣውጊዞም ክሕደት ደምሲሶም ሃይማኖት መሊሶም ክምለሱ ከለዉ ኣብቲ ዝኃደርዎ ቦታ ቅዱስ ኤፍሬም ዓምዲ ብርሃን ተተኺሉ ካብ ምድሪ ክሳዕ ሰማይ ዝበጽሕ ብሕልሚ ይርኢ ትርኢቱ ከም ዝገለጽካለይ መን ምዃኑ ግለጸልይ ኢሉ ናብ ልዑል እግዚኣብሔር ስለ ዘመልከተ ዝተኣዘዘ መልኣኽ መጺኡ ባስልዮስ በዓል ቂሳርያ ኢዩ፡ንሱ ንቤተ ክርስቲያን ጽኑዕ ዓንዲ ኢዩ።ብስብከቱ ልቢ ደቂ ሰብ ናብ ብርሃን ዝልውጥ ኢዩ እሞ ፡ንቅዱስ ኤፍሬም ደግነቱን መንፈሳውነቱን ብራእይ ዝተገልጸሉ ምዃኑ ነገሮ። ቅዱስ ባስልዮስ’ውን ቁጽሩ ምስቶም ፫፻፲፰(318)ን ኣቦታት ሊቃውንቲ ኢዩ ግን ብእርጋን ወይ ብሕማም ምኽንያት ተሪፉ ወይ ካኣ በጺሑ ተመሊሱ ምዃኑ ኣይተፈልጠን ።ቅዱስ ኤፍሬም በዚ ስለ ዘይዓገበ ንቅዱስ ባስልዮስ ብዓይኑ ክርእዮ ደለየ እሞ ንመምህሩ ኣብ ቦትኡ ኣብጺሑ ስለ ሰለስተ ነገር ይኸይድ፡ ፩) ምስ ከምዚ ዝበሎ ኣቦ ምዝርራብ መንፈሳዊ ምስጢር ይርከብ ኢዩ። ፪) ብእዝኒ ዝሰማዕካዮ ብዓይኒ ርኢኻ ምርግጋጽ ስለ ዝግባእ ፫) እቲ ራእይ ናይ መንፈስ ቅዱስ ድዩ ወይስ ሰይጣን ኣታሊሉኒ፧ ብማለት ንቂሳርያ ከደ። ግናኽ ቅዱስ ኤፍሬም ከይዱ ንቅዱስ ባስልዮስ ከምቲ ዝረኣዮ ኮይኑ ኣይረኸቦን ፡ንሱስ ኣብ ወርቂ መንበር ተቐሚጡ ኣብ ወርቂ ኣትራንስ ወንጌል ወርቅ ዘርጊሑ ዘንጸባርቕ ካባ ደሪቡ ጽሩይ መጠምጠምያ ርእሱ ተወናኒሱ ሃሪ ዝመትኃዚኡ ግሩም ዝኾነ ወርቃዊ ጪራ ኂዙ ንምእመናን ክምህር ረኣዮ። በዚ ድማ “ወታ

ገድሊ ቅዱስ ኣትናቴዎስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መእተዊ ስለቲ ዝነበሮ ክርስቲያናዊ ህይወት፣ ዝገበሮ ተጋድሎን ዘርኣዮ መሪሒነትን፣ ቅዱስ ኣትናትዮስ ዝተፈላለየ ናይ ክብሪ ሽም እዩ ተዋሂብዎ። ቅ.ኣትናቴዎስ ዘሐዋርያ (ሓዋርያዊ)፣ ቅ.ኣትናቴዎስ ዓቢ (The Great)፣ ቅ. ኣትናቴዎስ ዘእስክንድርያ (ናይ እስክንድርያ ፓትሪያሪክ)፣ ሓላዊ ቤተክርስቲያን፣ ሓቀኛ መራሒ. . . ወዘተ።   ግዜ ንእስነቱ ኣትናቴዎስ (ኣትናትዮስ) ኣብ ከባቢ 295-298 ዓም ካብ ዘይአመንቲ ስድራ ቤት ኣብ እስክንድርያ ተወልደ። ሓደ ግዜ ምስቶም ክርስቲያናት ዝኾኑ ደቂ ገዛዉቱ ንኽጻወት ኢሉ ኸደ’ሞ፤ ኣጋጣሚ ከምቲ ኣብ ቤተክርስቲያን ዝረኣይዎ ስርዓት  ገሊኦም ከም ካህናት፤ ገሊኦም ከም ዲያቆናት፤ ሓደ ኸኣ ከም ጳጳስ ተመዳዲቦም ክጻወቱ ጸንሕዎ። ከምዚ ኮይኖም ምስረኣዮም ምስኦም ተጸንቢሩ ክጻወት ሓተቶም። እቶም ህጻናት ግና፣ “ንስኻ ዘይኣማኒ ኢኻ፣ ምሳና ዉን ተጸንቢርካ ክትጻወት ኣይፍቑድን” ኢሎም ከልእዎ። ንሱ ግና፣ “ኣነ ደጊም ድሕሪ ሕጂ ክርስቲያን ኮይነ ኣለኹ” ብምባል መለሰሎም። ነዚ ዝሰምዑ ቆልዑት ብጣዕሚ ስለዝተሓጎሱ፣ ኣብቲ ናቶም ጻዉቲ ሓዊሶም፣ ኣብ ክንዲ ኩላቶም ናይ ፓትሪያሪክ ገጸባህሪ ሒዙ ኣብቲ ጻዉቶም ከምዝዋሳእ ገበርዎ። ኣብ ክብ ዝበለ መንበር ኮፍ ኣቢሎም፣ ብዙሕ ክብሪ ዉን ሃብዎ። ኣብ ከምዚ ኩነት፣ ቅዱስ እለስክንድሮስ ፓትሪያሪክ ዘእስክንድርያ፣ በቲ ከባቢ ይሓልፍ ነበረ እሞ፣ ነቲ ዝጻወትዎ ጻዉቲ ምስ ረኣየ፣ ብዛዕባ ኣትናቴዎስ  “እዚ ህጻን ሓደ መዓልቲ ኣብ ዓቢ ክብሪ ክበጽሕ እዩ”  ብምባል ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ተዛረቦም። ግዜ ትምህርቲ ኣቡኡ ናይ ኣትናቴዎስ ምስ ሞተ፣ ኣዲኡ ናብ ቅዱስ እለስክንድሮስ ወሰደቶ። ንሱ

Popular posts from this blog

ገድሊ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ፡

ታሪኽ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ

ታሪኽ ቅድስት ማርታ