gedle abew

ገድሊ ቅዱስ ኣትናቴዎስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

መእተዊ

ስለቲ ዝነበሮ ክርስቲያናዊ ህይወት፣ ዝገበሮ ተጋድሎን ዘርኣዮ መሪሒነትን፣ ቅዱስ ኣትናትዮስ ዝተፈላለየ ናይ ክብሪ ሽም እዩ ተዋሂብዎ። ቅ.ኣትናቴዎስ ዘሐዋርያ (ሓዋርያዊ)፣ ቅ.ኣትናቴዎስ ዓቢ (The Great)፣ ቅ. ኣትናቴዎስ ዘእስክንድርያ (ናይ እስክንድርያ ፓትሪያሪክ)፣ ሓላዊ ቤተክርስቲያን፣ ሓቀኛ መራሒ. . . ወዘተ።  

ግዜ ንእስነቱ

ኣትናቴዎስ (ኣትናትዮስ) ኣብ ከባቢ 295-298 ዓም ካብ ዘይአመንቲ ስድራ ቤት ኣብ እስክንድርያ ተወልደ። ሓደ ግዜ ምስቶም ክርስቲያናት ዝኾኑ ደቂ ገዛዉቱ ንኽጻወት ኢሉ ኸደ’ሞ፤ ኣጋጣሚ ከምቲ ኣብ ቤተክርስቲያን ዝረኣይዎ ስርዓት  ገሊኦም ከም ካህናት፤ ገሊኦም ከም ዲያቆናት፤ ሓደ ኸኣ ከም ጳጳስ ተመዳዲቦም ክጻወቱ ጸንሕዎ። ከምዚ ኮይኖም ምስረኣዮም ምስኦም ተጸንቢሩ ክጻወት ሓተቶም። እቶም ህጻናት ግና፣ “ንስኻ ዘይኣማኒ ኢኻ፣ ምሳና ዉን ተጸንቢርካ ክትጻወት ኣይፍቑድን” ኢሎም ከልእዎ። ንሱ ግና፣ “ኣነ ደጊም ድሕሪ ሕጂ ክርስቲያን ኮይነ ኣለኹ” ብምባል መለሰሎም። ነዚ ዝሰምዑ ቆልዑት ብጣዕሚ ስለዝተሓጎሱ፣ ኣብቲ ናቶም ጻዉቲ ሓዊሶም፣ ኣብ ክንዲ ኩላቶም ናይ ፓትሪያሪክ ገጸባህሪ ሒዙ ኣብቲ ጻዉቶም ከምዝዋሳእ ገበርዎ። ኣብ ክብ ዝበለ መንበር ኮፍ ኣቢሎም፣ ብዙሕ ክብሪ ዉን ሃብዎ። ኣብ ከምዚ ኩነት፣ ቅዱስ እለስክንድሮስ ፓትሪያሪክ ዘእስክንድርያ፣ በቲ ከባቢ ይሓልፍ ነበረ እሞ፣ ነቲ ዝጻወትዎ ጻዉቲ ምስ ረኣየ፣ ብዛዕባ ኣትናቴዎስ “እዚ ህጻን ሓደ መዓልቲ ኣብ ዓቢ ክብሪ ክበጽሕ እዩ” ብምባል ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ተዛረቦም።

ግዜ ትምህርቲ

ኣቡኡ ናይ ኣትናቴዎስ ምስ ሞተ፣ ኣዲኡ ናብ ቅዱስ እለስክንድሮስ ወሰደቶ። ንሱ ዉን ኩሉ ትምህርቲ ክርስትናን ሕጊታትን ሚሂሩ ንክልቲኦም ኣጠመቆም። ብድሕሪዚ ኣዲኡን ኣትናቴዎስን ዘለዎም ኩሉ ሃብቲ ሸይጦም ምስ ቅዱስ እለስክንድሮስ ክነብሩ ጀምሩ። ፖፕ እለስክንድሮስ ከኣ ንኣትናቴዎስ ኩሉ ናይ ቤተክርስቲያን ትምህርቲታት መሃሮ። ኣብ ህይወት ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዉን መንፈስ ቅዱስ ይዓዪ ስለዝነበረ፣ ብጸጋ እንዳዓበየ መጽአ። ብድሕሪዚ ቅ.እለስክንድሮስ ንኣትናቴዎስ ዲቁና ቀቢኡ፣ ናቱ ጸሓፊን ወደ መዝሙርን ገበሮ።  ኣብዚ ግዜ እዚዩ ቅ.ኣትናቴዎስ ነተን ክልተ ዓበይቲ መጻሕፍቲ፣ኣንጻር ዘይኣመንት  Against Heathen፡ ስግዉ ቃል The Incarnation of the Word ዝብላ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈን። ነዚአን ዓበይቲ መጻሕፍቲ ክደርሰን እንከሎ ገና ወዲ 19 ዓመት ነበረ።
ኣብ ትሕቲ እግሪ ቅዱስ እለስክንድሮስን ናይ ቤተክርስቲያን መማህራንን ተማሂሩ ምስተኮስከሰ፣ ብፍቃዱ ናብራ ብሕትዉና ስለዝመረጸ፣ ኣብ ገዳም ቅዱስ እንጦስ ርእሰ መነኮሳት ከይዱ ባሕታዊ ኮነ። ኣብኡ ከኣ ናይ ርእሰ መነኮሳት ቅዱስ ኣባ እንጦንስ ወደ መዝሙር  ብምዃን፣ ካብዚ ዓቢ መምህር ብዙሕ ህይወት ተማህረ። ብዛዕባ ታሪክ ህይወት ቅዱስ እንጦንስ Vita Anthony እተዘንቱ መጽሓፍ ዉን ንሱ ባዕሉ ቅ.ኣትናቴዎስ እዩ ጽሒፍዎ። ድሕሪ ዕረፍቲ እለስከንድሮስ ኣብ ዕለት 5 ግንቦት 328 ዓ.ም. ከኣ ናይ እስክንዲርያ ፓትሪያርክ ክኸዉን ተመርጸ።

 ሓለዋ እምነትን ህይወት ጵጵስናን

ፖፕ እለስክንድሮስ ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብድሕሪኡ ንኣትናቴዎስ ክሾምዎ ተላቢዎም ነበረ። ኣትናቴዎስ ኣብቲ ግዜ ናይ ርእሰ መነኮሳት ኣባ እንጦንስ ኣሰር ምምስዓብ ኣብ ገዳም ብብሕትዉና ይነብር ነበረ። ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ንኣርዮስ ክሟጎቶ እንከሎ ብዘርኣዮ መንፋዕቲ፣ ቅ.ኣትናቴዎስ ኣብ ምእመናንን መራሕቲ ቤተክርስቲያንን ሽሙ ገኒኑ ነበረ። ኣርዮስ፣ “ወልድ ንኣብ ይመስል እምበር ምስ ኣብ ማዕረ ኣይኮነን” ምስ በለ፣ ቅ.ኣትናቴዎስ ግና ብሓቂ “ወልድ ምስ ኣብ ማዕረ ከምዝኮነ”ብመጽሓፍ ቅዱስን ትዉፊት ሓዋርያትን ጌሩ ኣረዲኡ ሞጊቱ ሰዓሮ።
ቅ.ኣትናቴዎስ ናይ .እለስክንድሮስ ዕረፍቲ ምስ ሰምዐ፣ ገዛእርእሱ ብቁዕ ጌሩ ኣይቆጽራን ስለዝነበረ፣ ምእንቲ ከይሾምዎኣብ በረኻታት ሃዲሙ ተሓብአ። ምእመናንን መራሕቲሃይማኖትን ግና ኣብ ኩሉ ቦታ ደልዮም ረኸብዎሞ፣ ኣብ 328.ፖፕ ጌሮም ቀቢኦም ሾምዎ።
ናይ ታሪክ ጸሓፋይ ሶቅራጦስ ብዛዕባ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ከምዚብምባል መስኪሩሉ ኣትናቴዎስ ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ብዘርኣዮዉሕሉል ናይ ምርዳእ ክእለቱን፣ ነገራት ናይ ምርዳእ ዓቕሙንኣብ ህይወቱ ብዙሕ መከራ ከምዝቐበል ጌርዎ እዩ።”።
ፖፕ ኮይኑ ጉስነቱ ምስ ጀመረ፣ ናብ ሃገርና መጺኡ ወንጌልዝስበኸ ንኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ጳጳስ ኮይኑ ክጓስየናቀቢኡልና። ካብቲ ግዜቲ ጅሚሩ እምበኣር ሃገርና ኤርትራ ምስመንበረ እስክንድርያ ርክብ ጸኒሕዋ። ዳርጋ ኩሉ ክርስቲያናዊስርዓትና፣ ትምህርቲናን ምስ ግብጻዉያን ተመሳሳሊ እዩ።

 እንተ ጸረፉኹምንእንተ ስጎጉኹምንምእንታይ ድማክፋእዘበለብሓሶት እንተተዛረቡልኩምን ብጹኣንኢኹም ማቴ511። ቅዱስ ኣትናቴዎስ 5 ግዜ ካብ መንበሩ ተሰዲዱ እዩ።

ቀደማይ ስደት

ኣርዮስ ብዝመሃሮ ምንፍቅና ተመኺሩ ምስማዕ ምስ ኣበየ፣ካብ ሕብረት ቤተክርስቲያን ተፈልዩ ተወገዘ። ብድሕሪዚ ግናኣርዮስ ሱቅ ኣይበለን፣ ዘደናግጽ ደብዳቤ ናብ ንጉስቆስጥንጢን (ድሕሪ ቆስጠንጢኖስ ዝነገሰ) ብምልኣኽ ናብእስክንድርያ ክምለስ ጸዓረ። ቆስጥንጢን ዉን ብኣርዮስ ተደናጊጹ፣ ንፖፕ ቅ.ኣትናቴዎስ ንኣርዮስ መሊሱ ክቕበሎ ሓተቶ። ቅ. ኣትናቴዎስ ግና ንኣርዮስ ከይተጣዓሰ ምቕባልማለት ምስ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ቤተክርስቲያን ምጽራርስለዝኾነ፣ ነቲ ሕቶ ነጸጎ። ብድሕሪዚ ኣርዮሳዉያንንቅ.ኣትናቴዎስ በዘን ዝስዕባ ምክንያታት ከሰስዎ፡
1.   ኣንጻር መንግስቲ ተቃዉሞ ንዝገበረ ፖፕ ፊሎሚኖስ ደጊፉ ብምባል
2.  ኢስኪራ ናይ ዝባሃል ካህን ጻዋእ ሰይሩ፣ ታቦቱ ከምዘዕነዎ
3.  ንጳጳስ ኣርሳንዮስ ኢዱ ቆሪጹ ንጥንቆላ ከምዝተጠቐመሉ
4. ንሓንቲ መነኮሳዪት ከም ዝደፈረ
ኣርዮሳዉያን ብብዝሒ ኣብ ዝተሳተፉሉ ቲረ (Tyre) ኣብ ትበሃል ቦታ ጉባኤ ተጌሩ ጉዳዩ ተራእየ። ቅ.ኣትናቴዎስ ዉን ንዝቐረበሉ ክሲ ሓደ ብሓደ ክምልሰሉን ክስዕሮምን ጀመረ።
ቀዳመይቲ ክሲ ብዘይ ሞገተ ፈሺላ፣ ነቲ ካልኣይ ክሲ ክምርመር ምስ ተጀመረ፣ ኣምላኽ ንልቢ እቲ ብሓሶት ንክምስክር ኣርዮሳዉያን ዘስድዕዎ ካህን ከምዝጠዓስ ስለዝገበሮ፣ ኣብ ጉባኤ ቀሪቡ ኣትናቴዎስ ካብዚ ገበን ናጻ ከምዝኾነ መስከረሉ።
እቲ ሳልሳይ ክሲ ግና ሕፍረቶም ከምዝቅላዕ ዝገበረቶም ነበረት። እቲ ምስ ኣርዮሳዉያን ተሰማሚዑ ኢዱ ከም ዝተቖርጸ ጌሮም ዝተዛረቡሉ ጳጳስ ኣርሳንዮስ ናብቲ ጉባኤ መጺኡ ነበረ’ሞ፣ ቅ. ኣትናቴዎስ ከኣ ኣብ ካልእ ክፍሊ ከምዝጸንሕ ገበሮ። ኣርዮሳዉያን ከኣ ናይ ሓደ ካልእ ዝሞተ ሰብ ኢድ ኣምጺኦም ኣብቲ ጉባኤ ናይ ኣርሳንዮስ ኣእዳው ብምባል ከም መርትዖ ኣቕረብዎ። ብድሕሪዚ ኣርሳንዮስ ናብ ዉሽጢ ከምዝኣቱ ተገብረ፣ ኣብ ቅድሚ ጉባኤ ቀሪቡ ኣእዳዉ ብምርኣይ፣ ብዝገበሮ ከምዝተጣዕሰ መስከረ። ኣርዮሳዉያን፣ መሊሶም ኣትናቴዎስ ጦንቋላይ ስለዝኾነ፣ ብሓይሊ ሰይጣን’ዩ ኢድ ጌርሉ ኣምበር ከምዚ ኣይነበረን በሉ። በቲ ዝበጽሖም ፍሽለት ሓሪቆም ንኣርሳንዮስ ክሃርምዎ ጀመሩ ንሱ ዉን ናብቲ ንጉስ ሃደመ።
ነቲ ናይ ድፍረት ክሲ ዉን ክምርምርዎ ጀመሩ። ሓንቲ ኣመንዝራ ኣምጺኦም ኣትናቴዎስ ከም ዝደፈራ ዉን መስከረት፣ መን ምዃኑ ግና ብኣካል ኣይትፈልጦን ነበረት።  ንቅ. ኣትናቴዎስ ኣሰንዩ ካብ ዝመጽኡ ጢሞትዮስ ዝበሃል ካህን ግና፣ ልክዕ ኣትናቴዎስ መሲሉ ኣብቲ ጉባኤ ቀሪቡ “ከመይ ጌርኪ ንስኺ ንዓይ ኣብ ገዛይ መጽኡ ደፊርኒ ኢልኪ ብዘይሕፍረት ትከስኒ፧”በላ። ንሳ ዉን “እወ ንስኻ ኢካ” በለት። ብኸምዚ ዉን ኩለን ናይ ሓሶት ክሲታቱ ተሳዕራ።
ኣርይኦሳዉያን ብዝገበርዎ ምትእትታዉ ግና ቅ. ኣትናቴዎስ ምስ ንጉስ ክራኸብ ኣይከኣለን። ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ከይዶም፣ ኣትናቴዎስ ስርናይ ካብ እስክንድርያ ከይወጽእ ኣዚዙ ብምባል ካልእ ክሲ መስረቱሉ። በዚዉን ቅ. ኣትናቴዎስ ናብ ግዘት ኣምረሐ። ዕለት 5 ለካቲት 335 ዓ.ም. ናብ ትረፈ (Treves) ትበሃል ኣብ ፈረንሳ ትርከብ ቦታ ተገዘተ (ተሰደ)፣ ኣብኡ ዉን ኩሎም ጳጳሳት ብዓቢ ክብሪ ተቀበልዎ።

ሞት ኣርዮስን ሓቂን

ኣርዮስ ኣዝዩ ብዘስካሕክሕ መንገዲ ሞተ። ሶቅራጦስ ንሞት ኣርዮስ ክገልጽ እንከሎ “እግዚአብሔር ንኣርዮስ መዓናጥኡ ብምፍንጣሕ ኣብ ሽቃቅ እዩ ቀዚፍዎ፣ ኩሎም ምእመናን ዉን ካብ ኣምላኽ ግቡእ መቅጻዕቲ ከምዝወረዶ በዚ ኣረጋገጹ” ይብል። እቲ ኣብ ዓራት ሞት ዝነበረ ንጉስ፣ ነዚ ምስ ሰምዐ ኣትናቴዎስ ንጹህ በደል ዘይብሉ ምዃኑ ስለዘረጋገጸ ኣብ 337 ዓ.ም. ናብ እስክንድርያ ክምለስ ወሰነ።
ንጉስ ቆስጥንጢን ምስ ሞተ፣ እቲ ንግስነት ተመቓቀለ። ቆስጥንጢን 2ይ ኣብ ፈረንሳ፣ ቆንስጣንስ ኣብ ኢጣልያ፣ ግብጺኸኣ ኣብ ትሕቲ ቆንስጣንጤዎስ ኮነት። ኣብ 338 ዓ.ም. ከኣ ብሽምግልና ቆንስጥንጢን ፖፕ ኣትናቴዎስ ናብ መነበሩ ተመልሰ፣ ህዝቢዉን ብዓቢ ሓጎስ ተቐበልዎ።

ካልኣይ ስደት

ኣርዮሳዉያን በዚ ደዉ ኣይበለኡን። ብዉልቆም ጉባኤ ጌሮም ንቅ. ኣትናቴዎስ ኣወጊዞም ካልእ ጎርጎርዮስ ዝስሙ ኣብ ክንድኡ ሾሙ። ነዚ ዉሳኔዉን ንዩልዮስ ናይ ሮም ጳጳስ ኣፍለጡ። ፖፕ ኣትናቴዎስ ግና ኣብ 340 ዓ.ም. ኣብ እስክንድርያ ጉባኤ ብምቅናዕ ኣንጻር ኣርዮሳዉያን ዝነበሮ ተሪር መርገጺ መሊሱ ብምትራር፣ ካብቲ ጌጋ ትምህርቶም ከይተመልሱ ከምዘይቅበሎም ኣፍለጠ። ነዚ ዉሳኔን፣ ናቱን ንጽህናን ዉን ደብዳቤ ብምጽሓፍ ንኩለን ቤተክርስቲያናት ኣፍለጠ። ኮይኑ ግና ኣርዮሳዉያን ንንጉስ ቆንስጣንጤዎስ ብምእማንን፣ ንፊሎጎርዮስ ብምጽላዉን፣ ነቲ ንሳቶም ዝመረጽዎ ፓትሪያሪክ ንጎርጎርዮስ ኣብታ ቤተክርቲያን ክስየም ገበሩ።
ህዝቢ እስክንድርያ በቲ ዝተገብረ ነገር ኣዝዮም ስለዝሓረቑ ክቃወሙ ጀመሩ።  ኣርዮሳዉያን ግና ክፍኣቶም ኣዝዩ ስለዝበዝሐ፣ ኣብ መዓልቲ ዓርቢ ስቅለት ናብ ቤተክርስቲያን እስክንድርያ ብምእታዉ ነቶም ህዝቢን ኣገልገልቲን ክቅጥቅጥዎም ጀመሩ። ብዝሓት ተቀቲሎም፣ ብዙሓት ተዓሚጸን፣ ብዙሓት ዉን ቆሰሉ። ቅ. ኣትናቴዎስ ግና ሓገዝ ናይ ኩለን ቤተክርስቲያን ደልዩ፣ መንበሩ ገዲፉ ናብ ሮም ከደ። ኣብ ሳርዲቻ (Sardica) ኩሎም ኣቦታት ጉባኤ ብምቅናዕ ብሕብረት ነዚ ዝስዕብ ዉሳኔ ኣመሓላለፉ
1.      ፖፕ ኣትናቴዎስ ንጹህ ምዃኑ
2.     ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ንዝተዋህበ ዉሳኔ ዳግማይ ከምዝጸንዕ
3.     ንኩሎም ኣርዮሳዉያን (ትምህርቲ ኣርዮስ ዝስዕቡ መራሕቲ) ጳጳሳት ኣወገዙ
4.     ንጎርጎርዮስ ካብ መንበሩ ክእለ
ዉሳኔታት ናይዚ ጉባኤ ኣተሓሒዞም ክልተ ጳጳሳት ናብ ንጉስ ቆንስጣንስ መራሒ ኢጣልያ ብምልኣኽ ነቲ ጉዳይ ኣፍለጥዎ፣ ንሱ ዉን በቲ ዝተወሰነ ተሰማምዐ። ንሓዉ ንጉስ ቆንስጣንጤዎስ ዉን፣ ንኣትናቴዎስ ናብ መንበሩ እንተዘይመሊስዎ፣ ኲናት ከምዝእዉጁ ኣፈራርሕዎ። ኮይኑ ግና ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ገለ ግብጻዉያን ምልዕዓል ጌሮም ንጎርጎርዮስ ኣብ 349 ዓ.ም. ቀተልዎ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዉን ካልኣይ ግዜ ናብ መንበሩ ተመልሰ፣ ምእመናን ዉን ብዓቢ ክብሪ ተቀብለዎ።
ቅዱስ ጎርጎርዮስ ነባቤ መለኮት (ቅዳሴ ዝደረሰ) ነዚ ህዝቢ ሰቲ ብምሓዝ፣ ምንጻፍ ብምንጻፍን ብጣቅዒትን ዝገበርዎ ኣቀባብላ ኩነት ክገልጽ እንከሎ፣ “እቲ ህዝቢ ዉን ልክዕ ከም ፈለግ ኒል ፈሰሰ” ይብል።

ሳልሳይ ስደት

ኣትናቴዎስ ናብ መነበሩ ምምላሱ ዘየሐጎሶም ኣርዮሳዉያን፣ ንጉስ ቆንስጣንስ ክሳብ ዝመዉት ተጸበዩ። መሊሶም ኣርዮሳዉያን፣ ኣትናቴዎስ ምስቲ ማግነይቶስ ዝበሃል ቀንዲ ጸላኢ ናይቲ ንጉስ ምሕዝነት ከምዝመስረተ ከሰስዎ። ሓደ ኣብ ኣርለስ ካልእ ከኣ ኣብ ሚላን ጉባኤ ጌሮም፣ ንኣትናቴዎስ ፈረድዎ፣ እዚ ዉሳኔ ዉን ንቆንስጣንጤዎስ ምስ በጽሖ፣ ነቲ ዉሳኔ ተቐቢሉ ንኣትናቴዎስ ገዘቶ። ፖፕ ቴኦናስ ኣብ ዝሃነጾ፣ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተክርስቲያን፣ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ጸሎተ ኪዳን እንዳብጸሐ እንከሎ፣ ወታሃደራት መጺኦም ኣኽበብዎ። ናብ ዉሽጢ ኣትዮም ክኣስርዎ ምስ በሉ ግና፣ እግዚአብሔር ዓይኖም ስለዘጸልመቶ፣ ካብቲ ካልእ ምእመን ፈልዮም ከለልይዎ ኣይከኣሉን።
ኣትናቴዎስ ዉን ተሓቢኡ ብምዉጻእ ኣብ ገዳማት ምስ መነኮሳት ክነብር ጀመረ። ኣርዮሳዉያን ከኣ ጊዮርጊስ ዘቆጶዶቅያ ኣብ ክንዲ ኣትናቴዎስ ጳጳስ ክኸዉን ሾምዎ። ኦርቶዶክሳውያን ግና ነዚ ጉዳይ ብምንጻግ ኣወገዝዎ። ንሱ ግና ናይ ኩሉ ቤተክርስቲያናት ንብረት ክግብቶ ጀመረ። ይኹን’ምበር ንሱ ዘሳደዶም ዝነበሩ ኣህዛብ (መምለኽቲ ጣኦት) ንዕዑ ቀቲሎም ስግኡ ኣቃጸልዎ።   

ራብዓይ ስደት

ቆንስጣንጤዎስ ምስ ሞተ ኣብ ክንድኡ ዩሊያን ወዲ ሓወቡኡ ነገሰ። ንህዝቢ እስክንድርያ ከሖጉሶም ስለዝደለየ ከኣ፣ ንቅ. ኣትናቴዎስ ናብ መነበሩ መለሶ። ቅ. ኣትናቴዎስ ዉን ኣብ 362 ዓ.ም. ጉባኤ ብምግባር ናብ ሕብረት ቤተክርስቲያን ክምለሱ ዝደልዩ ኣርዮሳዉያን ከማልእዎ ዝግባእ ቅድመ ኩነት ኣዉጸአ። ከምኡዉን ናብ ኣህዛብ ወንጌል ምስባክ ዝብላ ኣጀንዳታት ኣዉጸአ። ይኹን እምበር ንጉስ ዩልያን (ዓላዊ) ንርእሱ መምለኺ ጣኦት ስለዝነበረን፣ ካብ ኣህዛብ ዉን ብዙሕ ደገፍ ስለዝረክብን፣ ኣትናቴዎስ ንዘዉጽኦ መደብ ኣይፈተወን። በዚ ምክንያት ዉን ኣትናቴዎስ ንክእሰር ትእዛዝ ኣመሓላለፈ።
ቅ. ኣትናቴዎስ ካብ እስክንድርያ ወጺኡ፣ ብጃልባ ናብ ላዕላይ ግብጺ ኸደ። ናይ እስንክድርያ ኣማሓዳሪዉን ደድሕሪኡ ብመርከብ ሰዓቦ። ኣትናቴዎስ ንዝነበራ ጃልባ ከርኽባ ምስ ቀረበ ብዛዕባ ኣትናቴዎስ ዘለዋ ጃልባ ነቶም ሰባት ሓተቶም። ንሳቶም ዉን ኣብ ቀረባ ከምዘሎ ነገርዎ። ኣትናቴዎስ ኣብ ካልእ ቦታ ስለዝተሓብአ ግና እቲ ኣማሓዳሪ ክረኽቦ ኣይከኣለን።
ንቅ. ኣትናቴዎስ ዘፍቅርዎ ምእመናን ዉን በቲ ነገር ኣዝዮም ጓሃዩ። ነዚ ቅኑዕን ጽኑዕን ኣቦ ኣዚ ዝኣኽል መከራ ብምርካቡ ሓዘኑ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ግና፣ ኣብ ግዜ መከራን ስደትን ኣዝዩ ሰላም ከምዝስምዖ ነገሮም። መከራ ክኸዉን እንከሎ እግዚአብሔር ኣብ ትሕቲ ጽላል ረድኤቱ ከምዝሕልዎን፣ ልዕሊ ማንም ግዜ ጸጋ ከምዝበዝሓሉን ነገሮም። ብዛዕባ ዩልያን ዓላዊ ንጉስ ዉን “ስደትን መከራን ዩልያን ከም ማይ ክረምቲ ጽርግ ኢሉ ክሓልፍ እዩ” በሎም።  ከምዚ ኢሎም እንዳዕለሉ እንከለዉ፣ ንጉስ ዩልያን ኣብ ኲናት ፋርሳዉያን (ፐርሺያን)  ከም ዝተቐትለ ዜና ሰምዑ። ኣብ ኲናት ዝቐተሎ ከኣ፣ ቅ.መርቄርዎስ ሰማእት (ኣቡ ሰይፌን) እዩ፣ ቅድሚ ሙሟቱ ዩልያን፣ “ኦ ወዲ ማርያም ስዒርካኒ!” ኢሉ ተዛረበ።

ሓሙሻይ ስደት

ድህሪ ሞት ዩልያን፣ ዮቪያንን ቫልንስን በተኸታታሊ ነገሱ። ቫለንስ ከኣ ኣርዮሳዊ ስለዝነበረ ንኣትናቴዎስ ኣብ 367 ዓ.ም. ገዘቶ። ቅ. ኣትናቴዎስዉን ንእስክንድርያ ሓዲጉ ኣብ መቃብር ኣቡኡ ተሓብአ። እቲ ንጉስ ዉን ንኣትናቴዎስ ዝደግፉ ንዝነበሩ 30 ጳጳሳት ቀተለ። ኣቶም ህዝቢ ዘለዎም ጽንዓት ምስ ረዓየ ግና፣ ነቲ መከራ ኣቋሪጹ፣ ንኣትናቴዎስ ኣብ 368 ዓ.ም. ናብ መንበሩ መለሶ።
ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዋላ ወዲ 72 ዓመት ሽማግለ እንተነበረ፣ ግቡኡ ካብ ምዕያይ ቦኺሩ ኣይፈልጥን። ጽንዓቱን ገድሉን ዓለም ምስ ረኣየት፣ “ኣትናቴዎስ ኣንጻር ዓለም”  ብምባል ገሊጻቶ።
ኣንጻር ኣርዮሳዉያንን ብዛዕባ ተዋህዶን (ሚስጢረ ስጋዌን) ብዙህ መጽሓፍቲ ጽሒፉ። ዓመት ዓመት ዉን፣ ኣብ ግዜ በዓል ትንሳኤ ናብ ኩለን ቤተክርስቲያን ደብዳቤ ይጽሕፍ ኔበረ። ንመጀመርያ ግዜ ናይ ሓድሽ ኪዳን 27 መጽሓፍቲ ኣየኖት ምኳነን በብስመን ጠቂሱ ዝዘርዘረን ዉን ንሱ እዩ። ኣብተን ዓመታዊ ደባቤታት፣ ብዛዕባ ሓዳር፣ ቤተክርስቲያን፣ ወዘተ ኣርእስቲታት ጽሑፉ እዩ። ናቱ ጽሑፍ ዉን፣ ዓሙቊ፣ ቀሊል፣ መንፈሳዊን ርዱእን ነበራ።
መበል 44 ፓትሪያሪክ ናይ እስክንድርያ ዝነበሩ ኣba ቆዝማ፣ ናይ ኣትናቴዎስ ጽሑፋት ከድንቑ እንከለዉ ከምዚ ይብሉ “ዝኾነ ሰብ ናይ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ጽሑፍ እንተረኺቡ፣ ነቶም ዘይረኽብዎ ምእንቲ ከንብብዎ ወረቐት ዘለዎ ኣብ ወረቐት፣ ወረቐት ዘይብሉ ኣብ ክዳኑ ይጽሓፎ”።
ንመጀምርያ ግዜ ናይ ምንኩስና ክዳን ክኽደን ዝጀመረ ፖፕ ኣትናቴዎስ እዩ። ንኹሎም ጳጳሳትን ፓትሪይሪክን  ዉን ዩኒፎርም ክኸዉን ገበረ። ንቅዱስ እንጦንስ ርእሰ መነኮሳት፣ ስልጣነ ክህነትን ዝቀብኦን ደሓርዉን ናብ ሊቀ ካህናት ደረጃ ዝሾሞ ንሱ ኣትናቴዎስ እዩ። ጉይኡ ወዲኡ፣ ገድሉ ተጋዲሉ፣ በታ ንቅዱሳን ዝተዋህበት ሓቀኛ ኦርቶዶክሳዊ እምነት ክሳብ መወዳእታ ጸኒዑ፣ ዕለት 7 ግንቦት ኣብ 373 ዓ.ም. ብጐይታ ዓረፈ።
ጸሎቱን በረኸቱን ናይ ኣቦና ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘሓዋርያ ምስ ኹልና ይኹን።

ስብሓት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል 
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!

Comments

  1. aman aman aman kale hiwet yesmalna

    ReplyDelete
  2. ኣሜን ኣሜን ኣሜን ቃል ሂወት የእስምዓልና
    ብሓቂ ደስ ዘብል ቃል ኢዩ ኣምላክ ጽግኡ የእብዝሓልኩም በረከቱን ጸእለቱን ናይ ቅዱስ ኣትናቲዎስ ምስ ኩልና ይኩን ኣሜን።

    ReplyDelete
  3. ኣሜን ቃለ ሂወት የስምዓልና

    ReplyDelete
  4. ኣሜን ኣሜን ኣሜን። ቃለ ሂወት የስምዓና። በረከቱን ጸሎቱን ናይ ኣቦና ቅዱስ ኣትናቴዎስ ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስትያን ይኩን፨

    ReplyDelete
  5. ኣሜን ኣሜን ኣሜን ቃለ ሂወት ይስመዓልና ካብ በረኸቶም ኣሳቲፍኩምና ክብሪ ይሃብኩም ጎይታ

    ReplyDelete

Post a Comment

Popular posts from this blog

ገድሊ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ፡

ታሪኽ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ

ታሪኽ ቅድስት ማርታ