gedle abew

ታሪኽ ቅድስት ማርታ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።
   mኣብ ከተማ ደማስቆ ፡ጼዴንያ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢታት ሓንቲ ንእግዚኣብሔር እተኽብር ፍቕሪ ናይ ወላዲት ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝነበራ ሰበይቲ ነበረት። ስም እታ ሰበይቲ ማርታ ትበሃል።ኣብ ልዕሊ ቅዱሳንን እግዚኣብሔርንን ዝነበራ ፍቕሪ መግለጺ ዝኾነ ድማ ከምቲ ኣቦ ብዙሓት ዝተሰምየ ኣብርሃም ጋሻ  ናይ ምቕባል ልምዲ ነበራ።

ሕጊ ኣምላኽ ንምፍጻም ብዙሕ ግዜ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ሰባት ኣብ ቤታ ተቐቢላ ዘለዋ ትሕዝቶ ከም ዝቋደሱ ትገብር ነበረት።በዚ መንጽር ካኣ ኣባ ቴዎድሮስ ዝበሃሉ ኢትዮጵያዊ ናብታ ቅድስት ከተማ ኢየሩሳሌም ንምብጻሕ ካብ ዓዶም ተበጊሶም ኣብዚ ጼዴንያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ናይ ደማስቆ በጽሑ።ኣብ ቤት ማርታ ኣትዮም ካኣ ሓደሩ።ማርታ ፈታዊት ጋሽ ስለ ዝነበረት ከምቲ ኩሉ ግዜ እትገብሮ ብግቡእ ተቐቢላ ኣብ ቤታ ኣእትያ ከም ዘዕርፉ ገበረት።ንግሆ ምስ ኮነ ጉዕዝኦም ንምቕጻል ናብ ኢየሩሳሌም ተበገሱ ።ቅድሚ ምኻዶም ግና ልዑል ፍቕሪ ናይ ወላዲት ኣምላኽ ዝነበራ ማርታ ኣብ ምምላሶም ሉቃስ ወንጌላዊ ዝሰኣላ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ስእልን ካልእ ንዋየ ቅዱሳንን ገዚኦም ክማልኡላ ሓተቶም።ንሶም ድማ ገዚኦም ከምጽኡላ ብዛዕባ እቲ ገንዘብ ግና ምስ ተመልሱ ክትህቦም ከም ዘለዋ ነጊሮም ጉዕዞም ናብ ኢየሩሳሌም ተበገሱ።
ጉዕዝኦም ወዲኦም ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም በጽሑ ዝሓሰብዎ ኩሉ ፈጺሞም ብዙሕ ንዋየ ቅዱሳት ተማሊኦም ካኣ ናብ ደማስቆ ገጾም ተበገሱ፡እንተኾነ ስእሊ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ክማልኡላ ሓደራ ዝበለቶም ረሲዖማ ነበሩ እሞ ለምንት ረሳዕከ ዘትብለከ ዛቲ ብእሲት  እታ ሰበይቲ ሓደራ ዝበለትካ ስለምንታይ ረሳዕካዮ፧ ዝብል ድምጹ ሰምዑ ።እዚ ምስ ሰምዑ ብቕልጡፍ ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም ተመሊሶም ስእሊ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ሒዚም ብጽምዋ በረኻ ጉዕዝኦም ቀጸሉ።እንተኾነ ኣብቲ ጽምዋ በረኻ  ሓደ ዘፍርሕ ኣንበሳ መጾም ኣባ ቴዎድሮስ ድማ ኣዝዮም ፈርሑ እንተኾነ  ካብታ ኣብ ኢዶም ሒዞማ ዝነበሩ ስእሊ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣዝዩ ዘርዕድ ድምጺ ወጺኡ እቲ ዝተጓነፎም ኣንበሳ ካኣ ፈሪሑ ካብ ዙርይኦም ረሓቐ።ነዊሕ ከይከዱ’ውን ሸፋቱ ረኸብዎም ክኸትርዎም ኢሎም ኣብ ዝመጽሉ ግዜ’ውን ልክዕ ከምቲ ዝሓለፈ ስእሊ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ብተኣምር ነዞም ሸፋቱ ካብቲ ዝነበርዎ ቦታ ብቕጽበት እና ፈርሑ ከምዝኸዱ ገበረቶም።
ነዚ ኩሉ ዝረኣዩ  ኣባ ቴዎድሮስ “ንመድሃኒተይ ኣሕሊፈ ኣይህብን” ኢሎም ናብታ ዝለኣኸቶም ሰበይቲ ምኻድ ኣቋሪጾም ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ መርከብ ተሳፊሮም ጉዕዝኦም ጀመሩ።እንተኾነ ከምቲ ካብ ፍቓድን ስልጣንን ኣምላኽ ከምልጥ ኢሉ ብገዛእ ፍቓዱ ንነዌ ምኻድ ሓዲጉ ናብ ስጳኛ ንምኻድ መርከብ ዝተሳፈረ እሞ ኣምላኽ ብስልጣኑ ናብ ነነዌ ዝመለሶ ነቢይ ዮናስ ከምኡ ካኣ ንኣባ ቴዎድሮስ  ነታ ዝነበርዎ መርከብ ማዕበል ኣልዒሉ እና ኣናወጸ ናብ ደማስቆ ኣጸግዓ።ብድሕርዚ ኣባ ቴዎድሮስ ናብ ቤት ማርታ መጺኦም ከምቲ ዝሓለፈ ግዜ ሓደሩ።ንሳ ግን ኣየለልየቶምን።ንግሆ ኮይኑ ናብ ዓደም ክብገሱ ኣብ ዝነቐልሉ ካብቲ ቤት ወጺኦም ናብ ሃገሮም ዘውጽእ መንገዲ ክረኽብዎ ኣይከኣሉን  ወወዓለ እንዘ ያርመስምስ ከም ዝብል ኣብቲ ቀጽሪ ናይቲ ቤት ወዓሉ።ነዚ ዝረኣየት ማርታ “ኣቦይ ዝደኸምኩምን ዝሓመምኩምን ኢኹም ትመስሉ እሞ እተዉ ገዛ ኣዕርፉ ቀስ ኢልኩም ትኸዱ” ኢላ ናብ ቤታ ኣእተወቶም።ናብ ቤት ኣትዮም ሓደሩ።ንጽባሒቱ’ውን ከምቲ ኣቐዲሞም ዝገበርዎ ኣጋጣሞም።ብኸምዚ ሰለስተ መዓልቲ ገበሩ።እቲ ዝኾነ ምስ ሓተተቶም ኣነስ እቲ ስእሊ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ግዝኣለይ ዝበልክኒ መነኮስ ኢያ ብምባል እቲ ዝኾነ ነገር ኩሉ ገሊጾም ነገርዋ እሞ ንሳ ድማ ኣዝያ ናይ እተፍቅራ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ስእሊ ብምርካባ እና ተሓጎሰት ብኽብሪ ኣብ ቤታ ኣቐመጠታ ብመዓልትን ብለይቲ ካኣ መብራህቲ ተብርሃላ ነበረት ።ከምቲ ኣቐዲምና ዝተገልጸ እታ ስእሊ ቅዱስ ሉቃስ ወንጌላዊ ዝሰኣላ ስእሊ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ኢያ።
ብድሕሪ’ዚ ብዙሕ ተኣምራት ገበረት፡ሕሙማን ፈወሰት ፡ዕዉራት ኣብርሀት።ብቑጽሪ ኣዝዩ ብዙሕ ዝኾነ ተኣምራት ድማ ገበረት።በቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሊቀ ጳጳስ ዜናኣ ሰሚዖም መጹ ኣብቲ ቦታ ነታ ስእሊ ዝኸውን ቤተ ሰሪሖም ካህናት መዲቦም በዚ ዕለት ፲/10 መስከረም ድማ ናብ ቤት ማርታ (ጼዴንያ) ዝኣተወትሉ ዕለት ስለ ዝኾነ ምስተን ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም በዓላት ተቖጺራ ብኽብሪ ክትበዓል ስርዓት ሰሪዖም ከዱ።ብኸምዚ ካኣ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን “ጼዴንያ  ማርያም ” ብዝብል ኩሉ ግዜ መስከረም ፲/10 ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም በዓል ብኽብሪ ተብዕል።
ናይ ቅዱስ ኣምላኽና እግዚኣብሔር ምሕረት
ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት
ጸጋን በረኸት ናይ ኩሎም ቅዱሳን
ምሳና ይኹን።
        ስብሃት ለእግዚኣብሄር
        ወለወላዲቱ ድንግል
        ወለመስቀሉ ክቡር
              ኣሜን!!!

Comments

  1. ኣሜን ኣሜን ኣሜን ቃለ ሂወት የስምዓልና

    ReplyDelete
  2. ኣሜን ቃል ሂወት የስምዓልና ካብዚ ንላዕሊ ክትጽሕፈልና ኣምላኽ ጸጉኡ የብዝሓልካ

    ReplyDelete
  3. አሜን አሜን አሜን

    ReplyDelete
  4. አሜን አሜን አሜን ቃል ሂወት የስምዓልና ፀጉኡ የብዘሐልኻ

    ReplyDelete

Post a Comment

Popular posts from this blog

ገድሊ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ፡

ታሪኽ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ