gedle abew

ቅድስት ኣፎምያን ውዕለት ቅዱስ ሚካኤልን

፲፪/12 ሰነ  በዓል  ናይ ቅዱስ ሚካኤል (ቅዱስ ሚካኤል ናብ ኣፎምያን ባሕራንን ዝተላእከሉ ዕለት)

                             በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

   “መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ዝፈርህዎ ይሰፍር ካብ ድንገት ከኣ የናግፎም” (መዝ 34፡7)

     ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኣብ ልዕሌና ዘሎዎ ፍቕርን ሓልዮትን  ብቐለም ተጻሒፉ ብቃል ተዘሪቡ ዝውዳእ ኣይኮነን። ኣዝዩ ብዓይነትን ብብዝሕን መጠን ኣልቦ ዝኾነ  ሰናይ ነገራት እዩ ኣብ  ህይወትና  ዝፍጽመልና። ካብቲ ብዙሕ፡ንቅዱሳን መላእኽቲ እና ለኣኸ ኣብ ልዕሌና  ዝፍጽሞ ናይ ድሕነት ስራሕ እዩ። ልቢ ኣምላኽ ዘመራይ ቅዱስ ዳዊት ከም ዝገለጾ  ቅዱሳን መላኽቲ ኩሉ ግዜ ብዘይ ምቁራጽ ንድሕነትና ዝለኣኹ ረቀቕቲ መናፍስቲ እዮም(እብ1፡14)።በዚ መንጽር እዚ ከኣ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እና በሉ የመስግንዎ፡ይውድስዎ ንዓና ንደቂ ኣዳም ከኣ ብጸሎት፡ብረድኤት፡ብሓለዋ፡ ዝድግፉና እዮም (መዝ 34፡7, ዘጸ 3፡21, ዳን 3፡6, ማቴ4፡6-11)።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተመልኪትና ኣዝዩ ስፍሕ ብዝበለ መልክዑ ናይ መላእክት ስራሕን ዕዮን ብግልጺ ንረኽቦ ኢና። ብዙሓት ሰባት ብናይ መላእኽቲ ጸሎት፡ ኣማላድነት፡ ተራድእነት ካብ ሽግር፡ ካብ ጸበባ፡ ካብ ሕማምን፡ ድነ ሞትን ተጋላጊሎም  ንእግዚኣብሔር ከመስግኑ በቒዖም እዮም።

ንኣናንያ፡ ኣዛርያ፡ ሚሳኤል ካብ እቶን ሓዊ (ዳኒ6፡22)፡ ንቅዱሳን ሓዋርያት ካብ ቤት ማእሰርቲ(ግ.ሃዋ 5፡19, 12፡11)፡ ንጦብያን ጦቢትን ካብ መከራን ሽግርን (ጦቢት 12፡18)፡ ንእስራኤላውያን ካብ ባሕሪ ኤርትራ ዘናገፉን ዘድሓኑን ዝረድኡን ቅዱሳን መልእኽቲ እዮም። ብኣንጻሩ ንመላእኽቲ ዝተዋህበ ክብርን ስልጣንን ንዒቖም ዝኸዱ ሰባት ከኣ ተቐጽዑ እምበር ህይወት ክረኽቡ ኣይተራእዩን (ሉቃ 1፡19, ዘጸ 3፡20, ዘሁ 22፡33, 2ሳሙ 24፡15, 2ነገ 19፡31, ግ.ሃዋ 12፡20-23)።

ስለዚ ብሓፈሻ እምበኣር ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ ህይወትና ዓቢ ተራ ከም ዘለዎም ክንፈልጥን ክንግንዘብን ይግባኣና።

ሓደ ካብቶም ንደቂ ሰባት ዝራድኡን ዘድሕኑን ቅዱሳን መላእኽቲ እምበኣር ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽቲ እዩ።

  111ሚካኤል ማለት  ብቋንቋ እብራይስጥ  ኮይኑ ትርጉሙ ከኣመኑ ከመእግዚአብሔር/መን ከም እግዚአብሔር” ማለት እዩ። ናይ እግዚኣብሔር ልዕልናን ክብርን ዝገልጽ እዩ። ከምቲ ንነቢይ ሙሴ ዝተዛረቦ እግዚኣብሔር “ስመይ ኣብኡ ተሰምዩ እዩ እሞ በደልካ ኣይክሓድገልካን እዩ” (ዘጽ 23፡22) ዝበሎ፡ ቅዱስ ሚካኤል ስም እግዚኣብሔር ዝሓዘ እዩ። ከመይ ትርጉም ስሙ መን  ከመ እግዚኣብሔር ማለት ስለዝኾነ።

ቅዱስ ሚካኤል ሓለቃ መላእክት ምኳኑ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ብዙሕ  ቦታታት ገሊጽዎ ይርከብ።ከም ኣብነት ኢያሱ ኣብ ጥቓ ኢያሪኮ ከሎ ዝተመልሐ ሰይፍ ዝሓዘኮይኑ  ተገልጸሉ’ሞ ኢያሱ ድማ “ንስኻ ናትና ዲኻ ውይስ ናይ ጸላእትና ’’ በሎ።ንሱ ድማ “ኣነስ ሓለቓ ሰራዊት እግዚአብሔር ኮይነ ደኣ ሕጂ መጺኤ ኣለኹ” በሎ።ብድሕሪኡ ኢያሱ ኣብ ቅድሚ እቲ መልኣኽ ተደፊኡ ሰገደሉ (ኢያ 5፡14-15)።

 ብተወሳኺ ይሁዳ ኣብ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ኣብታ ሓንቲ ምዕራፉ እንተ  ተመልኪትና ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤል ብዛዕባ ሬሳ ሙሴ ምስ ዲያብሎስ ከም ዝተካራኸረን ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን መላእኽቲ ዝተሸም ከም ዝኾነን ነንብብ(ይሁድ1፡9 )። ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ መጽሓፉ ኣብ ራእይ ሚካኤልን መላእኽቱን ብምባል ሓለቓ ቅዱሳን መላእኽቲ ከም ዝኾነ ተጻሒፉ ንረኽብ(ራእ 12፡7)።

ከምቲ ዝተገልጸ ቅዱስ ሚካኤል’ውን ከም ኩሎም ቅዱሳን ኣብ ህይወትና ዓቢ እጃም ዘለዎ እዩ። ቀደም እውን እንተኾነ ንቅዱሳን መላእኽቲ መሪሑ ነቲ ኣምላኽነት ዝደለየ ሳጥናኤል ዝሰዓረ ቅዱስ ሚካኤል እዩ(ራእ12፡7-8)።

እስራኤላውያን ቅድሚ ንግብጺ ገዲፎም ናብ ሃገሮም ናብታ እግዚኣብሔር  ዘተስፈዎም ሃገር ቅድሚ ምብጋሶም እግዚኣብሔር ዝሃቦም እንተ ነይሩ ቃል ናይቲ መሪሕዎም ዝኸይድ ዝነበረ ቅዱስ ሚካኤል ምስማዕ እዩ ነይሩ። እዚ ከኣ ንኾንቱ ዘይኮነስ ብሰላምን ብጥዕናን ጸላእቶም እና ተዋግአ ብህድኣት መታን ከእትዎም እዩ።“ኣብ  መንገዲ  ኽሕልወካ  ናብቲ   ዘዳለኹዎ  ቦታ ድማ ከእትወካ  እንሆ  ኣነ  መልኣኸይ  ቀቂድሜኻ ይልእኽ  ኣለኹ ኣብ  ቅድሚኡ  ተጠንቀቕ! ድምጹ  ከኣ  ስማዕ፡እምቢ  ኣይትበሎ  ስመይ  ኣብኡ  ተሰይሙ  አዩ  እሞ  እዩ” ከም ዝበለ፡እዚ እንተገይሮም፡ ብረዲኤቱን ኣምላኽ ብዝሃቦ ስልጣንን እንተ ኣሚኖም ብሰላም ክኸዱን ክኣትዉን እምቢ እንተ በሉ ግን ሞትን መቕጻዕትን ከም  ዘለዎም ተነጊርዎም እዩ(ዘጽ 23፡20) በኸምዚ ከኣ ቅዱስ ሚካኤል ብረድኤትን ብብረኸት እናጓሰየ ንባሕሪ ኤርትራ ኣሳጊሩ ካብ ሰማይ መና እና ኣውረደ ናብታ እግዚኣብሔር ንኣብርሃም ዘተስፈዎ ከንኣን ኣብጽሖም።

“ዝኬ  ውእቱ  ዘተነግረ  በመዋዕለትካት  ለእስራኤል  ህብስተ  መና  ዘኣውረደ  በገዳም  ወርእየቱ  ከመ ተቅዳወከ መኣያያት  መዓር  ጥዑም  ፈድፋደ”

“ሚካኤል  እመላእክቲ  መኑ  ከማከ   ልዑል፡ይሰግድ  በብረኪሁ   እስከ  ይረክብ  ስርየት   ለኃጥኣን”

ኢሎም ከም ዝደረስሉ ቅዱሳን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንቲ፡ እቲ ሓያል መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ብዓል ዓቢ ውዕለት እዩ።

           ንሎሚ እምበኣር በዚ ዕለት(፲፪/12 ሰነ) እዚ ቅዱስ ሚካኤል ዝገበሮ ተኣምር ክንርኢ ኢና።

እንተ ኾነ ግን ኩላትና ደቂ ኦርቶዶክሳዊት  ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቤተ ክርስቲያና በዓላት፡ ኣጽዋማት፡ ኩሉ ብሓፈሻ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝርከብ ናትና ሃብትናን ታሪኽናን እዩ። ካባና ሓሊፉ እውን ዝምልከቶ ማንም ስለ ዘየለ  ኣብ እግሪ ኣቦታትና ኮፍ ኢልና ክንመሃር፡ መጻሕፍትና ገንጺልና ክነንብብ፡ ኣብ ኩሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን መደባት ተሳቲፍና  ናይ ሃይማኖትና ነገር ካብ ዝደቐቐ ክሳዕ ዝዓበየ ክንፈልጦን ክነግረሉን ክነብረሉን ይግባእ። እዚ ክንገብር ቅዱስ እግዚኣብሔር ናቱ ቅዱስ ፍቓድ ይኹን ኣሜን። ንሕጂ እምበኣር ናብቲ ናይ ዕለቱ ክንሓልፍ።

                         ዕረፍታ ናይ ቅድስት ኣፎምያ

          ቅድስት ኣፎምያ ሃገራ ኪልቅያ ኮይኑ፡ በዓል ቤታ ኣስተራኒቆስ ይበሃል። ቅድሚ  ብሕማም ካብዛ ዓለም ምፍላዩ ናይኪልቅያ መስፍን ነበረ። እዛ ቅድስት ኣደ ሰብኣያ ምስ ሞተ ዝነበራ ሃብትን ንብረትን እናሸጠት፡ ካብቲ ዝሸጠቶ ድማ እና መጽወተት ብጾምን ብጸሎትን ተወሲና፡ ብንጽህናን ብቕድስናን ትነብር ነበረት። እንተኾነ ከምቲ ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ኣብ መልእኽቱ ገሊጽዎ ዘሎ፡ ሰይጣን ኣብ ዙርያና ኮለል ካብ ምባል ኣየዕርፍን እዩ፡ ንሕና ካብ ግብሪ ጽድቂ ኣብ ዘዕረፍናሉን ኣብ ዝደኽምናሉን ግዜ ካኣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ንኸውን ብኣንጻሩ ኣብ ሃይማኖት ኬንና እንተ ተቓወምናን እንተ ጸናዕና ግና ነቲ ንዓና ክምንጥል ኢሉ ኣብ ዙርያናዝዘውር ዲያብሎስ ፈጺሙ ካባና  ይርሕቕ (1ጴጥሮስ 5፡8)።

 ቅድስት ኣፎምያ ብእትጋደሎ ዝነበረት ተጋድሎ፥ ጾም፡ ምጽዋት፡ ጸሎት ዝተቓጸለ ሰይጣን፡ ብዝተፈላለየ ሜላ ከስሕት ኢሉ ናብ ሰባት ከም ዝመጽእ  ናብዛ ቅድስት ኣደ እውን ሓደ ዓቢይን ኣረጊትን መኖኮስ መሲሉ  መኖኮሳት ኣኸቲሉ እዩ መጺእዋ። ኣቐዲሙ ኣብ ደገ ኮይኑ ጸውዓ። ንሳ ከኣ ካብ ቤታ ብቕልጡፍ ወጺኣ “ናብ  ቤተይ እተዉ እሞ ኣብ ቅድሚ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ስእሊ  ኬንኩም ጸልዩለይ ” በለቶ። ንሱ ግን “ንሕናስ ንግሆ ጸሊና ኢና ንስኺ ግን  እዚ ኩሉ ጾምን ጸሎትን እንታይ ክገብረልኪ እዩ፧ ድሕሪ ብዙሕ ግዜ ከም ዝቐትለኪ ኣይትፈልጥን፧ ዝነበረኪ ሃብቲ ሼጥኪ ዝወዳእክዮኸ ስለምንታይ ኢኺ፧ ኣብ መጨረሽታ ምስ ደኸምኪ ዝሕግዘኪ፡ ጸዊዕክዮ ዝረድኣኪ ውላድ የብልክን፡ ካልኣይ ግዜ ምምርዓው፡ ሰብኣይ ምእታው ሓጢኣት መሲሉኪ፧ በዓል ዳዊት ፡በዓል ኣብርሃም ካብ ብዙሓት ኣንስቲ ብዙሓት ውላድ ኣይወለዱን ድዮም፧ሕጂ እምበኣር ቤት ዝሰርሓልኪ፡ዝኣልየኪን ዝለኣኸክን ወዲ የድልየኪ እዩ እሞ ሰብኣይ ኣእትዊ፡ ስለዚ ሐራይ በልኒ”በላ። ነዚ ቃል ዝሰምዐት እዛ ቅድስት ኣደ “ኣባ እስኬማስ ሰናይ ወቃልከሰ እኩይ-ኣባ ኣስኬማኹም (ቆብዕኩም) ጽቡቅ ነይሩ እንተዘረባኹም ግን  ክፉእ እዩ” ኢላ እቲ ሓሳብ  ናይ መን ከምዝኾነ ተገንዚባ ናብ ውሽጢ ቤታ ኣትያ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ስእሊ ኣምጺኣ ኣርኣየቶ እሞ እንሆ  “ጽንሒ 12 ሰነ መጺኤ ምስቲ ስእሊ ገይረ ከጥፍኣኪ እየ ” ኢልዋ በኒኑ ከደ።

   2222 ሰነ 12 ንግሆ፡ ብርሃናዊ መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል መሲሉ መጺኡ “ጾምክን ጸሎትክን ስግደትክን ምጽዋትክን ዓሪጉልኪ እዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ መጺኤ ከጥፋኣኪ እየ ከምዝበለ ሰሚዔ ከድሕነኪ መጺኤ ኣለኹ ስገድለይ በላ።ንሳ  ከኣ “መን ኢኻ፧ በለቶ”። ንሱ መሊሱ “ኣነ ቅዱስ ሚካኤል መልኣኽ እየ” ክብል ብሓሶት ተዛረበ። ንሳ ቀጺላ፡ “እምበኣር ናይ ንጉስ ወተሃደር፡ ልኡኽ፡ ብዘይ ማሕተም ይኸይድ ድዩ፧  ቤትረ መስቀልካ ኣበይ ኣሎ፧” ክትብል ሓተቶ። ከምታ ቀዳማይቲ መዓልቲ ዝገበረታ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ስእሊ ክተምጽእ ኢላ “ጽናሕ በል ሚካኤል እንተ ኾንካስ ስእልኻ ከምጽኣልካ ” በለቶ እሞ  ገጹ ገልቢጡ ጽልመት ተኸዲኑ ካብ ቅድሚኣ ከደ።       እቲ ንረድኤት ቅልጡፍ ዝኾነ ቅዱስ ሚካኤል ከም ቅጽበት ዓይኒ ቀልጢፉ ናብኣ መጸ።”ብጽእቲ ኣፎምያ! እንሆ ጾምክን ጸሎትክን ተሰሚዒልኪ እዩ እሞ ዕረፍትኺ ሎሚ እዩ ” ኢልዋ ንሰይጣን ኣባሪሩ ናብ ሰማይ ዓረገ።

 ቅድስት ኣፎምያ ናብ ቤተ ክርስቲያን ከይዳ ናይ ክርስቶስ ስጋን ደምን ተቐቢላ፡ ኣብኡ ዝነበሩ ጳጳሳትን ካህናትን ጸዊዓ  ከኣ ናብ ቤታ ተመልሰት። ናብ ቤታ ምስ መጹ ከኣ ከከም ማዕርጎም ኮፍ ኣቢላ ምሳሕ ኣብሊዓ ዝስተ ኣስተየቶም። ኣብ ኢዳ ዝነበረ ወርቂ ንቅድስት  ቤተ ክርስቲያን መስርሒ፡ ዝነበራ ገንዘብ ንድኻታት ክኸውን ናብ ቤታ ዝመጹ ጳጳስ ኣረከበት እሞ ዓረፈት። ንብዙሕ ግዜ ኣብ ሕቑፍኣ ዝነበረት ናይ ቅዱስ ሚካኤል ስእሊ  ካብ ሕቑፍኣ ወሲዶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣቐመጥዋ። ንብዙሓት ሕሙማት ከኣ ትፍውስ ነበረት።

ጸሎታን በረኸታን  ናይ ቅድስ ኣፎምያ ምስ ኩላትና ይኹን።ንቅድስት ኣፎምያ ዝረድአ  ቅዱስ ሚካኤል ሎሚ እውን ካብ ሽግርን ካብ ዓለማዊፍትወትን ብጸሎቱን ብረድኤቱን ይሓልወና።ኣሜን!

    ስብሃት ለእግዚኣብሄር
    ወለወላዲቱ ድንግል
    ወለመቀሉ ክቡር
       ኣሜን።

Comments

Popular posts from this blog

ገድሊ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ፡

ታሪኽ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ

ታሪኽ ቅድስት ማርታ