gedle abew

ታሪኽ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ

ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ
(፫፻፮-፫፻፸፫) 306-373
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።
ቅዱስ ኤፍሬም ናይ ቅዱስ ያዕቆብ በዓል ንጽቢን ተማሃሪ ነበረ።ቅዱስ ያዕቆብ ካኣ ቁጽሩ ካብቶም ንኣርዮስ ዝወገዘኡ ፫፻፲፰(318)ን ኣቦታት ሊቃውንቲ ኢዩ።ንኣርዮስ ኣውጊዞም ክሕደት ደምሲሶም ሃይማኖት መሊሶም ክምለሱ ከለዉ ኣብቲ ዝኃደርዎ ቦታ ቅዱስ ኤፍሬም ዓምዲ ብርሃን ተተኺሉ ካብ ምድሪ ክሳዕ ሰማይ ዝበጽሕ ብሕልሚ ይርኢ ትርኢቱ ከም ዝገለጽካለይ መን ምዃኑ ግለጸልይ ኢሉ ናብ ልዑል እግዚኣብሔር ስለ ዘመልከተ ዝተኣዘዘ መልኣኽ መጺኡ ባስልዮስ በዓል ቂሳርያ ኢዩ፡ንሱ ንቤተ ክርስቲያን ጽኑዕ ዓንዲ ኢዩ።ብስብከቱ ልቢ ደቂ ሰብ ናብ ብርሃን ዝልውጥ ኢዩ እሞ ፡ንቅዱስ ኤፍሬም ደግነቱን መንፈሳውነቱን ብራእይ ዝተገልጸሉ ምዃኑ ነገሮ።
ቅዱስ ባስልዮስ’ውን ቁጽሩ ምስቶም ፫፻፲፰(318)ን ኣቦታት ሊቃውንቲ ኢዩ ግን ብእርጋን ወይ ብሕማም ምኽንያት ተሪፉ ወይ ካኣ በጺሑ ተመሊሱ ምዃኑ ኣይተፈልጠን ።ቅዱስ ኤፍሬም በዚ ስለ ዘይዓገበ ንቅዱስ ባስልዮስ ብዓይኑ ክርእዮ ደለየ እሞ ንመምህሩ ኣብ ቦትኡ ኣብጺሑ ስለ ሰለስተ ነገር ይኸይድ፡
፩) ምስ ከምዚ ዝበሎ ኣቦ ምዝርራብ መንፈሳዊ ምስጢር ይርከብ ኢዩ።
፪) ብእዝኒ ዝሰማዕካዮ ብዓይኒ ርኢኻ ምርግጋጽ ስለ ዝግባእ
፫) እቲ ራእይ ናይ መንፈስ ቅዱስ ድዩ ወይስ ሰይጣን ኣታሊሉኒ፧ ብማለት ንቂሳርያ ከደ።
ግናኽ ቅዱስ ኤፍሬም ከይዱ ንቅዱስ ባስልዮስ ከምቲ ዝረኣዮ ኮይኑ ኣይረኸቦን ፡ንሱስ ኣብ ወርቂ መንበር ተቐሚጡ ኣብ ወርቂ ኣትራንስ ወንጌል ወርቅ ዘርጊሑ ዘንጸባርቕ ካባ ደሪቡ ጽሩይ መጠምጠምያ ርእሱ ተወናኒሱ ሃሪ ዝመትኃዚኡ ግሩም ዝኾነ ወርቃዊ ጪራ ኂዙ ንምእመናን ክምህር ረኣዮ።
በዚ ድማ “ወታሐዘቦ ልቡ ለኤፍሬም ከመ ሥጋዊ ውእቱ እስመ ምሥጢራት ይትከሠታ ለትሑታን ውስተ ምይንት ነፍስ ኢትኃድር ጥበብ ” ከምዝብል ምሳሌ11፡2 ንመንፈስ ቅዱስ ፪ ግብሪ ዶ ኣለዎ ኢዩ፧ ወይስ ተታሊለ እየ እና በለ ብሕልንኡ ከደይብን ከውርድን ከሎ ፬ ነገራት ይርኢ
፩)ቅዱስ ባስልዮስ ቃል ኣምላኽ ክሰብኽ ከሎ ካብ ኣፉ ከም ነፀብራቕ እሳት እና ወጸ ነቶም ህዝቢ ኣብ ልዕሊኦም ልቦም ኣትዩ ክወሃሃዶም ይርኢ
፪) ርግቢ ኣብ ርእሱ ክትዓልብ ከላ ይርኢ
፫)ተሐዋስያን(ዝምቢ) ኣብ ክዳኑ እንተ ዓለቡ ተቓጺሎም ከም ቆጽሊ ክረግፉ ይርኢ እዚ ድማ ለካዊነ እሳት በጺሑ ስለ ዝነበረ እዩ።
፬) ስሙ ከይፈለጠ ሃገሩ ከጠየቐ፡ ኤፍሬም ሶርያዊ ኤፍሬም ለብሐዊ ኣብ ኩርናዕ ቤተ ክርስቲያን ቆይሙ ይጽልየልኩም ኣሎ’ሞ ጸውዕለይ ኢሉ ብኣስተርጓሚ የዘራርቦ።
ቅዱስ ኤፍሬም ግና ብትርጁማን ምዝርራብ ስለ ዘየዕገቦ “ኣቦይ ጸሊ እሞ ቋንቋኻ ንዓይ ቋንቋይ ድማ ንዓኻ ክግለጸልና በሎ።ጸልዩ ድማ ከምቲ ዝደለዮ ኮነሉ።ማለት ቋንቋ ቅዱስ ባስልዮስ ጽርኢ(ግሪኽ)ንቅዱስ ኤፍሬም፡ቋንቋ ቅዱስ ኤፍሬም(ሱርስት) ንቅዱስ ባስልዮስ ተገሊጽሎም ክጻወቱ ሓደሩ።
መዓርገ ሢመት ቅዱስ ኤፍሬም
ቅዱስ ኤፍሬም ቅድሚ ምስ ቅዱስ ባስልዮስ ምርኻቡ ዝነብሮ ማዕርገ ሢመት ኣይተፈልጠን ግና ቅዱስ ባስልዮስ ካብቲ ዝጸንሖ ደረጃ ማዕርግ ወሲኹ ካብቲ ናቱ ሃገረ ስብከት ሂቡ ንምእመናን መሃር ኢሉ ኣዘዞ።
ቅዱስ ባስልዮስ ዝለበሶ ክቡር ልብሲ ስለ ክብረ ወንጌል እዩ እምበር ልብሱስ ወጮ(ማቕ) ኢዩ ነይሩ ።ሎሚ ካህናት ምእንቲ ክብረ ሥጋኡን ደሙን ናይ ክርስቶስ ስለ ክብረ ወንጌልን ክብሉ፡ወርቂ ኣኽሊል ናይ ክብረኢ ልብሰ ግርማ ለቢሶም ከም እንርእዮም ማለት ኢዩ።
ቅዱስ ኤፍሬም ኣብቲ ዝተዋህቦ ሃገረ ስብከት ወንጌል እና መሃረ ክቕመጥ ከሎ ሓንቲ ካብ ደቂ ነገስታት ዝኾነት ሰበይቲ ዝገበረቶ ሓጥያት እና ጸሓፈት ተቐምጦ ነበረት ንምንታይ እንተ በልና ንምንጋር ትሓፍር (ትፈርሕ) ስለ ዝነብረት ኣዝዩ ካኣ ሰለ ዝበዝኅ ይብል፡ ሓደ መዓልቲ ነቲ ዝተጻሕፈ ሓጢኣት ጠቕሊላ ንቅዱስ ባስልዮስ ፥ኣቦዮ ኣዚ ዘሎ ኩሉ ይደምሰሰልኪ በለኒ “በሎቶ።ይፈሓቖልኪ ድማ በለ።በዚ ካኣ ገንጺላ እንተረኣየት ኩሉ ተፋሒቑ ከብቅዕ ሓንቲ ከይተደምሰሰት ተሪፋ ርእያ ንሳ ዘፅዕ ዕብየት ለነጊረ’ውን ይብላ፡ንምንግባራ ኾነ ንምንጋራ እተጨንቕ ኢያ፡ኣቦይ እዚኣኸ በለቶ።ንሱ ድማ እዚስ ንቅዱስ ኤፍሬም ድኣ እንተተኻእሎ ሕተትዮ እምበር ንዓይስ ኣይኮነን በላ።ዘይካኣሎ ኮይኑ ኣይኮነን ግን ኲሎም ቅዱሳን ልምዶም ክብሪ ርእሶም ካብ ምግላጽ ናይ ብጻዮም ክብሪ ክግለጽ ስለ ዝደልዩ።
ከምኡ’ውን ነታ ተነሳሒት ሰበይቲ ፡ላዕልን ታሕትን ብምባል እንተደኸመት ጻማ ስለ ዝኾና እቲ እትደኽሞ ካኣ ኣብ ቆኖና ኣትዩ ንስሓ ስለ ዝቑጸረላ በዚ ናብ ቅዱስ ኤፍሬም ክትከይድ ነገራ።ከይዳ ድማ ይፈሓቖልኪ በለኒ በለቶ እሞ ንሱ ካኣ ልክዕ ከምታ ቅዱስ ባስልዮስ ዝበላ ቃል ትሕትና እዚስ ቅዱስ ባስልዮስ ሊቀ ጳጳሳት ድኣ እንተተኻእሎ እምበር ኣነስ ኣይከኣልኩን በላ፡ዘይከኣሎ ኮይኑ ኣይኮነን ከምቲ ቅድም ዝተባህለ ድማ ነታ ተነሳሒት ሰበይቲ ኣብ ቆኖና ተቖጺሩ ጻም ድኻማ ክትረከብ ሓጥያታ ክሕደገላ ማለት እዩ።
ዕረፍቲ ቅዱስ ባስልዮስ
እታ ተነሳሒት ሰበይቲ ቅድሚ ናብ ቅዱስ ባስልዮስ ምምላሳ ቅዱስ ኤፍሬም ከምዚ ይብላ “ኬድኪ ግና ከምቲ ዝሓደግክዮ ብሕይወት ሥጋ ኣይክትረኽብዮን ኢኺ ዓሪፉ ሬስኡ ተሰኪሞም ናብ መቓብር ክወስድዎ ክትረኽብዮ ኢኺ’ሞ ከይተጠራጠርኪ ኣብታ ሬስኡ ኣቐምጥያ እሞ ሓጥያትኪ ክሕደገልኪ ኢዩ” ኢሉ ኣእሚኑ ኣፋነዋ፡ከይዳ ካኣ ከምቲ ዝበላ ኮይኑ ጸንሓ።ንሳ ካኣ ከምታ ቅዱስ ኤፍሬም ዝበላ ገበረት። በዚ ድማ ሓጥያታ ተደምሰሰላ።እዚ ድማ ካህናት ብሕይወተ ሥጋ ከልዉን ምስ ሞቱን ሓጥያት ከም ዘስተርዩ የርድኣና።(ዮሃ20፡23/፳፡፳፫)
ሕያውነት ቅዱስ ኤፍሬም
ቅዱስ ኤፍሬም ተማሃሪ ቅዱስ ያዕቆብ በዓል ነጽቢን ከም ዝነበረ ተገሊጹ ነይሩ እዩ።
ስምዖን ዘዓምድ መማህርቱን ብጻዩን ስለ ዝኾነ ክበጽሖ ናብ ቅዱስ ኤፍሬም መጺኡ ከሎ ፡ቅዱስ ኤፍሬም ክምህር ከሎ ሰላም ለኪ እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ፡እና በለ ክናገር ሰሚዑ ኦ! እግዝእትየ ዝብል ካበይ ኣምጺእካዮ ፧ መምህርና ኣይነገረናን በሎ።ነጊሩና እባ ኣይንገረናን ብዝብል ተኸራኺሮም ይመስከር ይመስከር ኢሎም ናብ መቓብሩ ከይዶም እንተረኣዩ ፲ ኣጻብዕ ከም ድሙቕ ሽምዓ እና ኣብርሃ ተንሢኡ በሕይወትየ እብለኪ ”ሰላም ለኪ ኦ! ቅድስት ድንግል ከመ ስምዖን ዘዕምድ ወድኅረ ሞትየሰ ኩሎሙ ኣዕጽምትየ ይብሉኪ ወይዌድሱኪ ሰላም ለኪ ኦ! እግዝእትየ ቅድስት ድንግል ከመ ኤፍሬም ሶርያዊ” ኢሉ መስከረ። በዚ ድማ ሕያውነት ቅዱስ ኤፍሬም ተገልጸ።ከመይ መምህሩ ድኅሪ ሞቱ ዝናገሮ ፈሊጡ ምምስጋን ማለት ኢዩ።ሶርያዊ ብሃገሩ ዝበሎ እዚ ኢዩ።
ለብሐዊ ዝበሎ ድማ
ቅዱስ ኤፍሬም ምንም እኳ መንፈሳውን ኣቦ ምእመናን እንተኾነ ብዓል ኢደ ጥበብ ስለ ዝነበረ ካብ መሬት ከም ጣሳ፡ብርለ፡ብርጭቆ ዝመስል ኣቓሑ ሠሪሑ እና ሸጠ ናይ ዕለት መግቡን ናይ ዓመት ልብሱን ኣትሪፉ ንድኻታት ይምጽውቶ ነብረ።ክምጽውት ከሎ ድማ ኣዝዩ ስለ ዘፍቅራ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ኢዩ።ምስጋናኣ ከም ኁፃ ባሕሪ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ በዚኁለይ እንተዝርኢ ከም መግቢ ምተመገብክዎ ከም ልብሲ ካኣ ምተኸደንክዎ እና በለ ይምነ ነበረ።ዝደለይዎ ምግላጽ ዝለመንዎ ምሃብ ዝኾነ ልዑል እግዚኣብሔር ልማንኡ ሰሚዑ ገለጸሉ ።በዚ ድማ ቁጽሩ ሽሕ ዝኣክል ድርሳናት ደሪሱ ፡”ኣኃዝ እግዚኦ መዋግደ ጸጋከ ” ክሳዕ ዝብል ኮነ።ዝጽልዮ ጸሎት እውን ካብ ወንጌል ወሳድ ወርኅ ዝብል ኣውጺኡ ጸሎተ እግዚእትነ ማርያም ዕድሚኣ መተን ፷፬(64) ግዜ ይጽሊ ነበረ።(ሉቃ1፡41/፩፡፵፩)
ምኽንያት ድርሰት ውዳሴ ማርያም
ቅዱስ ኤፍሬም ከምዚ ኢሉ ክነብር ከሎ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ዕለተ ሰኑይ ንግሆ ፡ሥርሑ ኣብታ ዝሠርሓላ ተቐሚጡ ከሎ ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲት ኣምላኽ ናብኡ መጸት ፡ብርሃናዊ ምንጻፍ ተነጽፈ ፡ብርሃናዊ ድባብ ተዘርግሐ ኣብ ልዕሊ እዚ ኮይና ድማ ” ኦ! ፈታውየይ ኤፍሬም ሰላም ንዓኻ ይኹን ” ትብሎ።ንሱ ድማ ተዓጢቑ ኢድ ነሢኡ ቆመ ፡በል ኣመስግነኒ ትብሎ።ከምይ ገይረ ከመስግነኪ ይካኣለኒ ፧ ምድራውያን ጻድቃን ሰማያውያን መላእክት፡ከመስጉኑኺ ዘይከኣሎምሲ ንዓይ ከምይ ገይሩ ይካኣለኒ በላ።
ንሳ ድማ “በከመ አለበወከ መንፈስ ቅዱስ ተናገር” ” ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ዝገለጸልካ ተናገር” በለቶ።ብዝተረታዕካዮ ምርታዕ ይበሃል።ንሳ ንጎይታ ክትጠንስ ከላ ነቲ መልኣኽ እዚኸ ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ ከመይ ኢሉ ይኸውን ፧ ምስ በለቶ መንፈስ ቅዱስ ከጽልለኪ ሓይሊ ልዑል እውን ከጽልለኪ (ሉቃ1፡34-35/፩፡፴፬-፴፭_) ኢዩ ኢልዋ ስለ ዝነበረ ከምኡ በለቶ።ንሱ ድማ “ባርኽኒ” በላ።” በረኸት ወደይን ኣቡኡን መንፈስ ቅዱስን ኣባኻ ይኅደር “በለቶ ተባሪኹ ምስጋና ይጅምር።(2ቆሮ13፡13)።ከመስግና ከሎ ካኣ ሓደ ተማሃሪ ቅኔ ቆጺሩ ከም ዝቕነ ድርሰት ሓሲቡ ከም ዝጽሕፍ ኣይኮነን እንታይ ድኣ ብልሂ ተማሃሪ ንዘጽንዖ ቀለም ኣብ ቅድሚ መምህሩ ጸፍ ኣቢሉ ከም ዘንብብ ከምኡ ኢዩ።
መልክዕ ድርሰት ውዳሴ ማርያም
፩) ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንቅዱስ ኤፍሬም ውዳሴኣ ክተድርሶ ከላ ኣብ ፯(7) ከፊላ ኢያ ኣድሪሳቶ ።ምኽንያቱ ድማ ብሸውዓተ ዕለታት ክትምስገን ፍቓዳ ስለ ዝኾነ ከምኡ’ውን እተን ሸውዓተ ዕለታት ናታ ምሳሌ ስለ ዝኾና ኢዩ።ከመይ በታ ቀዳመይቲ ዕለት እሑድ(ሰንበተ ክርስቲያን ቅድስት) ትምሰል ፡በታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ኣሥርወ ፍጥረታት ኣርባዕተ ንባህርያት ተረኺቡ ኢዩ።(ዘፍ1፡1-5/፩፡፩-፭)።ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ” ለዘኮነ ምክንያተ ፍጥረት በህላዌሁ” ከም ዝብሎ ሥርወ ፍጥረታት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተርኽበ።
፪) ብሰኑይ ትምሰል–ሰኑይ መዓልቲ ምድሪ ክሳዕ ሰማይ መሊኡ ዝነበረ ማይ ኣብ ሠለስተ ከፊልዎ ይርከብ።ንሱ ድማ ፩ደ ኢድ ንላዕሊ ሰቒልዎ ንሱ ሄኖስ እዩ።፩ደ ኣብ ዙርያኡ ወሲንዎ ፡፩ደ ኢድ ካኣ ቀጥ ኣቢሉ ማሕደር ብርሃን ገበሮ ።ንሱ ጠፈር ይበሃል።
ጠፈር ብቅድስት ድንግል ማርያም ፡ብርሃን ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይመስል፡እዚ ድኣ ናይ ጠፈር ምሳሌ ኮነት እምበር ናይ ዕለት ምሳሌ መዓስ ኮይና እንተበልና ሰኑይ ብቅድስት ድንግል ማርያም ጠፈር ካኣ ዝለበሶ ሥጋ ፡ብርሃን ብጎይታ ይምሰል።
፫) ብሠሉስ ትምሰል- ሠሉስ ጎይታ “ለታብቁል ምድር ሐመልማለ ሣዕር ዘይዘራእ በብዘርኡ ወበበዘመዱ በበአርአያሁ ወበበአምሳሊሁ” ምስ በለ ብኢድ ዝእረዩ ኣታክልቲ ብማዕጺድ ዝዕጸዱ ኣዝርእቲ ፡ብማኅጸ ዝቑረጹ ዕጸዋት ንሥጋውያን መግቢ ዝኾኑ ተረኽቡ።ዘፍ1፡11/፩፡፲፩)
ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ መግቢ መንፈሳውያን ዝኾነ ጎይታ ተረኽበ።
፬) ብሮቡዕ ትምሰል – ብሮቡዕ ጎይታ ለይቁሙ ብርሃናት በገጸ ሰማይ ” ምስ በለ ንስጋውያን መግቢ ዝኾኑ ጸሓይ ፡ወርሒ ከዋኽብቲ ተረኽቡ።ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ መግቢ መንፈሳውያን ተረኽበ።
፭)ብኃሙስ ትምሰል– ኃሙስ ጎይታ ለታውጽ ባሕር ዘቦ መንፈስ ሕይወት ” ምስ በለ ብልቦም ዝስሓቡ ብእግሮም ዝዛወሩ ፡ብኽንፎም ዝበሩ ፡ብደመ ነፍሲ ሕያዋን ዝኾኑ ፍጥረታት ተረኽቡ ።በሪሮም ዝኸዱ ኣለዉ ኣብቲ ባሕሪ ዝተርፉ ካኣ ኣለዉ፡እቶም በሪሮም ዝኸዱ ብዘይ ተጠመቑ ፡እቶም ኣብኡ ዝተረፉ ብዝተጠመቑ ምእመናን ይምሰሉ።ግና “ወባረኮሙ ለክልኤሆሙ በአሐቲ በረኸት ።ስለ ዝብል እቶም ብልቦም ዝሰሓቡ ዝበሎም ብሰብዓ ዓለም ፡እቶም ብእግሮም ዝዛወሩ ካብ ምግባረ ሰናይ ናብ ምግባረ ሰናይ ዝኸዱ (ባሕታውያን ) ይምሰሉ ።እቶም ብኽንፎም ዝበሩ ተመሥጦ ዘለዎም ብሰማዕታት ይምሰሉ።
፮) ብዓርቢ ትምሰል- ዓርቢ መዓልቲ በኹሪ ፍጥረት ኣቦና ኣዳም ተረኽበ።(ዘፍ1፡26)፡ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ዳግማይ ኣዳም ኢየሱስ ክርስቶስ ተረኽበ።(ማቴ1፡1)
፯) ብቀዳም (ሰንበት) ትምሰል —-ዕለት ቀዳም ስጋዊ ዕረፍት ተረኽበ።” ወኣእዕረፈ ” ከም ዝብል ኣምላኽ ነቲ ዝገበሮ ኩሉ ፈጺሙ በታ ሻውዓይቲ መዓልቲ ኣዕረፈ ይብል።ደኺምዎ ዘይኮነስ ንኽብሪ እታ ዕለት(ዘፍ2፡1-2/፪፡፩-፪)
ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካኣ መንፈሳዊ ዕረፍቲ ዝህብ ጎይታ ተረኽበ ።(ማቴ11፡28/፲፩፡፳፰)
ድሕሪ ብዙሕ ተጋድሎ በዚ ዕለት እዚ(ሓምለ ፲፭) ዓረፈ።
ጸለቱን በረኸቱን ናይ ቅዱስ ኤፍሬም ምስ ኩላትና ይኹን ኣሜን።
ወስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን።

Comments

  1. ኣሜን ቃለ ሂወት የስምዓልና

    ReplyDelete
  2. ቃለ ሂወት ያስመዓልና

    ReplyDelete
  3. ኣሜን ኣሜን ኣሜን ቃለሂወት የስምዓልን በርከት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማሪያምን ናይ ቅዱስ ኤፍሬም ሶሪያውን ይሕደረና

    ReplyDelete
  4. Amen amen amen wesbhat legziabher wele weladitu dngl wele meskelu kubur

    ReplyDelete
  5. Amen kbri yehabkum fetari... Bereketomn xelotomn ayfeleyena

    ReplyDelete
  6. ቃለ ሕይወት የስምዓልና፡

    ReplyDelete
  7. Amen amen amen qale hiwet yesimaealina

    ReplyDelete
  8. ኣሜን ኣሜን ኣሜን

    ReplyDelete
  9. አሜን አሜን አሜን ቃል ህይወት የስመዐልና ፀግኡ የብዝሕ ቅዱስ እግዚአብሔር አምላክ

    ReplyDelete
  10. አሜን አሜን አሜን

    ReplyDelete
  11. The best games to play with real money no deposit required - Dr.MCD
    Playing casino games with real money no deposit required 구미 출장샵 is completely free! Play casino games 영주 출장마사지 for real money 김제 출장샵 without any risk. 김포 출장샵 The 나주 출장안마 best free spins offers are

    ReplyDelete

Post a Comment

Popular posts from this blog

ገድሊ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ፡

ታሪኽ ቅድስት ማርታ