gedle abew

ገድሊ ኣቡነ ሰላማ፡

አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን 

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 

አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን 
ክርስትና ናብ ሃገርና 
ሃገርና ኤርትራ ኢየሩሳሌም ንእትርከበሉ ማእከላይ ምብራቕ ኣዝያ ዝቐረበትን፡ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኣፍደገን ማእከልን ዝተፈላለዩ ንግዳዊ ሥርሓትን ሥልጣነታትን ብምንባራን፡ ካብን ናብን ብዝግበር ዝነበረ ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓሳት ሕዝብታት ካብ ኦሪት ኣትሒዙ ኣብ ዘመነ ብሉይ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ይፍጸመላ ምንባሩ ምዃኑ እሙንን ጭቡጥ መርትዖ ዘለዎን ነገር እዩ። 
እቲ ኣብ ብሉይ ዝተነግረ ትንቢት ብክርስቶስ ክውን ምስ ኮነን፡ ሓዲሽ ኪዳን ብወንጌል ምስተበሰረን ነዚ ነገር ንምስማዑን ንምእማኑ’ውን ዝደንጐየት ኣይኮነትን። ኣብ ከባቢ ፴፬ ዓ.ም. እቲ ብትምህርቲ ፊልጶስ ሓዋርያ ዝኣመነን ዝተጠምቀን ስሉብ ብዓል ሥልጣን ኸኣ ከም ቀንዲ ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል። (ግብ ሓዋ. ፰) ንሱ ኸኣ ንወገናቱ ሓዋርያ ኮይኑ ነቲ ወንጌል ከምዘበሰሮም ዝተኣምነ ነገር እዩ። ካብቶም ሓዋርያት ሓደ ዝኾነ ቅዱስ ማቴዎስ ኣብ ሃገርናን ከባቢና’ውን ምሂሩ ዝብል ታሪኻዊ ትውፊት’ውን ይጥቐስ እዩ። ምስቲ ዝነበረ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት’ውን ኣብታ ሥልጥንቲ ዝነበረት ወደብ ኣዱሊስ’ውን ስብከታትን ዜናታትን ክርስትና ብቕልጡፍ ይበጽሕ ከምዝነበረን፡ ኣብያተ ጸሎት ኸኣ ኣብታ ወደባዊት ከተማ ተሠሪቱ ከምዝነበረን ካብኡ ተበጊሱ ድማ ናብቲ ካልእ ክፋል ሕዝብና እቲ ትምህርቲ ይበጽሕ ከምዝነበረ ታሪኻዊን ሥነ ጥንታዊን መረዳእታታት ዝቐርበሉ ሓቂ እዩ። ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ካብ ወደብ ኣዱሊስ ናብ ውሽጢ ምድሪ ዝኣትዉ ጋያሾ’ውን እግረ መገዶም ነቲ ዝረኣይዎን ዝኣመንዎን አብያተ ጸሎት ብምትካል ይገልጽዎ ምንባሮም ይጥቐስ እዩ። ንኣብነት’ውን ፍሬምናጦስን ኤዴስዮስ’ውን ገና ብንእስነቶም ኣብ ቤተ መንግሥቲ አኵሱም ምስተዓቝቡ ኣብያተ ጸሎት (መጽለሊ) ሠሪሖም ነቶም ኣብቲ ከባቢ ንዝረኸብዎም ቆልዑት ኣኪቦም መዝሙራትን ዜማን ይምህርዎም ከምዝነበሩ ይንገር። 

እዚ ኵሉ ይኹን ደኣ እምበር እምነት ክርስትና ካብ ስብከትን ዜናን ሓሊፉ ግቡእ መልክዕን ቅርጽን ሒዙ ማለት ምምሕዳራዊ ይኹን ምሥጢራዊ ኣገልግሎቱ ምስ ምሉእ ሥርዓቱ ክትከልን ክሰፍሕን ዝኸኣለ ድኅሪ ከባቢ ፫፻፴ ዓ.ም. ኣቡነ ሰላማ ጵጵስና ካብ መንበረ ማርቆስ (እስክንድርያ) ተቐቢሎም ድኅሪ ምምጽኦም እዩ። 

ድኅረ ባይታ ኣቡነ ሰላማ 
አቡነ ሰላማ ስም ጵጵስናኦም ደኣ እምበር ናይ ትውልዲ ስሞም ፍሬምናጦስ ይብሃል። ፅርዓዊ ኮይኖም መበቖሎም ኸኣ ሰብ ጢሮስ (Tyre ሶርያ) እዮም። ኣቡኦም ሜሮጵዮስ (መረጵዮን) ፍሉጥ ነጋዳይ ኮይኑ (ዑደትን ዳህሳስን ክገብር ዝመጸ ሊቀ ጠበብት ወይውን ፈላስፋ ነይሩ ዝብሉዎውን ታሪኻት ኣለዉ) ኣብ ከባቢ ፫፻፴ ዓ.ም. ብሥራሕ ንግዲ ናብ ከባቢና ምስ ክልተ ደቁ (ፍሬምናጦስን ኤዴስዮስን) ብመርከብ ኣቢሉ ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉ ኣብ ወደብ ኣዱሊስ በጺሑ ነበረ። መርከቡ ዓሺጉን ንብረቱ ኣራጊፉን ኸኣ ንውሽጢ ኣብ ዝተንቀሳቐሱሉ እዋን ዘይሓሰቦ ረኸበ። ገንዘቡ ዘቋመቱ ስሱዓት ከተርቲ ሓደጋ ወደቕዎ እሞ ሞተ። 

ነቶም ክልተ ኣጕባዝ ደቁ ግና ደቂ ዓዲ ኣርኪቦም ኣናገፍዎም። ድኅሪ’ዚ ኸኣ ነቶም ክልተ ደቁ ድባርዋ ማእከሉ ናብ ዝነበረ ባሕረ ነጋሢ ወሲዶም ኣረከብዎም። ንሱ ኸኣ ነቶም ክልተ ደቂ ሜሮጵዮስ በቲ ዘጓነፎም ነገራት እናጓሃየ ምስኡ ብኽብሪ ንቍሩብ ኣዋርሕ ኣቐሚጡ ናብ አልዓሜዳ (ታዜር) ንጉሠ አክሱም ሰደዶም። ንሱ ኸኣ ታሪኾም ብዝሰመዐ ኵሉ እቲ ክረኽብዎ ዝግብኦም ኃልዮትን ድንጋፀን ገበረሎም። ኣብ ቤተ መንግሥቱ ኸኣ ኣዕቖቢዎም እኳ እንተነበረ ብዙኅ ከይጸንሐ ኢዛናን ሲዛናን ዝበሃሉ ክልተ ንኣሽቱ ደቁ ገዲፉ ሞተ። እዚኦም ደቁ ኸኣ ኣብ እንበረም ዝበሃል ሊቀ ካህናት ኦሪት ንባብን መጻሕፍትን ይመሃሩ ዝነበሩ እዮም። ኣዴኦም አሕየዋ (ሶፍያ) ድማ ክሳብ ዝጕብዙን ንግሥነት ኣቦኦም ዝወርሱን ከም ሞግዚት ኮይና ከተዕብዮም ከላ፡ ነዞም ክልተ መንእሰያት ኣጋይሽ ኸኣ በቲ ዝነበሮም ኣፍልጦ ኣብ ዝተፈላለየ ሥራሕ ቤተ መንግሥቲ ሸይማቶም ነበረት። ንኤድስዮስ ናይ ኣዛዝነትን ሓላፊ ምስላፍን (መጋቤ ቤተ ቀጢን) ሥራሕ ክወሃቦ ከሎ ንፍሬምናጦስ ኸኣ ሓላፊ ቤተ መጻሕፍትን መምህር ደቃን (ዓቃቤ ሕግ ወጸሐፌ አኵሱም) ገበረቶ። 

ፍሬምናጦስ ብኣምላኽ ዝተዋህቦ ንቕሓት ዝተዓደለን፡ ጽቡቕ ኣፍልጦ ትምህርተ ወንጌል ዘዋህለለን ብምንባሩ ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ዝጸንሖ ሠረተ ትምህርት ብሉይ ክወሃሃድን ምስቶም መምህራንን ካህናተ ኦሪትን ክዛመድን ጊዜ ኣይወሰደሉን። በዚ መሠረት ኸኣ ምስቲ ኣቐዲሙ ኣብኡ ዝጸንሐ ዜና ክርስትና ነቶም ኣብቲ ቤተ መንግሥቲ ንዝነበሩ መሳትኡን ንኣሽቱን ወንጌል ክሰብከሎም ኣይተጸገመን። ነቶም ካህናተ ኦሪት ኸኣ በብቝሩብ ብርሃነ ወንጌል የብርሃሎም ነበረ። በቲ በብቝሩብ ዝንገርን ኣብ ኣእምሮ ሰባት ዝሰፍሕ ዝነበረን ሃይማኖት ኵሎም ሕጉሳት ይንበሩ ደኣ እምበር ጥምቀትን ቍርባንን ክህነትን ስለዘይነበረ ሓጐሶም ምሉእነት ብዘይምርካቡ ይሓዝኑ ነበሩ። 

ሲመተ ጵጵስና አቡነ ሰላማ 
ድኅሪ ዝተወሰነ ዓመታት ግና እቲ በኵር ወዲ ንጉሥ ዝነበረ ኤዛና ንንግሥነት ኣኺሉ ዘውዲ ኣቡኡ ምስ ደፈአ፤ ኤዴስዮስ ናብ ሃገሩ ጢሮስ ተመልሰ። ኣብ ዓዱ ኸኣ ካህን ኮይኑ ይነብር ነበረ። እቶም ኣኅዋት ደቂ ንጉሥ መተዓብይቲ ምስ ዝኾኖም ፍሬምናጦስ ጽቡቕ ሌላ ስለዝነበሮም፡ እቲ ብቀጻሊ ብዝተነግሮም ቃለ ወንጌል ትንቢተ ነቢያት ብክርስቶስ ምፍጻሙ የሕጒሶም እኳ እንተነበረ ንሶም ናይቲ ብክርስቶስ ዝተረኸብ ጸጋ ምሥጢራት ተሳተፍቲ ዘይምንባሮም ግና የተሓሳስቦም ነበረ። ስለዚ ኸኣ ጵጵስናን ክህነትን ዝርከበሉ መገዲ ድኅሪ ምንዳይ፡ ፍሬምናጦስ ምስ ንጉሥን ኣብኡ ምስ ዝነበሩ ካህናተ ኦሪትን ብዝገበሮ ምርድዳእ ነዚ መልእኽቲ ከብጽሕ ናብ እስክንድርያ ተላእኸ። እዚ ከባቢ’ዚ እምነትን ኣፍልጦን ክርስትና እኳ እንተነበሮ ቀንዲ ዓንድታት ዝኾኑ ምሥጢራት ቤተ ክርስቲያን ንምፍጻም ዘኽእሎም ጵጵስናን ክህነትን ብወገን መንበረ ማርቆስ ክማላእ ምእንቲ ነዚ ምልክታ ንምብጻሕ እዩ ነይሩ። 

ኣብኡ ምስ በጸሐ’ውን እቲ ፓትርያርክ ዝነበረ እለእስክንድሮስ ምስ ረድኡ ኣፈ ጉባኤ ኮይኑ ዘገልገለ አትናቴዎስ ብሰንኪ ኑፋቄ አርዮስ ኣብ ዝተጋብአ ጕባኤ ኒቂያ (፫፻፳፭ ዓ.ም.) ክሳተፉ ከይዶም ብምንባሮም ክሳብ ዝምለሱ ሓደ ዓመት ክጽበዮም ግድነት ነበረ። ኣብቲ መንበረ ጵጵስና ኸኣ ትምህርተ ሃይማኖትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ቋንቋን እናጸንዐ ጸንሐ። ይኹን እምበር እለእስክንድሮስ ድኅሪ ምምላሶም ብዙኅ ከይጸንሐ ዓረፈ እሞ እቲ ብኵለንተንኡ ማለት ብኦርቶዶክሳዊ ፍልጠቱን ቅንዒ ሃይማኖቱን መንፈሳዊ ተጋድሎኡን ዝተፈልጠ አትናቴዎስ ኣብ ክንዲኡ ተሾመ። 

ፍሬምናጦስ ኸኣ እቲ ዝተላእኸሉ ጒዳይ ንሊቀ ጳጳሳት ኣትናቴዎስ ብዝርዝር ኣረደአ። ዝረኣዮን ኵሉ ኩነታት እምነትን መንብሮን ናይዚ ከባቢ ብሰፊሑ ገለጸ። ኣትናቴዎስ ሓዋርያ ነቲ ፍሬምናጦስ ዘመልክቶ ጕዳይ መርሚሩን፡ ናይ እግዚአብሔር ስራሕን መደብን ድንቂ ምዃኑ ኣስተውዒሉን “ፍቕሪ እግዚአብሔርን መንፈሳዊ ቅንዓትን ትግሃትን ዘለዎ እሞ ኸኣ ናይቲ ሃገር ቋንቋን ልማድን ባህሊ ሕዝብን ዝፈልጥ ካብ ፍሬምናጦስ ንላዕሊ ኣይንረክብን” ብማለት ንዕኡ ንጵጵስና ኃረዮ። ፍሬምናጦስ ኸኣ ነቲ ኵሉ ግቡእ ነገረ መለኮትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ከጽንዕን ክመሃርን ኸኣ ፭ ዓመት ኣብ እስክንድርያ ጸንሐ። ድኅሪኡ ከኣ አቡነ ሰላማ ብዝብል ስም ናይ አክሱምን ከባቢኣን ጳጳስ ኮይኑ ብቅብዓትን ብኣንብሮተ ኢድን ተሾመ። ኵሉ ምስ ኣጠናቀቐ ኸኣ ናብ አኵሱም ተመልሰ። 

ምእታው ናብ ሃገርና 
አቡነ ሰላማ ኣብ እስክንድርያ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ምስ ንጉሥ አክሱም ኤዛና ቀጻሊ ርክብ ነበሮም። በዚ ምኽንያት ኸኣ ጕዳይ ምምላሶም ኣብ ዝኾነሉ’ውን ስለቲ ክብሮም በይኖም ከይመጹ ዘሰንይዎም ሰባት ናብ እስክንድርያ ምስ ኵሉ ህያባት ካብ አክሱም ተሰዲዱሎም ነበረ። በዚ ኣገባብ ኸኣ አቡነ ሰላማ ነቲ ነዊሕን ኣድካምን ጕዕዞ ድኅሪ ምክያዶም ብማርሳ ተኽላይ ኣቢሎም ብ፫፻፴ ዓ.ም. ናብ ሃገርና ኣተዉ። ገለ ጽሑፋት ግና ብከሰላ ኣቢሎም ብሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ከምዝኣተዉን እቶም ነገሥታት’ውን (ኤዛና ምስ ሓዉ ሴይዛና) ኣብ ከሰላ ከይዶም ከምዝተቐበልዎምን ይገልጹ። ካብ ግብጺ ኸኣ ዘሰንይዎም ኣቦታት ኸኣ ብኣትናቴዎስ ተመዲቡሎም ነበረ። 

ብክልቲኡ ታሪኻት እንተተኸደውን እዞም ኣኅዋት ነገሥታት ንአቡነ ሰላማ ብኽብሪ ከምዝተቐበልዎምን፤ ንዝተወሰነ መዓልቲ ኸኣ ትምህርተ ወንጌል ተማሂሮም ብኢድ አቡነ ሰላማ ኣብታ ጥንታዊትን ታሪኻዊት ቅድስት ገዳም ደብረ ሲና (ዞባ ዓንሰባ) ከምዝተጠመቑን ከምዝቖረቡን ገድሎም ይገልጽ። ስሞም ከኣ ምስ ጥምቀቶም ተቐየረ። ኤዛና አብርሃ ክብሃል ከሎ ሴይዛና ኸኣ አጽብሐ ተባህለ። ነቲ ካህነ ኦሪት ንዝነበረ እንበረም’ውን ኣጠሚቖም ማዕርገ ክህነት ሃብዎ፤ ስሙ ኸኣ ሕዝበ ቀደስ በልዎ። ደድኅሪኦም ኸኣ ብዙኃን ምእመናን ኣብነት ናይቶም ነገሥታት ተኸቲሎም ተጠምቁ። ብዓበይቶም ብዛዕባ ነገሥታት ፈሊና ንዛረብ ኣሎና ደኣ እምበር፤ አቡነ ሰላማ ናብ ሃገርና ካብ ዝኣተዉሉ ሰዓት ኣትሒዞም ስብከተ ወንጌል እናሰበኹን ነቶም ዝኣመኑ ኸኣ እናጥመቑን እዮም ኣብ ኵሉ ተዘዋዊሮም። 

ኣብ ሃገርና ተዘዋዊሮም ዝሰበኹሉ ቦታታት ብዝርዝር ምግላጹ መጽናዕቲ ዘድልዮ እኳ እንተኾነ ካብ ሰሜን ክፋል ሃገርና ክሳብ ማእከል ካብኡ ኸኣ ደቡብ ተዘዋዊሮም ከምዝሰበኹን ብዙኃን ኣገልግልቲ ካህናትን ዲያቆናትን ከምዝሾሙን፤ ነቶም ሓደስቲ ዝተሃንጹ ኣብያተ ክርስቲያናት ድማ ዝተፈላለየ ንዋየ ቅዱሳት ከምዘበርከቱ ዝተፈልጠ ነገር እዩ። ስለዚ እዩ ኣብ ዛግር ኣብ ድባርዋ ወቦ ዘተርፈ ናይ ኣቡነ ሰላማ መሳቅል ጽንሓሕ ልብሰ ተክህኖ ወቦ ዘተርፈ ንዋየ ቅዱሳት ክሳብ ሕጂ ብኽብሪ ተዓቂቦም ዝርከቡ ዘለዉ።
ዋርያዊ ሥራሕ አቡነ ሰላማ 
አቡነ ሰላማ ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ብፍላይ ኸኣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘበርከትዎ ሓዋርያዊ ሥራሕን ዘፍረይዎ ፍሬን ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ቀዳማይ መንበር ጵጵስና ካብ ምትካል ክሳብ ምስፍሕ ሓዋርያዊ ተልእኾን ስብከተ ወንጌልን ከምኡውን ምስኡ ዝኸዱ ምምሕዳራዊን ምሥጢራዊ ኣገልግሎታት ቤተ ክርስቲያንን ምምሃርን ምስልጣንን ወቦ ዘተርፈ ተዘርዚሮም ዝውድኡ ኣይኮኑን። ብሓጺሩ ግና ነቶም ቀንዲ ዝብሃሉ ንትምህርቲ ክኾነና ኣሕጽር ኣቢልና ክንጠቕሶም ኢና። 

  • ስብከተ ወንጌል፦ ብመሠረት አትናቴዎስ ሓዋርያ ዝሃቦም ሕድርን ሲመትን መንበሮም አኵሱም ይግበሩ ደኣ እምበር ካብኡ እናተበገሱ ብኵሉ ማዕዘናትን ኣንፈትን ክሳብ ጥንታዊ ሥልጣነ ዝነበረን ኑብያን መርዌን ሰባክያን ቆሞሳት ብምልኣኽ ስብከተ ወንጌል ከምዝሰፍሕ ገይሮም እዮም። ኣብ ሃገርና’ውን ቅድሚ ይኹን ድኅሪ ኣብ ኣኵሱም መንበር ምትካሎም ባዕሎም እናተዘዋወሩ ወይውን ንሶም ዝመሃርዎምን ዘሰልጠንዎምን ሰባክያነ ወንጌል ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እናለኣኹን ስብከተ ወንጌል ከምዝሰፍሕ ብምግባር ተጋዲሎም እዩ። ፍረ ገድሎም ኸኣ እዚ ንመዋዕል ዝቐጸለን ክሳብ ሎሚ ጸኒዑ ዘሎ ክርስትና ሃገርናን ከባቢናን እዩ። 

  • ትምህርተ ሃይማኖት፦ አቡነ ሰላማ ሒዞምልና ዝመጹ ትምህርተ ሃይማኖት ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተመሥረተ፡ ብሓዋርያት ዝተሰብከ፡ ኣብ ፫፻፳፭ ዓ.ም. ብ፫፻፲፰ቱ ሊቃውንት ርቱዓነ ሃይማኖት ዝጸነዐ ፍጹም ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ እዩ። ፈቓድን መደብን ኣምላኽ ኮይኑ ኸኣ ንኣርዮስን ትምህርቱን ዘውገዘ ጉባኤ ኒቂያ ልክዕ ድኅሪ ምዝዛሙ እዩ ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዕንቊ ዝኾነ አትናቴዎስ ሐዋርያ ዝረኸብዎ። በዚ መሠረት ኸኣ ነቲ ዝነበረ ጉባኤን ንጹር ምላሽ ትምህርተ ሃይማኖትን እግረ መንገዶም ክፈልጡ ኣኽኢልዎም እዩ። እዚ ኸኣ ደጋፊ አርዮስ ዝነበረ ወዲ ቁስጠንጢኖስ ዳኅራይ ናብ መንበረ ንግሥነት ቍስጥንጥንያ ምስ ደየበ፡ ንጉሥ አዅሱም ብአትናቴዎስ ንዝተሾመ ኦርቶዶክሳዊ አቡነ ሰላማ ስዒሩ መተካእትኡ ካልእ አርዮሳዊ ጳጳስ ክቕበል ንዝተሰደሉ መልእኽቲ ቀልጢፉ ዝነጸጎ ንጹር ኣፍልጦ ስለዝጸንሖ እዩ። 
  • ትምህርተ ሃይማኖት(መለኮት) ብንጹር ምምሃር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቶም ዘይመበቖላውያን (ንኣብነት ጽርዕ) ዝኾኑ ኣገደስቲ ቃላትን ስያመታትን ሃይማኖት ግእዛዊ ስያመ ብምልባስ (ብምርዓም) ኣብ ትምህርተ ሃይማኖት ዓቢ አበርክቶ ኣወፍዮም እዮም። እዚ ኸኣ ምስቶም ሊቃውንቲ ደቂ ዓዲ ብምምኽካር ነቲ ትምህርቲ ገላጺ ዝኾኑ ግእዛዊ ሥርወ ቃላት ብጥንቃቐ ምምራጽን ብምልባስን ዝፈጸምዎ እዮም። በዚ መሠረት ከኣ ክሳብ ሎሚ ክንጥቀመሎምን በዘን ቃላት ኣቢልና ትምህርትን ኣንቀጸን ሃይማኖትና ብዝግባእ ክንዛረበሉን ክንመሃረሉን ንነብር ዘሎና። ንኣብነት ኸኣ ትርያዶስ - ሥላሴ ዝብል ቃል ምጥቓስ ይከኣል። 
  • ሲመተ ካህናትን ዲያቆናትን፦ ናይ ወንጌል ትምህርቲ ብሰፊሑ ዘባጽሑ ልኡካነ ወንጌል፤ ዘጥምቑን ዘቝርቡን ካህናትን ተራዳእቲ ዲያቆናትን በብከባቢታቱ ሰይሞም እዮም። እዚ ኸኣ ምእመናን ምሉእ ኣገልግሎትን ጸጋ ምሥጢራት ቤተ ክርስቲያንን በብከባቢኦም (ዓድታቶም) ካብ ዝተሾሙ ስዩማን ኣገልገልቲ ካህናት ብቐሊሉ ክረኽቡ ኣኽኢልዎም እዩ። 
  • አበ ነፍስ፦ አቡነ ሰላማ ምእመናን በብዓዶም እንተላይ ብደረጃ ስድራ ብቀረባ ቃለ እግዚአብሔርን ጕስነት ነፍሶምን ዝረኽቡሉን መገዲ ንምጥጣሕ ከም ሥርዓት ካብ ዘተኣታተዉዎን እቲ ሓደ ዝመክር፡ ዝምዕድ፡ ዘጽናናዕ፡ ዝናዝዝ ካህን በብዓዱ ምምዳብ እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብብዝኂ ኣብ ዘይርከቦን ወይ ከኣ ኣንባቢ ኣብ ዘይርከቦ ብዝያዳ ጽቡቕ ፍረ ዝሕፈሶ ብምንባሩ መኻሪን መሃሪን ካህን ብምስልጣን ከምዝምደብ ገበሩ። ብርዱእ ምኽንያት ኸኣ እቲ መዓዲ ካህን ብዛዕባ ነፍሲ ክንዲ ኣቦ ኮይኑ ስለዝመክር ‘አበ ነፍስ’ ተባሂሉ ክጽዋዕ ጀመረ። ጸኒሑ ኸኣ ናይ ኃጢኣት ኑዛዜ ስለዝቕበልን ስለዘናዝዝን ‘አበ ንስሐ’ ‘መምህረ ንስሐ’ ዝብል ስም ተዋህቦ። እዚ ኣሰያይማ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ተዓቂቡ ይርከብ ኣሎ። እዚ ኸምዚ ዓይነት ኣገባብ ኸኣ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ውሽጢ ስድራ ክተኣታቶ ዓቢይ ሓገዝ ኣበርኪቱ እዩ። 
  • ሕንፀተ አብያተ ክርስቲያን፦ አቡነ ሰላማ ምስቶም ንምስፋሕ ቃለ ወንጌል ድልዋትን ንቑሓትን ምስ ዝነበሩ ነገሥታት አብርሃን አጽብሐን ኮይኖም ብዙኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ኣሕነፁ። እዚ ኸኣ ምእመናን ብዝተማእከለ ኣገባብ ኣብ ዓድታቶም ብቐረባ ሥርዓተ ኣምልኾቶም ክፍጽሙ ኣኽኢልዎም እዩ። ሓደ ካብ ጸሓፊ ታሪኽ ዝኾነ ኮንቲ ሮሲኒ ኸኣ እታ ብአቡነ ሰላማ መጀመርታ ዝተሓንፀት ቤተ ክርስቲያን ባሕረ ነጋሢ ኣብ ዝነበረላ ድባርዋ (ዱባ ሩባ) ምዃና ታሪኽ ጠቒሱ ገሊጹ ኣሎ። “… ወአባ ሰላማ ሰበከ በህየ ሃይማኖተ ክርስቲያን፡ ወአብርህ ወአጽብሐ ነገሥት አኃው ፍቁራን ሐነጹ በድባርዋ ቤተ ክርስቲያን፡ ወይእቲ ቤተ ክርስቲያን ቀዳሚት ቤተ ክርስቲያን ዘተሐንጸት በኢትዮጵያ።...” ይብሉ። 
  • አበ ልገ (ኣቦ/ኣደ ክርስትና)፦ አበ ልገ ማለት ነቲ ዝጥምቕ ሕጻን ልቢ እናገበረን እናዓበየን ኣብ ዝኸደሉ ሓላፍነት ወሲዱ (ዋሕስ ኮይኑ) ብመንገዲ እግዚአብሔር ዝመርሕን ሃይማኖቱ ዘፍልጥን ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ብዘመን አቡነ ሰላማ ዝተኣታተወ ኮይኑ ነቲ ሓድሽ ወለዶ ገና ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ወለዶም ወይውን መምህራን ካህናት ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ብኸምዚ ኣገባብ (ኣበ ልገ ዋሕስ ብምትካል) ሃይማኖቶም ብዝግባእ ዝፈልጡሉ መገዲ ንምስራዕ ዝሕግዝ እዩ። ሰናይ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ከኣ እዩ። ሎሚ ግና መንገዱ ስሒቱ ኣብ ዕላማ ሥጋ ጥራይ ዝተሓጽረ መዛመዲን መፋተዊን ኮይኑ ምትራፉ ዘተሓሳስብ እዩ። እዚ ሥርዓት’ዚ ኣዝዩ ረዚን ብምዃኑ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ናይ ሥጋ ዘመድ ወለዶ ጸብጺቡ መውስቦ ዝኽልክል እዩ። 
  • ምትርጓም መጻሕፍቲ፦ ሃይማኖት ንምስፋሕን ንምጽናዕን ህላዌ ብቝዕን እኹልን መጻሕፍቲ ኣገዳሲ ምዃኑ ሕቶ ዘየድልዮ ነገር እዩ። ብመሠረት እዚ ኸኣ አቡነ ሰላማ ምስቲ ዝነበሮም ምልከት ዝተፈላለየ ቋንቋታት ምስቶም ዝነበሩ ሊቃውንቲ ደቂ ዓዲ ብምትሕግጋዝ ቅዱሳት መጻሕፍቲ (ብፍላይ ናይ ሰብዓ ሊቃውንቲ ትርጓሜ) ካብ ጽርዕ ናብ ግእዝ ተርጒሞም እዮም። ገለ ካብቲ ዝተርጐምዎ ኸኣ ሓዲሽ ኪዳን፡ ጸሎተ ቅዳሴ እግዚእ፡ ጸሎተ ቅዳሴ ሐዋርያት፡ (ኵሎም ቅዳሴያት ዝብሉውን ኣለዉ) ጸሎተ ኪዳናት ወቦ ዘተርፈ ዝጥቐሱ እዮም። መልክዖም ኸኣ ነዚ ነጥቢ የጠናኽሮ እዩ። 
                                   ሰላም ለከናፍሪከ እንተ አልቦቱ አርምሞ 
                                   በምህሮ ወንጌል ሰይፍ ለጒንደ ኃጢአት ይግዝሞ 
                                   አባ ሰላማ ገንጳሌ መጻሕፍት ዘበተርጒሞ። 


  • ምዕባይ ጽሑፋዊ ቋንቋ፦ ገለ ሊቃውንቲ ዝተፈለየ ሓሳብ ይሃልዎም ደኣ እምበር ብዙኃን ከምዝሰማማዕሉ ግና ነቲ ግእዛዊ ፊደላት (ቀዳማይ ፊደል) ጥራይ ዝነበሮ ፊደላት ግእዝ ምስቶም ሊቃውንቲ ደቂ ዓዲ ብምትሕብባር ማሕንቖ ጽሑፋት ኮይኑ ንዝጸንሐ ሽግር ካብ ካዕብ ክሳብ ሳብዕ ወመልጣነ ድምፅ ንዝኾኑ ትእምርተ ድምፅ (ሕንጻጻት) ብምውሳኽን ነቶም ፊደላት ብምብዛኅን ነቲ ጸገም ከም ዝፈትሕዎ ይግለጽ። ቅድሚ እዚ ወሰኽ ፊደላት ምትእትታዉ ከም ኣብ መጠራ ዝተጻሕፉ ጽሑፋተ እብን ነቲ ቅድሚኦም ዝነበረ ኣጸሓሕፋ ጽቡቕ ምስክር ኮይኑ ክጥቐስ ይከኣል። ንሱ ጥራይ ዘይኮነስ ሳባዊ ባህሊ ንባብን ኣቀማምጣ ፊደላትን (ካብ የማን ንጸጋም) ካብ ጸጋም ናብ የማን ዝቐየርዎ አቡነ ሰላማ እዮም። 
  • ምቋም ማኅበር፦ አቡነ ሰላማ ምስፋሕ ስብከተ ወንጌል ዝዕላምኡ ማኅበር መሥሪቶም ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ነዚ ማኅበር ከኣ ‘ማኅበረ ጽዮን’ ኢሎም ሰመይዎ። ምኽንያቱ እቲ ምእመን ፍቕሪ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እንተላይ ኣብቲ ጊዜ እቲ ልዑል ብምንባሩ ብስማ ክጽውዕዎ ምኽንያት ኮይንዎም እዩ። እዚ ማኅበር ኸኣ ከምቲ ዕላምኡ ብዝግባእ ዝወቐዐ ከምዝነበረ ታሪኽ የረድእ። ኣካይዳ እዚ ማኅበር ኸኣ ሓዋርያት ምስ ምእመናን ዝነበሮም ሓድነትን ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ቆሮንቶስ መሥሪትዎ ዝነበረ ማኅበርን ኣብነቱ ዝገበረ እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ እቶም ናብቲ ማኅበር ዝጽንበሩ ሰባት ወትሩ ቃለ ብሓድነት ወንጌል ይመሃሩን፤ ድኅሪ እቲ ትምህርቲ ኸኣ ኣጋፔ (ናይ ፍቕሪ ማዕዲ) ብሓንሳብ ኮይኖም ይሳተፉን ነበሩ። ኣባላቱ’ውን እናወሰኹ ብዙኃን ምስ ኮኑ ‘ማኅበረ ጽዮን ሰማያዊት’ ናብ ዝብል ተሰጋግረ። ጸኒሑ ኸኣ እቲ ስያሜ ናብ ‘ጽዮን ማርያም’ ተለዊጡ። እዚ ማኅበር ድኅሪ ኣቡነ ሰላማ’ውን እቶም ዝተክእዎም መምህራን ብዝግባእ ነቲ ዝተመሥረተሉ ዕላማ ብዝግባእ መዝሚዞም ከም መስፍሒ ስብከተ ወንጌል ተጠቒሞሙሉን እዮም። 
  • ምንኵስና፦ ምንኵስና ናብ ሃገርና ኣብ ፬-፭ይ ክፍለዘመን ብኣባ ዮሓኒ ኣባ ሊባኖስ ኣብ ሃገርና ከምዝተኣታተወ ይፈለጥ ደኣ እምበር፤ ኣቡነ ሰላማ ምስቲ ኣብ ግብጺ ዝጸንሑሉ እዋን ከም ብዓል ቅዱስ እንጦንስ (መሥራቲ ምንኵስና) ዝነበሩሉ ዘመን ስለዝኾነ ሥርዓቱን ትምህርቱን ቀሲሞም ከምዝነበሩ ይእመን። እዚ ኸኣ ነቶም ድኅሪኦም ካብ ግብጺ ይኹን ቍስጥንጥንያ ንዝመጹን ገዳማት ንዝመሥረቱን ምንኵስና ንዘስፍሑን ቅዱሳን ኣቦታት ባይታ ዘንጸፈ እዩ ክብሃል ይከኣል። ምኽንያቱ ኣካይዳ ምንኵስናን ምናኔን ብወገን መንበረ ጵጵስና አቡነ ሰላማን ተካእቶምንጽቡቕ ኣፍልጦን ተቐባልነት ስለዝጸንሖ። 

  • ወቦ ዘተርፈ 

ስያመ ሰላማ ወከሳቴ ብርሃን 
ሰላማ፦ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ‘ሰላማ’ ናይ ኣቦና ስመ ጵጵስንኦም እዩ። ሰላማ ማለት ኸኣ ጐደና ሰላም ዝመርሕ ፍቕርን ምሕረትን ዝምህር ማለት እዩ። ፍሬምናጦስ ዝበሃል ዝነበረ ጵጵስና ክቕበሉ ከለዉ ‘ሰላማ’ ምባሎም፡ ብመስቀልን ደምን ክርስቶስ ኣብ ሞንጎ እግዚአብሔርን አብ ሞንጎ ሰብ ንዝተፈጸመ ዕርቂ ንሕዝቢ ዘበስርን ዝነግርን ምዃኑ ንምዝካር እዩ። ኣቦና ኸኣ ነቲ ዝተወህበቶም ስም ብቃልን ብግብርን ፈጺሞማ እዮም። 

ከሣቴ ብርሃን፦ እቲ ሓቀይና ብርሃን ዓለም ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ብክርስቶስ ኣሚኖም ትእዛዙ ፈጺሞም ናይ ክርስቶስ ብርሃንነት ብቃል ይኹን ብግብሪ ንዓለም ዘፍለጡ ኵሎም ኸኣ ብርሃናተ ዓለም ተባሂሎም ተሰምዮምን ተጸዊዖምን እዮም። ባዕሉ ጐይታናን ኣምላኽናን ክርስቶስ ነቶም ሓዋርያቱን ሰዓብቱን ኵሎም ንሱ ብርሃን ከምዝኾነ ንሳቶም’ውን ብርሃን ክኾኑ እዩ ኣዚዝዎም። እዚ ኸኣ ከምቲ ንሱ ቅዱስ ዝኾነ ኣመንቱን ሰዓብቱን ቅዱሳን ክኾኑ ዝኣዘዞም ማለት እዩ። ስለዚ ኸኣ ሓዋርያት ብርሃናተ ዓለም ተባሂሎም ይጽውዑ ነበሩ። (ማቴ ፭፥፲፬)። 

እቲ ቀዳማይ ናይ ሃገርናን ከባቢናን ጳጳስን ሓዋርያን ኸኣ ቅዱስ ፍሬምናጦስ “ከሣቴ ብርሃን” ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ኸኣ ከሣቴ ብርሃን ማለት ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ኃጢኣት ናብ ጽድቂ፡ ካብ መዓት ናብ ምሕረት ዝምልስ፡ ናይ ዓለም ብርሃን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማያት ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግል ተወሊዱ ናይ ዘለዓለም ሕይወት እተበስር ወንጌለ መንግሥቱ ምሂሩ ተሰቒሉ ሞይቱ ተንሢኡ፡ ኣብ ናይ ዲያብሎስ ጸልማት ተዋሒጡ ንዝነበረ ዓለም ብብርሃነ መስቀሉ ከምዝበርሃልና ዝምህር ዝነግር ዘበስር ማለት እዩ። አቡነ ሰላማ ኸኣ ነዚ ብዝግባእ ስለዝፈጸሙ፡ ንሃገርናን ከባቢናን ብርሃን ስለዝኸሰቱን ብርሃናዊ ግብሮም ዝገልጽ ‘ከሣቴ ብርሃን’ ዝብል ቅጽል ተዋሂብዎም ኣሎ። ስለዚ ኸኣ እዩ ቅዱስ ያሬድ ነዚ ዝስዕብ ድርሰት ዝደረሰሎም፤ ‘ዝንቱሰ ብእሲ መምህርነ፡ ዘተፈነወ ውስተ ምድርነ፡ ይክሥት ብርሃነ’። (ብርሃን ክገልጽ ምእንቲ ናብ ሃገርና ዝተላእኸ እዚ ሰብ መምህርና እዩ።) (ድጓ) 

ስለቲ ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ብዝገበርዎ ሰናይ ሓዋርያዊ ጒስነትን፡ ብሕዝቢ ልዑል ተፈታውነትን ኣኽብሮትን ስለዝነበሮም ኸኣ ‘አቡነ’ ብዝብል ስም ይጽውዑ ኣለዉ። እዚ ኣጸዋውዓ ኸኣ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ኮይኑ ግብጻውያን ንጳጳሳት ካብ ዝጽውዕሉ ኣገባብ ቍሩብ ፍልይ የብሎ። መሠረቱ ኸኣ ኣቡነ ሰላማ እዮም። እዚ ኸኣ ክንዲ እቲ ቀሲስ ምስ ምእመናን ጥቡቕ ምቅርራብን ተፈታውነትን ስለዝነበሮም እዩ። 

ብሓቂ ድማ ሓንሳብ ብኣቡነ ሰላማ ዝተተኽለ መንበርን ዝበርሀ ብርሃን ወንጌልን ልዕሊ ፩ ሽሕን ፮፻፸ ዓመት ከይጠፈዐ ዘመናት ተሳጊሩ ዝያዳ እናበርሀ ክሳብ ሕጂ ምጽንሑ ‘ከሣቴ ብርሃን’ ዝብል ቅጽል ስም ቅኑዕ ምዃኑን ኣቦታትና’ውን ኣብ ምውጻእ ስም ክሳብ ክንደይ መስተውዓልቲ ምንባሮም ክንርድኦ ዘኽእለና ትርጉም እዩ ዝህበና። 

ዕረፍትን ቃል ኪዳንን 
አቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ክርስትና ብዝግባእ መልክዑን ምሕደርኡን ክሰፍሕን መሠረት ስለዘንበሩን፡ ንኵሉ እቲ ኣብ እግሪ ተኽሊ ክርስትና ንዘጋጥሞ ዝነበረ ተጻብኦታትን ፈተናታትን ሰጊሮም፡ ደኺሙኒ ሰልክዩኒ ከይበለ ኣብ ኵሉ ኵርንዓት እናተዘዋወሩ ሓቀኛ ናይ ጓሳ ስራሕ ድኅሪ ምፍጻሞም ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንቅዱሳን ዝወሃብ ቃል ኪዳን ተቐቢሎም ፳፮ ሓምለ ከባቢ ፫፻፷፭ ዓ.ም. (፫፻፹ ዓ.ም. ዝብሉውን ኣለዉ) ብሰላም ኣዕረፉ ። በዚ መሠረት ኸኣ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነዞም ኣቦ ቅዱስ ኢላ ብምጽዋዕ ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ ትዝክሮም። ዓቢይ መምህር ከም ምዃኖም ድማ ‘አባ ሰላማ ከሠተ ለነ ብርሃነ ዜናሁ ለመድኃኒነን’ እናበለት ትውድሶም። መቃብሮም ኸኣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ኣውራጃ ተንቤን ብወገን ምብራቕ ናይ ወርቅ ኣምባ ዝተባህለ ጎቦ ብስሞም ኣብ ዝጽዋዕ ገዳም ይርከብ። 

እዞም ኣቦ እዚኦም ብርሃን ወንጌል ደሚቑ ከምዝበርህ ዝገበሩልና፤ ምሥጢራትን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ዝተኸሉልና፡ ብዙኃን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝሓነጹልናን ብርክት ዝበሉ ንዋያተ ቅዱሳት ዝሓደጉልናን ብምዃኖም ወትሩ ቤተ ክርስቲያን ትዝክሮም እያ። ከመይሲ መሠረት መንበር ስለዝኾኑ። ሎሚ ኣብ ሞንጎናን ግብጽን ዘሎ ሃይማኖታዊ ዝምድና መሠረቱ አቡነ ሰላማ እዮም። 

ኣብ ሃገርና ኤርትራ’ውን ሰላማ ዝብል ስም ንደቕካ ምውጻእ ልሙድ ነገር እዩ እንተበልና ካብ ሓቂ ኣይርሓቕናን። ብሰላማ ዝጽውዓ ዓድታት’ውን ኣለዋ። ብስሞም ዝጽውዓ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ሃገርና ክንደይ ከምዘሎዋ ብንጹር እንተዘይፈለጥና’ውን እታ ታሪኻዊት ቤተ ክርስቲያን ዛግር (ዞባ ማእከል) ግና ክብረ በዓሎም ኣብ መዓልቲ ዕረፍቶም ብዝግባእ ትጽንብሎ እያ። ናብኣ ዝነግድ ሕዝቢ’ውን (እንተላይ ካብ ርሑቕ ከባቢታት) ውሑድ ኣይኮነን። 

አቡነ ሰላማ ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከምዝዝከሩ ኣብ ስንክሳር ተመዝጊቡ ይርከብ። ፲፰ ታኅሣስን ፳፮ ሓምለን። አቡነ ሰላማ ንሃገርናን ከባቢናን ሓዋርያ ምንባሮም ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዓለም’ውን ስብከተ ወንጌል ኣብ ኵሉ ክባጻሕ ካብ ዝጸዓቱ ቀዳሞት ሓዋርያት ብምንባሮም ታሪኾም ኣብ ካልኦት ሃገራት ብዝግባእ ዝተፈልጠ እዩ። ብናይ ቅድስና ማዕረግ’ውን ሮማውያን 27 ጥቅምቲ ግሪኻውያን ድማ 30 ሕዳር በዓሎም የኽብሩሎምን ይዝክርዎምን እዮም። 

“ንዜንወክሙ ዜና ሰናየ ዘሰማዕነ ወዘርኢነ ወዘነገሩነ አበዊነ ጳጳሳት ቀሳውስት ወዲያቆናት ወኵሎሙ መሃይምናን፡ ብፅዕ ውእቱ አባ ሰላማ ከሠተ ለነ ብርሃነ ዜናሁ ለመድኃኒነ።” ቅዱስ ያሬድ 

በረኸቶምን ረድኤቶም ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።


Comments

Popular posts from this blog

ገድሊ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ፡

ታሪኽ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ

ታሪኽ ቅድስት ማርታ