gedle abew

ገድሊ ኣቡነ ሊባኖስ፡በረኸቶምን ረድኤቶምን ምስ ኩልና ህዝበ ክርስትያን ይኹን።

ኣቡነ ሊባኖስ


መእተዊ 

ሎሚ ከም ፈቓደ እግዚአብሔር ጥሪ ፫ ዓመት መጸ ብድምቀት ዝኽበር በዓል ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ሊባኖስን ዝመሥረትዎ ገዳምን ዝምልከት ጽሑፍ ብውሑድ መጠን ካብቲ በረኸቶም ምእንቲ ክንሳተፍ ንኣንበብቲ ቀሪብና ኣሎና። እግዚአብሔር ምስ ፈቐደ ድማ ነዚ ጽሑፍ ብዝያዳ እናዓሞቐን ብዛዕባ እዚ ገዳም ይኹን ካልኦት ገዳማትናን መካነ ቅዱሳትን ዘሎና ኣፍልጦ እናወሰኸን ታሪኽ ቅዱሳን ኣቦታትና እናዘክርናን እናተመሃርናን ክንከይድ ብድሩት ፍልጠትና ነዳሉ ኣሎና እሞ በብወገንኩም ንምእመናን ይጠቅምን ንእትብልዎ ጽሑፋት ብምብርካት ነዚ ጽሑፋትና ከተሀብትምዎ ጻውዒትና ነቕርብ። 
ሰናይ ንባብ፦ 
ሓጺር ታሪኽ ሕይወት አቡነ ሊባኖስ 

ትውልዶምን ኣተዓባብዪኦምን

ኣቦና ኣቡነ ሊባኖስ ካብ አቦኦም አብርሃምን ኣዲኦም ንግሥት ማርያም (ባዚሊሳ) ኣብ መጀመርታ ሓሙሻይ ክፍለ ዘመን ኣብ ትውልዲ ዓዶም ቊስጥንጥንያ (ኮንስታንቲኖፖል) ተወልዱ። ኣብቲ ዘመን እቲ እዛ ምዕብልቲ ዝነበረት ግዝኣት ዋና ከተምኣ ቍስጥንጥንያ ብዝብል ትፈለጥ እምበር ቀዳማይ ስማ ሮም ብዝብል ትጽዋዕ ከምዝነበረት ታሪኽ ይገልጽ። መሥራቲኣ ድማ እቲ ብዙኅ ታሪኽ ዘለዎን መፍቀሬ ሃይማኖት ተባሂሉ ዝግለጽን ኣቦታትና ንኣርዮስ ዘውገዙላ ቀዳመይቲ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ኣብ ኒቂያ (325 ዓ.ም.) ንክግበር መድረኽ ዘጣጠሐ ንጉሥ ቍስጠንጢኖስ እዩ ነይሩ። 


ስድራ ኣቡነ ሊባኖስ አብዛ ዝተጠቕሰት ከተማ ካብ ዘርኢ መኳንንቲ ርኹባት ብሃብቲውን ጽጉዋት ምንባሮምን ንወዶም ሊባኖስ ድማ ብጽቡቕ ኣተዓባብያ ማለት መንፈሳዊን ሥጋዊን ትምህርቲ እናቕሰሙ ከምዝዓበይዎም ታሪኽ ሕይወቶም ይገልጽ። አካለ መጠን ምስ በጽሑ ከአ ስድርኦም ንጓል ንጉሥ ቊስጥንጥንያ ከምርዕዉዎም ከምዝወድኡን እንተኾነ ግና ናይ መንፈስ ቅዱስ መጸዋዕታ ኮይኑ ንመርዓ ዓለም ንድኅሪት ገዲፎም መርዓዊ ሰማያዊ ክኾኑ በቲ ጊዜ እቲ ኣብ ግብጺ ግኑንን ኣብ ምስፍሕፋሕን ምሥራዕን ገዳማት ዓቢ ኣበርክቶ ናብ ዝነበሮ ባሕታዊ አባ ጳኩሚስ ከዱ’ሞ ብብሕትውና ተጸምዱ። ኣብዛ ደብረ ዘይት እትብሃል ግብጻዊት ገዳም ብኣሞክሮ ድኅሪ ምጽናሕ ድማ ኣርዑት ምንኩስናን አስኬማን ካብ አባ ጳኲሚስ ተቐቢሎም ብርቱዕ ተጋዳሊ ኮኑ። 

ምንኵስንኦምን ምእታው ናብ ሃገርናን 
ድኅሪኡ ድማ ጸጋ ምንኵስና ናብ ሃገርና ክኣቱ ፈቓዱ ዝኾነ ልዑል እግዚአብሔር ንኣባ ጳኵሚስ ስለዝገለጸሎም ንኣቡነ ሊባኖስ ምኽርን ሓሳብን ብምሃብ ናብ ሃገርናን ከባቢናን ክኸዱ እሞ ሓዋርያዊ ስራሕ ክሰርሑ መኸርዎም። በዚ መሠረት ድማ ሥርዓት ናይ አበውን ንብረት ሐድነትን ቀሲሞም ብሓፈሻ ሥርዓተ ምንኵስና ኣጽኒዖም ብፍቓድ ናይ መንፈስ ቅዱስ ወላዲኦም ናብ ብሔረ ኣግአዚ ብመርሳ ተኽላይ ተሳጊሮም ኣብ ኤርትራ አተው። ካብኡ ንአስገደ ባቕላ ከይዶም አብ ፅኑዕ በዓቲ ብብሕትውና ተቐሚጦም አስታት 7 ዓመታት ገበሩ። እዚ ከባቢን ብሓፈሻ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ብዙኅ ታሪኽ ክርስትና ዝነበሮን መካነ ቅዱሳንን ሰፈር ባሕታውያንን ከምዝነበረ ብዙኃት ሊቃውንትን ዓበይቲ ዓዲን ዝምስክርዎ እዩ። ነዚ ቅድስና ዝሓዘለ ታሪኽ ሃገርና ንኣብነት ከም በዓል እኒ ሃገረ ናግራን ዝኣመሰሉ መካናት ኣብ ምፍታሽን ምጽናዕን ቤተ ክርስቲያንን ደቃን ብዙኅ ዕዮ ቤት ከምዝጽበዮም ድማ ምዝክኻር ዘየድልዮም ሓቂ እዩ። ከመይሲ “ሰዓቡኒ” ንዝብል ቃል ክርስቶስ ዘየእበሩን ኣሰር ክርስቶስ ንዝሰዓቡን ቅዱሳን ኣሰሮም ምድላይን ምስዓብን (ብእግሪ ይኹን ብግብሪ) ግደ እዚ ወለዶ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስስ ኣነ ንክርስቶስ ከምዝመስል ንዓይ ምሰሉ እንድዩ ኢሉ። ብሰንኪ መግዛእትን ኲናትን ተቐቢሩ ንዝነበረ ጥንታዊትነትን ሃብታምነትን ታሪኽ ሃገርና ምፍሓርን ምጕላሕን እዚ ሓድሽ ወለዶ’ውን ከምዝፈልጦን ከምዝግደሰሉን ምግባር ናይዚ ወለዶን ቤተ ክርስቲያንን ኣገዳሲ ዕማም እዩ። ብፍላይ ድማ ታሪኽ ዝፈልጡ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያናን ለባማት ዓበይቲ ዓዲን ናብቲ ኵሉ ዘይተርፎ መገዲ ቅድሚ ምኻዶም እንተነርክቦም እሞ መዛግብ ታሪኽና እንተነሀብትሞ ሰናይ እዩ እሞ ምስ ጊዜ ምቅድዳም የድልየና ኣሎ። ዕረፍቲ መንግሥተ ሰማያት ይሃቦም እምበር ከይከሰብናሎም ዝቐደሙና ኣቦታትውን ውሑዳት ኣይኮኑን። 
ቃል ኪዳኖምን ገለ ካብ ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞን ገድልን 
ንግባእኬ ኀበ ጥንተ ነገር እዩ እሞ ናብ ዝቐደመ ታሪኽ ኣቦና ንመለስ፣ ኅሩይ ኣቦና ሊባኖስ ወንጌል ማቴዎስ ካብ ግሪክ ናብ ግእዝ ብምትርጓም ካብ ናይ ጥንቲ ቃላት ዓረብ መታ (መጣዕ) ዝብል ቅጽል ስም ተዋህቦም። ስለዚ ብክልተ ስም ሊባኖስ መጣዕ ይጽውዑ። ገሊኦም ብዘይ ምፍላጥን ታሪኽ ብምትሕውዋስን ካብቶም ድኅሪኦም ብምኽንያት ሃይማኖታዊ ስደት ተዋሕዶ ሃይማኖቶም ኣጽኒዖም ክዕቖቡ ናብ ከባቢና ምስ ዝመጹ ተሰዓቱ ቅዱሳን ብምትእስሳር ኣቡነ ሊባኖስ መጣዕ ማለት ኣባ ይምዓታ እዮም ክብሉ ይስምዑ እዚ ግና መወከሲ ዘይርከቦ ሓቅነትውን ዘይብሉ ፍጹም ጌጋ እዩ። አቡነ ሊባኖስ አብ ሃገርና ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ብዙኅ ቦታታት ኢትዮጵያውን ብሓዋርያዊ ተልእኾን ብብሕትውናን ተዛዊሮም እዮም፤ ብዝተዋህቦም ፍሉይ ቃል ኪዳን ድማ አብ ዝረገጽዎን ብመቖሚኦም ኣብ ዝወግኡሉን ቦታ ማይ ይፍልፍል ስለዝነበረ ክሳብ ሕጂ ብዙኃት ድውያን እናፈወሰ ይነብር ከምዘሎ ሕያው ምስክር ዝርከቦ እዩ። ንኹሎም ቅዱሳን ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተፈላለየ ህያብን ጸጋን ይወሃቦም ኢዩ፣ ናይ ኣቦና ድማ ፍልይ ብዝበለ ኣብ ዝረገጽዎ ባይታ ዋላ ከውሒ ይኹን ማይ ይነትዕ። ንኣብነት ደብረ ወርቅ ገዳሞም ፍጹም ከውሒ እዩ ካብኡ ዝፍልፍል ማይ ግና ተአምራታዊ ኢዩ። 

ኣቦና ኣቡነ ሊባኖስ ድኅሪ ናይ ሸውዓተ ዓመት ብሕትውና ኣብ ኣስገደ ባቕላ ናብ ወረዳ ጉሕጨዓ ንላቔን ክሳድ ዳዕሮ ብምኻድ ብወገን ምብራቕ ዓበይቲ በዓቲ ዝርከብ እንዳ መጣዕ ብዝብል ስም ኣብ ዝፍለጥ ቦታ ን70 ዓመታት ብተባሕትዎ ነበሩ፤ ዓመት ዓመት ከአ ብ24 ሕዳር ብሕዝቢ ወረዳ ጉሕጨዓ ብዓቢይ ድምቀት ይኽበር። እዚ ብእንዳ ኣባ መጣዕ ዝፍለጥ ቦታ ከምኡ ዘደንቕ ተኣምራትን ፈውስን ዘለዎ ማይ ዝፍልፍለሉን ዝነጥበሉን ቦታ እዩ፤ ካብኡ ድማ ብዙኃት ክሕጸቡን ክሰትዩን እሞ መድኃኒት ክኾኖም ናብቲ ቦታ ይውሕዙ እዮም ፈውስውን ይረኽቡሉ እዮም። እቲ ዘገርም ዝኣምኑ ክርስቲያናት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ እምነት ክርስትና ዘየለዉ ኣኅዋትናውን ካብዚ በረኸት ተሳተፍቲ እዮም። 

አቦና ብድሕሪ’ዚ አብዚ ቦታ ምንባሮም ምስ ተሰምዐ በቲ ጊዜ እቲ ምዕብልትን ስልጥንትን ዝነበረት ኣኽሱም ጽዮን ኣመሓዳሪኣ ዝነበሩ አባ ኤልያስ መልእኽቲ ለኣኹሎም’ሞ ካብ ጉሕጨዓ ናብ አኽሱም ከዱ። ይኺዱ ደኣ እምበር ኣብ መንጽር ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝነበረ ዓቢይ ዱር ሓደኳ ከይፈለጦም ይነብሩ ነበሩ፣ ብሕቡእ ከአ ብዙኅ ተኣምራትን መንክራትን ይፍጽሙ ኔሮም። ይኹን ደኣ እምበር ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ንአቦና ሊባኖስ ኣዝዩ ከቖጥዖም ዝኽእል ነገራት ረኣዩ። እዚውን እቶም መራሕቲ ዝነበሩ ጳጳሳትን ኤጲስ ቆጶሳትን ካብ ቆሞሳት ካህናት ዲያቆናት በብደረጅኡ ግጻ (ጉቦ) ክቕበሉ ምርኣዮም እዩ። እቶም ጳጳሳት እናተጋገዩ ርእዮም እንታይ ገደሰኒ ከይበሉ ስለቲ ክፉእ ግብሮም ኣትሪሮም ወቐሱን ነታ ዓዲ ድማ ረገምዋ። ሓቂ ምዝራባን ምስምዓን ምስዓባን ዝፈትው እቲ ለባምን ናይ ኣምላኽ ሰብን እዩ እምበር እቲ ዝበዘኀ ግና ውሽጡ ኅሊንኡ እናመስከረሉ ብሓሶትን ውዳሴ ከንቱን ምንባር እዩ ዝመርጽ። እዚ ግና መገዲ እግዚአብሔር ኣይኮነን። እቶም ከም ኣቡነ ሊባኖስ ዝኣመሰሉ ክርስቶሳውያን እሞ ኣሰር ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቀ መለኮት ዝሰዓቡ ግና ገጽ ሰብ ከይሓፈሩን ከይፈርሑን ስለቲ ሓቂ ብሓቂ ይዛረቡ ነበሩ። ናይ እግዚአብሔር ቅዱሳን መለልዪኦም ድማ ሓቀኛታት ምዃኖምን ስለሓቂ መከራ ዝጸግቡ ምንባሮም እዩ። ከምቲ ቃል ክርስቶስ እታ ሓቂ ሓራ ተውጽኦም ድማ ነበረት። ሎሚውን ከም ኣቦና ሊባኖስ ዝኣመሰሉ ንዝተጋገዩ ዝግስጹ ጸግኦም እግዚአብሔር ዝኾነ ቅዱሳን ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣይመድልዩናን ዶ፧ ክህልዉናስ ኣይንብህግን ዶ፧ ስለዚ ነገር ከ ንጽሊ ዶ፧ 

ኣቦና ኣባ ሊባኖስ ካብ ሕግን ሥርዓትም ወጻኢ ዝኾነ ተግባር ንዝፍጽሙ ጳጳሳት ምስ ገሰጽዎም በዚ ነገር’ዚ ገበዝ አኽሱም ተቖጢዖሞ ካብቲ ቦታ’ውን አባረርዎም። ደረቓ አብ ዝተባህለ ጸምጸም በረኻ ከይዶም አብ ውሽጢ በዓቲ ንሠለስተ ዓመታት ተቐመጡ፣ ካብ ናይ በረኻ አግራብ ቋርፍ እናተመገቡ ብኸምዚ ዓይነት አብ በዓቲ መንፈሳዊ ተግባር ብምፍጻም ብጸጋ እግዚአብሔር ተቐመጡ። ኣክሱማውያን ግና በቲ ግፍዒ አብ ልዕሊ አቡነ ሊባኖስ ዝፈጸምዎ ንሠለስተ ዓመት ዝኣክል ዝናብ ከይወረደ ስለ ዝተዓግተ ተሸገሩ ነንሕድሕዶም ከአ እንታይ ክንከውን ኢና ተበሃሃሉ። ንአባ አድኃኒ ከተዓርቕዎም ከአ ለመንዎም አባ አድኃኒ ድማ ከይዶም ሰአንዎም’ሞ ን፯(7) መዓልቲ ሱባኤ ገበሩ፣ ብሻብዓይ መዓልቲ ከኣ ደው ኢሎም ክጽልዩ ረኸብዎም በልዎም ድማ፣ አቦና ንስኹም ስለ ዝሓዘንኩምን ስለ ዝተቖጣዕኩምን ስለ ዝተቐየምኩምን ምድሪ ጠፊኣ ሕጂ ግና ከም ኣምላኽ መሓሪ ኩኑ ዝናብ ክዘንብ ከአ ጸልዩ በልዎም። ኣቡነ ሊባኖስ ከአ በልዎም ንስኹም ክትዓርቁና ትደልዩ እንተኾንኩም ጳጳሳትን ኤጲስ ቆጶሳትን ንጉሥን ካብ ካህናት ጉቦ አይቀበሉ፣ ብፍቓድ እግዚአብሔርን ሓዋርያት ብዝሠርዕዎ ሥርዓትን እንተኸይዶም ይቅሬታ ክገብረሎም። ንሳቶም ድማ ሕራይ ኵሉ ዝአዘዝኩምና ንገብር በሉ። ንዕለቱ ከአ ዘነበ ቅዱስ አቡነ ሊባኖስ ከኣ ብኸምዚ ግሁድ ተአምራት ንሕዝቢ አኽሱም ካብ ጌግኡን ስሕተቱን ይምህርዎን ይእርምዎን ነበሩ። 

ቅዱስ መጽሓፍ ብፁዓንሰ ገባርያነ ሰላም ከምዝብል ኣባ ዮሓኒ ስለቲ ዝገብርዎ ናይ ዕርቂ ስራሕ “ብእሴ ሰላም” ዝብል ቅጽል ስም ተዋህቦም። ክሳብ ዕረፍቲ ኣባ ኣድኃኒ ድማ ብሓንሳብ ክቕመጡ ጀመሩ። ንእንዳ መስቀል ድማ ብሓባር ከምዝሠረቱዎ ይንገር። ድኅሪ ሓደ ዓመት ዕረፍቲ ኣባ ኣድኃኒ ድማ ንኣደ ኣባ ኣድኃኒ ኣመንኰስወን። ብድኅሪ’ዚ አቡነ ሊባኖስ ንነዊሕ ዓመታት ብገድልን ትምህርትን አብ ታሪኻዊት በዓቶም ካብ ናይ ጻዕርን ድኻምን ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ቅድሚ ምሟቶም ግና ንደቂ መዛሙርቶም ኃይልነ አብን ሜጦ መስቀልን ዝተባህሉ መራሕቲ ገደፉሎም። 

ለበዋን ዕረፍትን አቡነ ሊባኖስ 
አቡነ ሊባኖስ ኣብ አጋ ሞቶም ድራር (ገብረ ክርስቶስ) ንዝተባህለ ናይ መንፈስ ውሉዶም ንስኻ ኢኻ እትቐብረኒ ዝቕበረሉ ቦታ ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕካ ክትረኽቦ ኢኻ፣ ኢሎም ምስ ተላበውዎ አብ ምድሪ ሓራሳት ከኣ ዓረፉ። ምድሪ ሓራሳት አብ ጥቓ ዓዲ ግራት እትርከብ ዓዲ ኢያ። ቅዱስ ኣቡነ ሊባኖስ ኣብዚ ቦታ’ዚ ምስ ዓረፉ ማንም ሰብ ኣይረኣዮምን ነበረ ብተኣምራት ግና ዝተገልጹሎም ሰባት ስለዝነበሩን ድኅሪ’ዚ ድማ ነቲ ዝተላበውዎ ገብረ ክርስቶስ (ድራር) ብርሑቕ ቀስተ ደመና ስለዝተራእዮ ብቕልጡፍ ናብቲ ቦታ ትእምርቲ ዝረኣየሉ ምስከደ ኣቡነ ሊባኖስ ከኣ ኣብኡ ሞይቶም ጸንሕዎ። ከምቲ ለበዎኦም ድማ ካብ ምድሪ ሓራሳት ተሰኪሙ ናብዚ ሕጂ ዘሎ ገዳሞም ደብረ ወርቅ አምጺኡ ቀበሮም። ምድሪ ሓራሳት ካብ ደብረ ሊባኖስ ናይ ምሉእ መዓልቲ መገዲ ኢዩ።
ዝርከበሉ ቦታን ኣገዳድምኡን 

ገዳም ኣቡነ ሊባኖስ ኣብ ሃገርና ካብ ዝርከባ ጥንታውነት ዘለወንን ታሪኽን ቅርሳ ቅርስን ዝዓቀባ ገዳማት ኣብ ቀዳምነት ዝስራዕ እዩ። መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጥኡ ኣዝዩ ሰሓቢ ኣብ ኣጻድፍ ዝተገደመ ኮይኑ ምሉእ ስሙ ገዳም ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ተባሂሉ ይፍለጥ። ዝርከበሉ ቦታውን አብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ብወገን ደቡብ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ካብ ኣሥመራ ኣብ ኣስታት 150 ኪ.ሜ ርሒቑ ይርከብ። እዚ ገዳም’ዚ ብ523 ዓ.ም አቡነ ሊባኖስ ከምዝመሥረትዎ ይእመን።


መሥራቲ ገዳም 

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ መሥራቲ እዚ ገዳም ኣቦና ኣቡነ ሊባኖስ እዮም። ንሶም ኣብዚ ገዳምን ከባቢኡን ንብዙኅ ዓመታት ብተባሕትዎ ከምእተቐመጡን ብዙኅ ዘድንቕ ተኣምራትን ይፍጽሙ ከምዝነበሩን ዝተፈልጠ እዩ። ከምኡ ድማ ከምቲ እግዚአብሔር ዝገለጸሎምን ለበውኦምን ድማ እቲ ዝፈትውዎን ዝፈትዎምን ናይ መንፈስ ወዶም ድራር (ገብረ ክርስቶስ) ድኅሪ ዕረፍቶም ሥግኦም ናብዚ ደብረ ወርቅ ተሰኪሙ ከምዝመጸን ከምዝቐበሮምን ናይ ዘለዓለም መዕረፊት መካኖም እዛ ገዳም ምዃና ትፍለጥ። 

ካብ ዝማሞቐን ጽግዋትን ስድራ ይወለዱ ደኣ እምበር ቅዱስ ኣቦና ቤት ሥጋዊ ኣቦኦም ገዲፎም ቤት ሰማያዊ ኣቦኦም ከናድዩን ክሃንጹን ካብ ቍስጥንጥንያ ተበጊሶም መጀመርታ ናብ ግብጺ ዳኅራይ ድማ ናብ ሃገርና ቀጺሉ ድማ ክሳብ ማእከል ኢትዮጵያ ብሓዋርያዊ ጉዕዞን ተጋድሎን ነዊሕ ዑደት እኳ እንተገበሩ መዕረፊት ሥግኦምን ኣዕጽምቶምን ክትከውን ዝመረጽዋ ስፍራ ግና ደብረ ወርቅ ገዳሞም እያ እሞ ሃገርና ረኺባቶ ዘላ ኅርየትን ክብርን በረኸትን ምስትውዓል ይግባእ።



ዝመሥረትዎም ገዳማትን ብስሞም ዝጽውዑ ኣብያተ ክርስቲያናትን 

አባ ዮሐኒ በዓል ደብረ ሲና፣ ብ፬ሚእትን፴(430) ዓ.ም ካብ ሃገር ግብጺ ብሣሕል ናብ ሃገረ ኤርትራ ኣትዮም ትምህርቲ እምነት ክርስትና እናሃቡ ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ ተዛዊሮም ወንጌል ዝሰበኹን ዘእመኑን ብፁዕ ኣቦ እዮም። ድኅሪኦም ዳርጋ ኣብ ተቐራራቢ ዘመን ድማ ኣቡነ ሊባኖስ ከምኡ ናብ ሃገርና ብምእታው (ብዝተፈላለየ ጸሓፍቲ ታሪኽ ዝተፈላለየ ዘመን ምእታው ኣቦና ከምዝጥቀስ ርዱእ ገይርና) ክርስትና ኣብ ሃገርናን ክሳብ ማእከል ኢትዮጵያ ብምዝውዋር ሓዋርያዊ ስራሕ ሰሪሖም እዮም። እቶም ዝኣመኑ ድማ ፍጹማን ክርስቲያን ምስኮኑ ሥርዓተ ጳኩሚስ ምንኩስናን ገዳማትን ተኺሎም እዮም፣ ኣቡነ ሊባኖስ ኣብ ሃገርና ዝተኸልወን ገዳማት ንምጥቃስ እንዳ አባ መጣዕ ኣብ ዞባ ደቡብ ወረዳ ጉሕጨዓ (ንነዊሕ ዓመታት ዝባሕተዉሉ ቅዱስ ስፍራ) ከምኡውን ደብረ ማርያም ሃም አብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ኣብ ኣንበሰት ተገለባ ይርከብዎም። ኣብዛ ኣብ ዘመነ ሕይወቶም ዝገደምዋ ደብሪ ን43 ዓመታት ዝኣክል ከምዘገልገሉ ታሪኽ ሕይወቶም ይንገር። እዛ ገዳሞም ብዘለዋ ታሪኽን ኣቀማምጣን ኣዝያ ሃብታም ገዳም እያ። 

ካብዚ ሐሊፎም’ውን ንኢትዮጵያ ሰጊሮም ካብ ትግራይ ክሳብ ሽዋ ሃይማኖት ክርስትና እናሰበኹ ብዙኃት ገዳማት ከም ዝተኸሉ ገድለ አቡነ ሊባኖስ የረድእ። ብስም ኣቡነ ሊባኖስ ዝተሃንጻ ኣብያተ ክርስቲያናት ድማ ኣብ ትግራይ (ውቑር ቤተ ክርስቲያን እንዳ ኣባ መጣዕ ካብ ኣኽሱም 8 ኪሜ ንደቡብ ዝርከብ) ኣብ ወሎ (ሓደ ካብቶም ብንጉሥ ላሊበላን ንግሥቲ ሰበይቱን ዝተሃንጹ ኣደነቕቲ ፍልፍል ህንጻታት ቤተ ክርስቲያን ብስም ኣቡነ ሊባኖስ ዝተሰየመ እሞ እንኮ ብስም ጻድቕ ሃገርና ዝጽዋዕ ዘሎ እዩ) ብይኩኖ ኣምላክ ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝተተኽለት ገነተ ማርያም ብዝብል ስም ትጽዋዕ ዘላ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቀደም ስማ ኣቡነ ሊባኖስ ከምዝነበረ ይፍለጥ። እቲ ኣብ ሽዋ (ኢትዮጲያ) ዝርከብ ዓቢይን ውሩይን ገዳም ደብረ ሊባኖስ (ኣቡነ ተክለሃይማኖት) እዞም ጻድቕ ቅድሚ ኵሉ ንሶም ስለዝተቐመጡሉ ብስሞም ዝጽዋዕ ዘሎ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ። ካልእ ኣዝዩ ብዙኅ ተመሳሳሊ ታሪኽ ከምዘለዎን ዝሰሓት ኣይኮነን።

ኣብ ሃገርናውን ካብተን ካብ ኣማኢት ክሳብ ልዕሊ ሺሕ ዓመት ዝጽበጽበ ዝተፈላለየ ታሪኻዊ ማሕለኻታትን መስገደልን ሰጊረን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገራ ሕጂ ህልውንአን ዓቂበን ናብዚ ወለዶ እዚ ካብ ዝተረከባ ገዳማት ሃገርና መብዝኃትአን ሥርወ ልደት ምንኩስናአን ካብዞም ጻድቕ ኣቦ ዝተሰንሰለ እዩ። ኣብዚ ሓጺር ጽሑፍ ካብ ምትንኻፍ ናብ ካልእ ጊዜ ኣምላኽ ኣብ ዝፈቐደሉ ኣስፍሕ ኣቢልና ክንጽሕፈሉ ይሓይሽ እምበር ኣብ ሃገርና ዝርከብ ምንኩስና ክልተ ቤት ወይውን ሓረገ ምንኩስና ከምዘለዎ ምዝካር ጥራይ ጽቡቕ ኮይኑ ይረኣየና። ብሓጺሩ ግና ካብ ኣቡነ ሊባኖስ ብመንፈስን ምንኵስናን ብዝውለዱ ወይውን ንሶም መሠረት ብዝኾንዎም ቅዱሳን አቦታት ከም አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ዝኣመሰሉን ደቂ ደቆምን አብ ሃገርና ኤርትራ ዝተገደሙ ልዕሊ 15 /፲፭/ ገዳማት ከምዘለዉ ምፍላጥ የድሊ። እዚ ክበሃል ከሎ ናይተን ህልው ገዳማት ንዛረብ ኣሎና እምበር ገሊአን ታሪኽ ዘይዝክረን ገሊአን ድማ ዝዓነዋን ገሊአን ድማ ናብ ገጠር ዝተለወጣን ግና ብሓፈሻ ኣብ ሃገርና ጥራይ ልዕሊ 300 ገዳማት ተተኺለን ከምዝነበራ ይንገር። 

ኣብ ከባቢ ገዳማ ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ዝርከባ ጥንታውያን ገዳማት ጥራይ እኳ ከም ኣብነት እንተጠቐስና ነዘን ዝስዕባ ክንጽብጽብ ንኽእል (1)፣- ሃዘሞ ደብረ ሰማዕት አናንያ፣ ወአዛርያ፣ ወሚሳኤል (2) አብ አከለ ጉዛይ አራ ደብረ መስቀል (3) አብ ጉሎ መኸዳ ደብረ ታህሰስ ኪዳነ ምሕረት (4) ገዳም አፈ ታቦት ቅዱስ ሚካኤል (5) ደብረ ማዕጾ ቅዱስ ዮሐንስ (6) ጉና ጉና እንዳ መስቀል ገዳም። 

እዚ ገዳም እዚ ከምቲ ቀዳምነቱ ጸጋ ክንረኽበሉ ዝግባእን ንሃገርናውን መሐበኒ ዝኸውን ታሪኽ ሓቝፍ ዝርከብ ጥንታዊ ገዳም እዩ። ነዚ ወለዶ እዚ ምስቶም ቀዳሞት ዘራኽብ ኣብ መዛግብ ታሪኽናውን ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ትውፊትናን ካበይ ናበይ ዝብል መንነትናን ከምኡውን ሃገራዊ ጸጋታትናን ዝያዳ ክንፈልጥ እንኽእለሉ ሃብቲ ዓቝሩ ዝርከብ ቅዱስ ገዳም እዩ እሞ ቆላሕታ ክንገብረሉን ጥንታዊነቱን ምናኔ ኣቦታትናን ሥርዓቱን ተዓቂቡ ንዕብየቱ ግብራዊ ተበግሶ ክንወስደሉ ዝግብኦ ገዳም እዩ። ነቶም ቀዳሞት ሓዋርያት ሃገርና ምፍላጥ ኣብቲ ጊዜኦም ክንምለስን ምስኦም ክንነብርን ዘኽእለና ስለዝኾነን ኣብ ፍኖት ታሪኽውን ነቶም ኣብ ዘመኖምን ቅድሚኦም ምስ ዝነበሩ ኣቦታትናን ወለድናን መላግቦ ድንድል ኮይኑ ዘገልግል ሃብት ዝውንን ቅዱስ ገዳም ብምዃኑ ኵልና ብፍላይ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ክንግደሰሉን ከነጽንዖን ዝያዳ ክንመራመረሉን ይግባእ። ታሪኹ ዝፈልጥን ዘድንቕን ንሞያን ተጋድሎ ኣቦታቱን ክብሪ ዝህብ ወለዶ ናፋቒ ባዕድ ኣይኪኸውንን እዩ። ድኻ ኣማዕዳዊን ተመጽዋቲ ታሪኽን ካብ ምዃን ድማ ይድኅን። ምግዛእ ኣብ ደሞም ካብ ዝሰረጸ ምዕራባውያንን ፈርዖናውያንን ድማ ዳግም ኅሊናና ከይገዝኡና ልብና ዝመልእን ኣፍና ዘኸፍትን ታሪኽ ከምዘሎና ፈሊጥና ኅሊናና ካብ ናይ ታሪኽ ባርነት ሓራ ንግበሮ። ሓቂ እዩ ናተይ ዝብሎ ብናቱን ብኣቦታቱን ዝተቐመረን ዝተሰርሐን ዝወቀበን ታሪኽ ዘለዎ ህዝቢ ልቦንኡ ልዕል ገጹውን ኣብ ቅድሚ ዓለም ድንን ዘየብል ክዛረበሉ ዝህንጠየሉ ምንያት ትዕቢት ከይቍጸር እምበር ክንየቱሉ ዝኽእል ናጻ ኅሊና ክውንን የኽእሎ እዩ። ባዕሉ ታሪኽ ኣቦታቱን ሃይማኖቱን ድማ ይዕቅብ። ሎሚ ሎሚ ግና ታሪኽና ብግዳማውያን ክሳብ ዝንገረና ንጽበ፤ ወይ ድማ ብእኦም ምስ ዝንገረና ንኣምኖ። እዚ ግና ጌና ናጽነቱ ዘይረጋገጸ ኅሊና ዘመላልሶ ድኹም ኣተሓሳስባ እዩ። ዓይንና ዝርእዮ ኣእዳውና ክርምስሶ ዝኽእል ሃብታም ታሪኽ ኣሎና እሞ ባዕልና ንፈትሾ። ታሪኹ ባዕሉ ዝዕቅብ ድማ ጸጋን በረኸት ይረክብ ልዕሊ ኵሉ ድማ ብመልክዕ ዘይኮነስ ብግብሪ ኣቦታቱ ይመስል። ዓለም ሎሚ ሓደ ካብ ዘጨነቓ ነገር ድማ ብሰናይ ግብሪ ወለዱ ዝመስል ትውልዲ ከተፍርይ ዘይምኽኣላ እዩ። ወለዱ ዘይመስል ወለዶ እቲ ዝስዕቦ ወለዶውን ንኡኡ ክመስል ከምዘይክእል ከስተብህሎ ዝግባእ እዩ። 

ስለዚ ሃገርና ኤርትራ ብሓዋርያነት አቡነ ሊባኖስን ደቆምን ክሳብ ሎሚ ብእምነት ክርስትና ብሃይማኖታዊ ምግባር ጸኒዓ ትነብር አላ። ሃገርና ብታሪኻ ሃብታም እያ እሞ እዚ ወለዶ እዚ ኣብ ዝቀደመ ታሪኽ ኣቦታቱ ከተኩር ለበዋና እዩ። ታሪኹ ከይዕቀብን ንውልቃዊ ዕላምኦም ክረብሑሉ ዝደልዩ ኣንጻር ልኡላዊት ሃገርና ዝነበሩ ገለ ብኣፍ ደገ ባሕርና ዝኣትዉ ዝነበሩ ገለ ካብ ደቡብ ብወገን ኢትዮጵያ ዝወሩ ዝነበሩ ገዛእቲ ግና ነዚ ክቡርን ቅዱስን ገዳምን ከባቢኡን ዘሚቶሞ እዮም። ካብኦም ሓደ ድማ ብጭካኒኡ ዝፍለጥ ደጃች ውቤ እዩ። ንሱ ንብዙኃት ገዳማትን ኣድባራትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ሃገርና ብዋጋ ዘይትመኑ ጥንታውያን ንዋየተ ቅዱሳትን ናይ ብራና ቅዱሳት መጻሕፍትን ካልእን ዘሚቱ ኣብ ደረስጌ (ጐንደር) ኸዚንዎ ከምዝነበረን ሕጂውን ገሊኡ ከምዘሎ ዝፍለጥ እሙን ታሪኽ እዩ። ንኵሉ መዓልቲ ስለዘለዎ እምበር ታሪኽ ናብ ዋንኡ ምምላሱ ዘይተርፍ ኣብ መዋእል ታሪኽ እናሻዕ ዝግሃድ ንቡር ክስተት እዩ። ካብኡ ናብኡውን ምሉእ ትሕዝቶ ዘለዎ ገድሊ ኣቡነ ሊባኖስውን ኣብ ደረስጌ (ደብረ ጽጌ) ከምዝርከብ ገለ ኣቦታት ናይቲ ገዳምውን ይዛረቡ እዮም። ብኃይሊ ኣምላኽ ዝተገብረ ታሪኽ ቅዱሳን ክድምሰስ ስለዘይከኣል እዚ ገዳም እዚ ሕጂውን ብዙኅ ዘኹርዕ ታሪኽ ዝዓቀበ እዩ። 
ክብጻሕን ክረአን ዝግብኦ ትሕዝቶ ገዳም 

እወ እዚ ገዳም እዚ ክረአን ክንፈልጦን ዝግብኡና ብዙኅ ታሪኻዊ ሃብቲ ዝሓቘፈ ገዳም እዩ። ገለ ብውሑዱ ንምጥቃስ አብ ከባቢ ገዳም ደብረ ሊባኖስ ብዙኅ ናይ ቅዱሳን ባሕታውያን ኣስከሬን ከይፈረሰ ዝነብር አሎ። ናይቲ ገዳም ጥንታውነት ዝሕብር ታሪኻዊ ቅርሳ ቅርስን ጽሑፍ እምንን አሳእልን`ውን ይርከብ። እዚ ኣብ ከባቢ ገዳም አቡነ ሊባኖስ ዝርከብ ደብረ ሐዋርያት ዝተባህለ ናይ ብዙኃት ባሕታውያን አስከሬን ኣማእት ዓመታት ዝገበረ’ሞ ከይፈረሰ ምስ መግነዙን አካሉን ተኸሲቱ ንበጻሕቲ ብግልጺ ዝረአ ዘሎ ጥንታውነት ሃይማኖትናን ዘሎና ናይ ቅዱሳን በረኸትን ዘረድእ ታሪኻዊ ቅርሲ ኢዩ። እዞም ቅዱሳን ካበይ ዝመጹ እዮም? ኣካላቶም ክሳብ ሕጂ ብኸመይ መገዲ ክዕቀብ ከኣለ? ናይ ብዓል መንን እንታይ ታሪኽ ዝፈጸሙን ዘለዎምን ኣቦታት ነይሮም ኢልና ምሕታትን ምምርማርን ምግሃድን ነዚ ወለዶ እዚ ዝግደፍ ዕዮ ታሪኽ እዩ። እዚ ዝያዳ ንተመራመርቲ ታሪኽ ዝግደፍን ቤተ ክርስቲያናውን ነዚ ምርምር ዝሕግዝ ገለ ክፍሊ ኣቝማ ምስቲ ዝምልከቶ ኣካል ሰሚራ ክትሰርሓሉ እንተትኽእል ክንደይ ታሪኽ ተደቢዩ ካብ ዝርከበሉ መቓብር ምወጸ እሞ ኣፍ ኣውጺኡ ዘድንቕ ታሪኽ ምተዛረበ ንሕናውን ጽን ኢልና ምሰማዕና!

ኣብዚ ገዳም ደብረ ወርቅ ብዙኅ ዘደንቕ ዕፁብ ዘብል ክንደይ ነገራት ብዓይኒ ክረአ ዝከኣል እዩ። እቲ ገዳም ካብ ዝተገደመሉ ኣጻድፍን ጸበብቲ መተሓላለፍን ኣትሒዛካ ካብ ልሙጽ ጸድፊ ብውሕልነት ተዃዒቶም ዝተሰርሑ ጥንታውያን ጋህስታት መቓብራት እሞ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምልኣት ከይረኸቦም ኣብ ኣገልግሎት ዘለዉ ይርከብዎ። እቲ ኣብኡ ዘሎ ማየ ጸሎትውን ሕይወት ዝምልስን ፈውሲ ዝህብን እዩ። ሕሙማትን ድኑሳትን ብምፍዋስ ቀዋሚ ማየ ጸሎት ብተአምራት ዝፍልፍል አበየ ቦታኡ ዝጸለዩሉን ዝባሕተውሉን ከምኡውን እተቐብሩሉን ስለዘሎ ብሕማም ዝሳቐዩ ካብ ዝኾነ ቦታ መጺኦም ንዝተሓጸቡ ዝፍውስ ማየ ጸሎት ኢዩ። 

ነዚ ገዳም እዚ መፍቀሬ ሃይማኖት ዝነበረ ንጉሥ ገብረ መስቀል ንገዳም አቡነ ሊባኖስ አብ ውሽጢ 3 ዓመት ክሃንጾ ከሎ ንግሥቲ ከአ ብወገና ንካልኦት አብያተ ክርስቲያናት ከምዘህነጸትሉ ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ይርከብ። ጉልቲ ብምሃብ ነቲ ገዳም ኣሃብቲሞሞ ድማ እዮም ነይሮም። ብተወሳኺ ኣብዚ ገዳም እዚ ብወንጌለ ወርቅ ዝፍለጥ ኣብ 13 ክፍለ ዘመን ከባቢ ከምዝተጻሕፈ ዝእመነሉ ብክቡር ሃጺን ዝተወቀበን ገበር ዘለዎን ወንጌል ይርከብ። ብሓፈሻን ብዝያዳን ነዚ ወለዶ ትስፍው ሃዋህው ዝመልስን ዘሐጉስን ክውንነት ናይዚ ገዳም ድማ ሕጂ’ውን አሰር ጥንታውነቱ ከይበተኸ መልክዕ አበው መነኮሳት አቦታት ከም ቀደም ይቕጽል ምህላዉ እዩ። ዓጽፊ ዝተኸድኑ ዳባ ዝተኸድኑ ብዙርያ እቲ ገዳም ምርኣይን ካብ ደብረ ሐዋርያት ናብ ገዳም አቡነ ሊባኖስ ክትሰግር ከሎኻስ ናብ ኢድ የማን ዝተርፍ አብ እግሪ እቲ ጸድፊ ባሕታውያን ዝርከብዎ በዓትን ዱርን በቲ ዘለዎ ግርማ ደስ የብለካ። ብሓቂ ገዳማትና ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናይ ዘመናት ሰብኣዊን ተፈጥሮኣዊን ተጻብኦ ይዳኸማ እምበር ሳላ እዞም ሕይወቶም ንኣምላኽ ወፍዮም ብጸሎትን ትሕርምትን ሱባኤን ንኣምላኽ ዘስምሩ ኣቦታት እዚውን ናይ ጊዜ ጕዳይ እምበር ትንሣኤ ከምዝህልወን ተስፋና ልኡል እምንቶና ጽኑዕ እዩ። ንዕብየት እዘን ኣኽሊል ቤተ ክርስቲያናን ዕንቍ ታሪኽ ሃገርና ዝኾኑ ገዳማትና ኵሉ ዝከኣሎ ክገብርውን ዝግባእ ኮይኑ ገሊኡ ድማ ብዘይፍላጥ ኣንጻረን ዝሰርሕ ኣይሰኣንን እዩ እሞ ልቢ ይሃቦ ንብል። ታሪኽ ድማ ንኵሉ እናመዝገበ ድማ ምንባሩ ዘይተርፍ ሓቂ እዩ።

እዚ ገዳም ብኹሉ መዳዩ ካብ ዓዲ ዝረሐቐ ልጉስን ጭራሕ ምራሕ ዘይብሉ ጽምዊ ገዳም ስለዝኾነ ንኅሊናኻ የህድኦ መንፈስ ቅሳነት ይዓስለካ ሓጺር ጸሎት ከተብጽሕ ከኣ ቃል ጸሎትካን ሓሳብካን ብሓንሳእ ንእግዚአብሔር ይልምኑ። ኣዒንትኻ በቲ መጋረጃ ጸድፊ ማንም ካብ ምርአይ ስለዝኽወላ ምስቲ ሓሳብካ ተመስጦ ይሕዘን ኩሉንተናኻ ከአ አብ ሓደ ውህሉል ይኸውን’ሞ ምስ ኣምላኽ ከም ትዛረብ ዘሎኻ ኮይኑ ይስምዓካ። ገዳም ደብረ ወርቅ ብተፈጥርኡ ናይ ምናኔ ቦታ እዩ። ኣብ ትሕቲ ገዳም ዘሎ ጥጡሕ ናይ ሕርሻ ቦታ ኣለዎ። ገዳም ድማ ኣታኽልትን ፍረታትን እናፍረዩ ይጥቀሙሉ ኣለዉ። ገዳም ደብረ ሊባኖስ ከም ኩሎም ገዳማት ኤርትራ ብማኅበራዊ ናብራ ማሕረስን ምርባሕ ከብትን ዝናበር እዩ። እቶም ኣብቲ ገዳም ዘለዉ መነኮሳት አብ ስራሕን መንፈሳዊ ጸሎትን ከምኡ ድማ ኣረጋውያን መነኮሳት ብዝያዳ ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ጽሙዳትን እዮም፤ በዚ ከምዚ ኩነታት ገዳም ኣቡነ ሊባኖስ ተስፋ ዘለዎን ውጥናቱውን ዘሐጉስ ገዳም እዩ። 

ካልእውን ብዛዕባ ኣደናቕነቱ ብዙኅ ክበሃል ምተኻእለ ብሓጺሩ ገዳም አቡነ ሊባኖስ ብኹሉ መዳዩ ቅያን ታሪኽን ዝተመልአ ምስተኣምር ዝተተሓሓዘ ቅዱስ ቦታ እዩ። 


መጽሓፈ ገድሊ ኣቡነ ሊባኖስ 

ገለ ኣብ ገድሊ ኣቡነ ሊባኖስ ኣተኲሮም ዘጽንዑ ተመራመርቲ ታሪኽ ከምዝብልዎ ብሓፈሻ ብኣቀራርብኡን ኣጸሓሕፍኡን ፍልልይ ዘለዎ ሠለስተ ዓይነት ገድሊ ኣቡነ ሊባኖስ ከምዘሎ ይዛረቡ። ብመጠን ትሕዝትኡን መልእኽትኡን ግና ተመሳሳልነት ከምዘለዎን ካብ ሓደ ጥንታዊ ምንጪ ወይውን ቀንዲን ቀዳማይን ገድሎም ዝተቐድሐ ምዃኑ ይሰማምዑሉ እዮም። 

ኣብ ደብረ ሊባኖስ ዝርከብ ገድሎምውን ምሉእነት ኣይሃልዎ እምበር (ኣብዚ ገዳምውን ዝተፈላለየ ዓይነት ቅዳሕ ከምዘሎ ይረአ እዩ) ካብቶም ካልኦት ማለት ኣብ ደብረ ሓይቅ ገዳመ እስጢፋኖስ (ኢትዮጵያ) ዝርከብን ኣብ መፋርቕ 14 ክፍለ ዘመን ከም ዝተጻሕፈ ዝእመነሉን ከምኡውን ካልእ ኣብ 17 ክፍለ ዘመን ዝተጻሕፈን ኣብ ካልእ ቦታ ዝተረኽበን ክልተ ዓይነት ገድልታት እዚ ኣብ ገዳም ኣቡነ ሊባኖስ ዝርከብ ገድሊ ኣዝዩ ዝርዝራውን ብስያመ ቦታታትን ልማድ ከባቢን ወዘተ ካብ ምጅማር ናይቲ ጽሑፍ ኣትሒዙ ፍሉይነት ዘለዎ ምዃኑን እዩ። 

ኣብቲ ሓደ ካልእ ዓይነት ገድሊ ኣባ ኤልያስ ዝተባህሉ ቅድም ኣብ ኣኵሱም ተባኢሶምም ዝነበሩ እሞ ዝተዓርቑ ገድሎም ክጽሕፉሎም ብኣምላኽ ከምዝተጸውዑ ድማ ይገልጽ። ብዝኾነ ግና እቲ ቀዳማይን ብዝያዳ ምልኣት ዘለዎ መጽሓፍ ገድሎም ብዝምታ ይኹን ብኻልእ ኣብ ኣቡነ ሊባኖስ ዝርከብ ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ካልእ ቦታ ጠቒስናዮ ዘሎና ምናልባሽውን ኣብ ደረስጌ (ኢትዮጵያ) ተኸዚኑ ይርከብ ይኸውን?! 


መደምደምታ 

ቅዱስ ኣቦና አቡነ ሊባኖስ ካብቶም ስለ ሃይማኖትን ሰማያዊ ክብርን ሓዋርያዊ ገድልን ስድርኦምን ዓዶምን ገዲፎም ካብ ዘተሰዱ ቅዱሳን ብቀዳምነት ዝጥቀሱ እዮም። ንሶም ንሃገርና ብብዙኅ ወገን ረዲኦማ እዮም። 
  • ብትምህርቲ እምነት ክርስትንና ምስፋሕ ስብከተ ወንጌልን 
  • ብዝተዋህቦም ተኣምራታዊ ሥልጣን ብዝገብርዎ ዝነበሩን ዘለዉን ፈውሲ ማየ ጸሎትን 
  • ብዘቖምዎ ሕግን ሥርዓተ ምንኩስናን ዝመሥረትዎ ገዳማትን 
  • ብዝገደፉልና ቅዱስን ሃብታምን ታሪኽን ምዕቃብ ቅርስን 
  • ብበረኸቶምን ጸሎቶምን 
  • ወዘተ 
ኣማን ብኣምን ቀዳሞት አቦታት ብእግዚኣብሔር ዝኣምኑን ምግባረ ሠናይ ዝፈትዉን ስለ ዝነበሩ ዝንኦም ከኣ አብ ዓለም ተዘንትዩን በጺሑን እዩ። በዚ ዝና‘ዚ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ተበጊሶም ብስደት ሃይማኖት ናብ ሃገርና ዝመጽኡ ቅዱሳን ብዙኃት እዮም። ዓድና ኤርትራ’ውን ኣቡነ ሊባኖስ ብዝኣመሰሉ ቅዱሳን ብዝገበርዎ ሃይማኖታዊ ተጋድሎ ብዙኅ ተረባሒት ኮይና እያ። መዓርፎ ቅዱሳን ምዃና ድማ እሙን ነገር እዩ። ምዕቃብ ታሪኾምን ቅርሶምን ኣብቲ እቶም ቅዱሳን ዝተጋደሉሉን ሰማያዊ ኣኽሊል ኣብ ዝረኸበሉ ቃለ ወንጌልን ፍኖተ ሃይማኖትን ሰናይ ግብርን ምጽናዕ ድማ ግደ እዚ ወለዶን ዝስዕቦን ምዃኑ ኵሉ ልቢ ዘለዎ የስተውዕሎ። ቅዱስ መጽሓፍውን ዕዝኒ ዘላቶ ይስማዕ እዩ ዝብል! 

በረኸቶምን ረድኤቶምን ኣይፈለየና።

Comments

  1. ቃል ህይወት የስምዓልና ሓወይ ግን ኣብ ክንደይ ዕድምኦም ዓሪፎም

    ReplyDelete

Post a Comment

Popular posts from this blog

ገድሊ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ፡

ታሪኽ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ

ታሪኽ ቅድስት ማርታ