gedle abew

ገድሊ ቅዱስ ኤስድሮስ ሰማእት

   በስመ ኣብ  ወወልድ ወመንፈስ  ቅዱስ  ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን!

 ኤስድሮስ  ሰማዕት  ኣቡኡ  በድላኦን ኣዲኡ ሶፉያ ይበሃሉ። ትውልዲ ዓዱ ከኣ ኣንጾኪያ እዩ። ስድራቤቱ ንእግዚኣብሔር ዝፈርሑ ንሰባት ዘኽብሩ  ለዋሃትን ርህሩሃትን ክርስቲያን እዮም ነይሮም። ኣቡኡ በድላኦን  ናይ ንጉስ ዲዮቅልጥያኖስ ሓለቓ ወተሃደራት  ነበረ።

ዓላዊ ንጉስ ዲዮቅልጥያኖስ ኣብ 20 ዓመት ዘመን ንግስነቱ  ንጣዖታት ስገዱ እና በለ ንቡዙሓት ክርስቲያን ኣዝዩ ብዙሕ ኣሰቃቒ  ግፍዕታት ክፍጽም ጀመረ። ነዚ ክፉእ ተግባራት ናይ ንጉስ  ዝተዓዘበ  በድላኦን  “ኣነስ  ንፈጣርየይ ክሒደ ንጣዖት ሰጊደ ኣይነብርን” ብምባል ንሰበይቱን  ንወዱ  ኤስድሮስን ንኣፎምያ ጓሉን ሒዙ  ናብቲ ብዙሓት ክርስቲያን ካብ ኣምልኾ ጣዖት ሃዲሞም ተቐሚጠምሉ ዝነበረ ቦታ ከዱ። ምስኣቶም ከኣ  ተጸንበሩ። እንተኾነ በዚ ነገር ኣዚ ዝጓሃየ ንጉስ ሓሙሽተ ሚእቲ ዝኣኽሉ ወተሃደራት  ልኢኹ  ብሓይሊ ከምጽእዎም ኣዘዘ።

ኣብ ቅድሚ ንጉስ ምስ ኣብጽሕዎም ከኣ ብብዙሕ ምፍርራሕ ናብ ጣዖት ክሰግዱ ግዲ በልዎም። እንተኾነ  ኣዝዮም እኳ ድኣ ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ተረኽቡ። ንጉስ  ንበድላኦን  ስለምንታይ ከምዚ ገበርካ  ክብል ሓተቶ። ንሱ ከኣ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዙሕ ክፉእ  ነገር  ስለ ዝገበርካ  በዚ ነገር ገዲፍናካ” ክብል መለሰሉ። በዚ  ዝሓረቐ  ንጉስ “ክሳዱ ብስሕለት ሴፍ ቁረጽዎ” ክብል ትእዛዝ  ኣመሓላለፈ። እቶም ወተሃደራት ድማ ከምቲ ዝተኣዘዝዎ ገበሩ። ኣብ እምነት ጸኒዑ ዝተረኽበ  በድላኦን  ብኽብሪ ብሰማእትነት ዓረፈ።

ኤስድሮስ  በዚ ሰዓት እዚ ወዲ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ነበረ፡ እቲ ንጉስ “ዝፈልጦ የብሉን፡ህጻን እዩ” ኢሉ ምስ ኣዲኡን ሓፍቱን ብሓባር ወሰዶም። እንተኾነ ንሱ እውን  ከም ኣቡኡ ኣብ እምነቱ ጽኑዕ ኮይኑ ድኣ ተረኽበ እምበር ናብ ጣዖት ክሰግድ ንኣምላኽ ክኽሕድ ኣይተራእየን። ሕጂ እውን ንጉስ ዲዮቅልጥያኖስ ኣዝዩ ስለ ዝሓረቐ  ናብ ቤት ማእሰርቲ ክወስድዎን ኣጽንኒዖም ክሕልውዎን ኣዘዘ። ንሓሙሽተ ዓመታት ዝኣክል ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሓየርዎ። ብድሕርዚ ብሓጺን ኣሲሮም ናብ ንጉስ ኣምጽእዎ እሞ ሕጂ እውን ኣብ እምነቱ ጽኑዕ ምዃኑ ዘስተባህለ ንጉስ “ሕጂኸ ልብኻ ኣይፈርሐን! ናብዚ ኣምልኾ እዚ ኣይትምለስን !” ክብል ብምግራም ሓተቶ። እንተኾነ ኤስድሮስ “ ንፈጣሪ ዝኸሓደ፡ ንጣዖት ዝሰገደ  ይመለስ እምበር  ኣነስ ፈጣርየይ ፈሊጠ ሃይማኖተይ ሓልየ ዝነብር እየ” ክብል መለሰሉ። ዘረብኡ ተቐባልነት ዝሰኣነ ንጉስ፡ ኣብ  ዕንጸይቲ ሰቒሉ ደሙ ከም ውሕጅ ክሳዕ ዝዛሪ ስጉኡ ክሳዕ ዝቋራረጽ ኣሰቃቒ ግፍዒ ኣውረደሉ። ነዚ ዝረኣየት ኣዲኡ ካብ ደም ናይ ወዳ እና ሓፈሰት “ንስኻ ርጉም ኢኻ፡ ካብ ኩሉ ፍጥረት ክፉእ ኢኻ” እና በለት ተዛረበት። ሓፍቱ ኣፍምያ ከኣ ኣእማን እናዓለት ንንጉስን ነቶም መኳንንቱን ሃረመቶም። ሕጂ’ውን በዚ  ዝተቖጥዐ ንጉስ  ንኽልቲኤን  ፍርቂ ሰብነተን ብስሕለት ሴፍ ከም ዝቑረጻ ገበረ። በቲ ቀዳማይ ተግባሮም ስለዘይዓገቡ፡ ግፍዖም ብምቕጻል ንኤስድሮ’ውን ሰብነቱ ጓህሪ ናይ ሓዊ ደፍእሉ፡ መዓንጥኡ  ጎጥጒጦም ከኣ ኣውጽእዎ፣ንኣሞራን ንኣራዊት መታን ክኸውን ከኣ  ገዲፈሞ ከዱ። እንተኾነ እቲ ንኹሉ ዝገዝእ ኣምላኽ ሕያው ገይሩ ኣተንስኦ። ነቲ ካብ ሞት ዘተንስኦ ኣምላኽ እና ኣመስገነ ከኣ ናብ ንጉስ ከደ። በቲ ዝተፈጸመ ድንቂ ተኣምር ዝሰንበደ ንጉስ  ሕጂ እውን ካብቲ ሕሉፍ ታሪኹ ክመሃር ኣይተራእየን እኳ ድኣ መሊሱ  “ኣብ ዓራት ሓጺን ኣደቂስኩም ኢዱን እግሩን ኣሲርኩም፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ዓራት ከኣ ሓዊ ኣንዲድኩም ከም ዝመውት ግበርዎ”  ዝብል ትእዛዝ ናብ ወተሃደራቱ ለኣኸ። ወተሃደራቱ ከኣ ዝተኣዘዝዎ ትእዛዝ ፈጸሙ።  ሕጂ’ውን  እቲ ኣብ ሞትን  ሕይወትን  ስልጣን ዘለዎ እግዚኣብሔር ዳግም ካብ ሞት ኣተንስኦ ከምቲ ዝነበሮ ሕያው ኮይኑ ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ዳግማይ  ጠጠው በለ። ሕጂ’ውን እቲ ኣዝዩ ብጭካንኡ  ዝልለ ንጉስ፡ ኣብ ሓጺን ኣሲሮም ሕማቕ ነገራት እና ገበሩ ከሳቕይዎ ኣዘዘ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ብስሕለት ሴፍ  ክሳዱ ቆረጾ። ሕጂ’ውን ነታ ዝፈጠራ ሕይወት ሕያው ገይሩ ከቑማ ዝኽእል በይኑ እግዚኣብሔር ስለ ዝኾነ፡ ከም ብሓድሽ  ሕያው ገበሮ። በዚ ግዜ እዚ 800  ሰባት ብኣምላኽ ኣመኑ። “ብኣምላኽ  ኤስድሮስ ኣሚና ኣሎና” ስለ ዝበሉ ጥራሕ ከኣ ኩሎም ብስሕለት ሰይፊ ሰየፎም። ቀጺሉ እቲ ንጉስ ንራብዓይ ግዜ ንኤስድሮስ  ዓቢ እምኒ ኣሲሩ ኣብ ባሕሪ ደርበዮ።እንተኾነ ቅዱስ እግዚኣብሔር  ነቲ ሓይል መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ሰዲዱ ካብ ሞት ኣድሓኖ። ብድሕሪኡ እውን ብተደጋጋሚ ብዝተፈላለዩ ሜላታት ከትፍኦ ፈቲኑ ስለ ዘይሰለጦ  “ኣናብስ ይበልዕዎ ይኾኑ” ብምባል ኣናብስ ክበልዕዎ  ኣሕሊፉ ሃቦም። ሕጂ’ውን ንነቢይ ዳንኤል ካብ ኣፍ ኣናብስ ዘውጽአ ኣምላኽ፡ ኣፍ ኣናብስ ዓጽዩ ከም ዘይበልዕዎ  ገበረ። ንሳቶም እውን ገለ እኳ ኣይጎድእዎን። ቀጺሉ ስጋኡ በበንእሽተይ እና ቆረሱ   ከሳቕይዎ  ኣዘዘ ከም ብሓድሽ ከኣ ናብ ባሕሪ ኣእተውዎ። እዚ ገይሮም እውን ክሰልጦም ኣይተራእየን መሊሱ  ድኣ ሕያው ኮነ እምበር፣፡ ቅዱስ  እግዚኣብሔር ወልድ  ምስ ቅዱስ ሚካኤልን ምስ ቅዱስ ገብርኤልን መጺኡ ካብቲ ዝነበሮ ኣሕውዩ ኣተንስኦ።

ነዚ ኩሉ ፈቲኑ ዘይተዓወተ ንጉስ  ዝገብሮ ጠፍኦ ኣዝዩ ከኣ ሓፈረ። እንታይ ከም ዝገብር ከኣ ምስ መካንንቱ ተማኸረ። ኣሲሩ ከኣ ናብ ሰሎንቅያ ሰደዶ፡ ናይቲ ከተማ መኮንን ከኣ ካብ ነዊሕ ግዜስለ ዝፈልጦ ምሕረት ገበረሉ።  ምሕረት ከም ዝተገብረሉ ዝረኣየ ንጉስ  ዳግም ናብኡ ክምለስ ኣዘዘ ንሓደ ዓመት መመላእታ ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝቕመጥ ገበረ። ኤስድሮስ ግን ብጾም ብጸሎትን ንነፍሱ እና ኣድከመ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር ነበረ። ንብዙሓት እውን ኣብቲ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ትምህርቲ ክርስትና መሃሮም ብዙሓት ድዉያን ከኣ ኣሕወየ።

ኣብ መጨረሽታ እምበኣር ሕጂስ መከርኡ ይጸንዕ ይኸውን ብምባል ብበላሕቲ መሳምር ሸንኪሩ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ መስቀል ከም ዝስቀል ገበረ። ድሕሪ ናይ 18 ዓመታት ድኻምን መከራን እምበኣር ቅዱስ ኤስድሮስ በዚ ዕለት እዚ ብሰማእትነት ዓረፈ።

                                 ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኩላትና ይኹን።ኣሜን!

                                    

                              ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

                             ወለወላዲቱ ድንግል

                              ወለመስቀሉ ክቡር

                                ኣሜን!

                ስንክሳር  19 ግንቦት

Comments

  1. ኣሜን ኣሜን ኣሜን ቃል ሂወት የእስምዓልና ኣምላክ ጸግኡ የእብዝሓልኩም ኣምላክ ክምቶም ምእንቲ እምነቶም ጽኑዓት ኮይኖም ዝተረከቡ ኣብ እምነትና የእጽንዓና ብረከቱን ጸለቱን ናይ ቅዱስ ኤስድሮስ ምስ ኩልና ህዝበ ክርስትያን ይኩን ኣሜን

    ReplyDelete

Post a Comment

Popular posts from this blog

ገድሊ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ፡

ታሪኽ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ

ታሪኽ ቅድስት ማርታ