gedle abew

ፓፓ ናታለ

ቅዱስ ኒቆሌዎስ ሓቀኛ ባባ ናታለ

ሊቃዉንቲ ኣቦታት “ፈቃር”፡ “ትሑት”፡ “ኣቦ ድኻታት”፡ “ኣቦ”፡ “ሕያዋይ”. . ብምባል ይጠቕስዎ። ንብዙሕ ሰናይ ተግባራት ዘማልአ ኣቦ፣ ሳሕቲ`ዩ ዝርኸብ፣ ሓደ ካብዞም ዉን ቅዱስ ኒቆሌዎስ ሊቀጳጳስ ዘሚራ እዩ። ህጻናትን፣ ታሪክ ቅዱሳን ዘይፈልጡ ምእመናን ግና ብ “ባባ ናታለ” ወይ ዉን ብ “ኣቦ ናይ ክርስማስ” /Father of Christmas/ ብምባል ይዝክርዎ። ልዕሊ ዂሉ ግና ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ዝዝኸረሉ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣለዎ። እዚ`ቦ`ዚ ንክርስቶስ ካብ ዝነበሮ ቅንኢ ተበጊሱ፣ ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ንኣርዮስ ምስ ረኸቦ፣ ብቦክሲ ጌሩ ኣላዲዱ ከም ዝሓደጎ ይንገር። 

ዘመን ህጻንነቱ

ኒቆሌዎስ ካብ ክልተ ሰናይ ኣካይዳ ዝነበሮም ጽኑዓት ክርስቲያናት ወለዲ፣ ኣብ መወዳእታ 3ይ ክ/ዘ ዝተወልደ ኮይኑ፣ ኣብኡ ኤጲፋንዮስ፣ ኣዲኡ ዉን ታና ይበሃሉ። እዞም ክልተ ሰብ ሓዳር፣ ኣብ ጐይታ ሙሉእ እምነት ዝነበሮም፣ ንድኻታት ዘፍቅሩ፣ ኣዝዮም ሃባታማት ነበሩ፣ ኮይኑ ግና ዉላድ ኣይነበሮምን። ስሞም ዘጸዉዕ፣ ሃብቶም ዝወርስ ዉላድ ብዘይምርካቦም ዉን ቀጻሊ፣ ንኣምላኽ ይልምኑ ነበሩ። ሰማዒ ጸሎት፣ ርህሩህን ፈቃርን ዝዀነ እግዚአብሔር ኣምላኽ፣ ጸሎቶም ሰሚዑ፣ ኣብ ግዜ እርግንኦም ነዚ ቅዱስ ዉላድ ሃቦም። መጽሓፍ ቅዱስን ትዉፊትን ከምዝነግረና ብብዝሒ ጸሎት ዝዉለዱ ህጻናት ቅዱሳትና ብሩኻትን እዮም። ሳሙኤል፣ ድንግል ማርያም፣ ኣቡነ ተክለሃያኖት.. ብዝሓት ካልኦትን ብብዝሒ ጸሎት ወለዶም ዝተወልዱ፣ ፍረ ነዊሕ ጸሎት እዮም። ዝተወልደላ ከተማ ፓታራ ትበሃል። ናይዛ ዓዲ ጳጳስ ዝነበረ ኒቆሌዎስ ይበሃል፣ ሓወቡኡ ንኒቆሌዎስ ዉን እዩ። ስሙ ዉን ካብዚ`ዩ ተወሲዱ። ኒቆሌዎስ ካብ ርኹባት ወለዲ ስለዝተወልደ፣ ብጽቡቕ ኣተዓብባብያ፣ ዝጎደለ ዘይብሉ፣ ብኣካዲያሚካዊ ትምህርቲ ዉን ኣብቲ ግዜ ዝነበረ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዝቐሰመ ነበረ። ካብ ሓወቡኡ ድማ ኩሉ ክርስቲያንዊ ስነምግባርን፣ ቅዱሳት መጽሃፍትን ተማህረ። ዘጽንዖ ዘይረስዕ፣ ዝተማህሮ ዘስተዉዕል፣ ኣዝዩ በሊሕ ነበረ፣ ዝያዳ`ቶም መማህራን ዉን ካብ መንፈስ ቅዱስ ብቐጥታ ዝመሃሮ ይበዝሕ ነበረ። ሓወቡኡ ንኒቆሌዎስ፣ ንኹሉ ኣካይድኡ የስተዉዕለሉ፣ በቲ ክርስቲያናዊ ኣካይድኡ ዉን ኣዝዩ ይሕጐስ ስለዝነበረ፣ ዲቁና ማዕረግ ከም ዝቕበል ገበረ። ኣብ ከምዚ እዋን ዉን ወለዱ ብሞት ዓረፉ።
ኒቆሌዎስ ድሕሪ ሞት ወለዱ፣ ዓለም መኒኑ ናብቲ ሓወቡኡ ዝመርሓ ዝነበረት ገዳም ኣትዩ ቆቢዕ ሙንክስና ደፍአ፣ ወዲ 19 ዓመት ምስ ዀነ ዉን ስልጣነ ክህነት ተቐበለ። ኣብ ገዳም ብዝነበሮ ናይ ብሕትዉና ትግሃት፣ ናይ ጸሎት ህይወት፣ ናይ ስነ ምግባር ብስለትን፣ ናይ መንፈሳዊ ህይወት ገድሉን፣ ኣብቲ ገዳም ኣዝዩ ፍቱው ሰብ ንኽከዉን ኣኽኣሎ። 
ኒቆሌዎስ ካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ ንቅድስት ሃገር እስራኤል ክበጽሕ ትምኒት ነበሮ፣ ስለዚ ዉን ናብ ሃገረ ኢየሩሳሌም ጉዕዞ ተበገሰ። ኣብ መንገዲ እንከለዉ ድማ፣ ብርቱዕ ማዕበል ተላዕለ፣ ነታ ዝነበርዋ መርከብ ዉን ክሰብራ ፈተነ። ሽዑ እቲ ትሑት ጓሳ ኔቆሌዎስ፣ ናብ ኣምላኽ ጸሎት ብምቕራብ፣ ብሓይሊ ጐይታ ንማዕበል ከምዝሃድእ ገበረ።

ጳጳስ ዘሚራ

ኣብ ቅድስት ሃገር ብብሕትዉና ክነብር ምስ ጀመረ ድማ፣ ጐይታ ብራእይ ተገሊጹ፣ ብጉስነት ከገልግሎ ከምዝሓረዮ ስለዝገለጸሉ፣ ናብታ ዝተወለደላ ሃገር ንኢሽተይ ኤስያ ክምለስ ብራእይ ነገሮ። ኣብዚ ግዜ`ዚ ቅዱስ ኒቆሌዎስ፣ ብጸሎት፣ ጾም፣ ትዕግስቲ፣ ብሕትዉና፣ ስብከተ ወንጌል፣ ተኣምራት ምግባር ዝኣመሰሉ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝመልኦ እኹል ሰብኣይ ኮይኑ ነበረ። 
ናብ ንኢሽተይ ኢስያ ተመሊሱ ብብሕትዉና ብጾም ብጸሎትን ንእግዚአብሔር የገልግል እንከሎ ኸኣ፣ ብሕልሙ መንበር ይርኢ እሞ፣ ወሲዶም ኣብኡ ኮፍ ኣቢሎም፣ ናይ ጳጳሳት ክዳን ይኸድንዎ፣ ሽዑ ሓደ ከምዚ ዝብል ድምጺ ዉን ሰምዐ “ነዚ ተኸደን እሞ ኣብዚ መንበር ኮፍ በል”። ነዚ ኣብ ዝሓለመሉ ግዜ ድማ፣ ናይ ሚራ ጳጳስ ቅዱስ ዮሃንስ ዓረፈ። መተካእትኡ ዝኸዉን ኣብ ምሕራይ ዉን ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖት ምስ ሊቀ ጳጳስ ብጸሎት ሓቢሮም ተኣኸቡ። 
ሽዑ በታ ለይቲ እቲኣ፣ ነቲ ሊቀ ጳጳስ መልኣከ እግዚአብሔር ተገሊጹ፣ ጐይታ ነዚ መንበር ዝኸዉን ሰብ ከምዚ ሓረየ፣ ስሙን ተግባሩን ብምንጋር፣ ኣንጊሁ ኣብ ቤተክርስቲያን እንድሕሪ ከይዱ፣ ቅድሚ ኩሉ ሰብ ዝረኽቦ፣ንሱ ምዃኑ ነገሮ። እቲ ሊቀ ጳጳስ ድማ ኣንጊሁ ቅድሚ ሰብ ተንሲኡ ናብ ቤተክርስቲያን ኸደ፣ ኣብኡ ድማ ቅድሚ ኲሉ ሰብ ኒቆሌዎስ ኣብታ ቦታ ኮይኑ ክጽሊ ረኸቦ፣ ቀሪቡ ድማ መንነቱ ሓተቶ፣ ካብ ትሕትና ዝኣኽል ስሙ ክነግር እኳ እንተዘይደለየ፣ ንሊቀ ጳጳስ ዝኣኽል መልሲ ዘይምሃብ ግና ካልእ በደል ኮይኑ ስለዝተሰምዖ ቀሰይ ኢሉ ስሙ ነገረ። በዚ ድማ `ቲ ሊቀ ጳጳስ ናይቲ ዝረኣየ ሕልሚ ሓቀኝነት ኣረጋገጸ። ንኹሎም መራሕቲ ሃይማኖት ድማ፣ ኣምላኽ ባዕሉ ዝመረጾ ሰብ ኣብ ማእኸልና ተረኺቡ ኣሎ`ሞ፣ ደጊም ኒቆሌዎስ ናይ ሚራ ጳጳስ ክኸዉን ከምዝተመርጸ ንህዝቢ ኣበሰሮም። ቅዱስ ኒቆሌዎስ ድማ ናይ ሚራ ጳጳስ ክኸዉን ተቀብአ፣ በዚ መንበረ ጵጵስንኡ`ዩ እምበኣር “ቅ.ኒቆሌዎስ ዘሚራ” ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ቅ.ኒቆሌዎስ ህዝቢ ብምስትምሃር፣ ንሓጢኣተኛታት ብምንዛዝ፣ ንድኹማት ብምርዳእ፣ ንድኻታት ብምዕንጋል፣ ንወንጌል ብምስባኽ፣ ንመንፋቃን መልሲ ብምሃብ፣ ልዕሊ ዂሉ ግና ንሰባት ብምጽንናዕ፣ ዝፍለጥ ኣቦ ዀነ። በዚ ዉን “ኣቦ” ብምባል፣ ልክዕ ከም ወላዲ ኣቡኦም ዝጽዉዕዎ፣ ብዙሓት ነበሩ። ኣብዚ ግዜ ግና፣ ናይ ዲዮቅልጢያኖስ ዘመነ ንግስነት ኰነ። እዚ ንጉስ ዉን ኣዝዩ ርጉም፣ ንክርስቲያናት ዝጽልእ፣ ንምእመናን ዝቐትል ንጉስ ነበረ። ኣብ ሙሉእ ግዝኣት ሮም ዉን፣ ማንም ክርስቲያን ኣምልኮ ናብ ኣምላኽ ከየቕርቡ፣ ወንጌል ከይስበኽ፣ ጳጳሳት ክእሰሩ ኣዘዘ። በዚ ዉን ቅዱስ ኒቆሌዎስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣተወ። ወታህደራት ንጉስ ኸኣ እምነቱ ንክኽሕድ ብዙሕ ኣሳቐይዎ፣ ኮይኑ ግና ብእምነቱ ጸኒዑ፣ ምእንቲ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክብል ብዙሕ መኸራ ተቐበለ፣ ብዙሕ ስቓይ ዉን ኣብ ነበሱ ወረደ። `ዚ ቅዱስ ኣቦ ግና፣ መከርኡ ከይጸብጸበ ንህዝቢ ኣብ ምምዓድን፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ መልእኽቲታት ብምሳዳድን ንህዝቡ ኣብ ምጉሳይ ቀጸለ።
ድሕሪ ነዊሕ ድማ፣ ቆስጠንጢኖስ ጻድቕ ንኲናት ስዒሩ፣ ናይ ሮም ንጉስ ኮነ። እዚ ጻድቕ ንጉስ ድማ ንዂሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ክርስቲያናት ንክፍትሑ ኣዘዘ። ዳርጋ ኲሎም መራሕቲ ጳጳሳት ብሰማእትነት ዓሪፎም ኔሮም፣ ገለ ዉሑዳት ከም ቅ.ኒቆሌዎስ ዝኣመሰሉ ግና መሊሶም ንህዝቢ መጸናንዒ ክኾኑ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብህይወት ተሪፎም።
ንነዊሕ ዘመን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዙሕ መኸራ ድሕሪ ምቕባሉ ድማ፣ ናብ መንበሩ ተመሊሱ ንህዝቡ ብብዙሕ ጸጋ የጸናንዖም ነበረ። ኣጋንንቲ ብምዉጻእ፣ ሕሙማት ብምፍዋስ፣ ልሙሳት ብምቕናዕ፣ ብብዙሕ ተኣምራት፣ ክብሪ ኣምላኽ የርእዮም ነበረ። በዚ ዉን “ቅ.ኒቆሌዎስ ገባሬ ተኣምራት” ኢላ ብካልኣይ ሽም ቤተክርስቲያን ትጽዉዖ።

 ኣርዮስን ኒቆሌዎስን

ኣብ ከባቢ 325 ዓም ኣርዮስ “ኢየሱሱ ክርስቶስ ምስ ኣብ ማዕረ ኣይኰነን፣ ካብ ኣብ ይንእስ እዩ” ኢሉ ክሰብኽ ምስ ጀመረ። ንዑ ንምዉጋዝ ኲሎም መራሕቲ ኣቦታት ኣብ ኒቅያ ተኣከቡ፣ ኒቆሌዎስ ዉን ምስኦም። ኣብቲ ጉባኤ ድማ፣ ኒቆሌዎስ ንኣርዮስ ፊት ንፊት ብኣኻል ረኸቦ`ሞ፣ “ንስኻ ዲኻ ወልድ ምስ ኣብ ማዕረ ኣይኰነን ዝበልኻ” ብምባል ሓተቶ፣ ንሱ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጸ ዉን፣ ኣብ ገጹ ከም ዝጸፍዖ ታሪክ ይሕብረና። ሓደ ካህን ወይ ዲያቆን፣ ፍጹም ኢዱ ወስ ኣቢሉ ሰብ ክሃርም ኣይፍቀዶን እዩ፣ ስለዚ በዚ ምኽንያት ድማ፣ ኲሎም እቶም ኣብ ኒቅያ ተኣኪቦም ዝነበሩ ጳጳሳት ንኒቆሌዎስ ካብ ጵጵስንኡ ክኣልይዎ ወሰኑ። በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ፣ ቅ.ኒቆሌዎስ ራእይ ይርኢ፣ ጐይታ መጺኡ ወንጌል ይህቦ፣ ወላዲተኣምላኽ ድንግል ማርያም ድማ ክዳን ናይ ጵጵስንኡ ትኸድኖ፣ ሽዑ ነቲ ቃል ኣምላኽ ከይፈርሐ ክሰብክ ይነግሮ። ነዚ ራእይ ንሱ ጥራይ ዘይኰነ፣ ካብቶም ንዑ ካብ ስልጣን ክኣልይዎ ኢሎም ዝተኣኸቡ ኣቦታት ዉን ተራእዮም። ጐይታ ዉን “ኒቆሌዎስ ንዓይ ካብ ዘለዎ ክቱር ፍቕሪን ክብሪን እምበር፣ ብክፍኣት ኣይኰነን ኢዱ ወስ ዘበለ” ብምባል ስለዝገለጸሎም፣ ነቲ ዉሳኔ ገዲፎም፣ ብንስሓ ጥራይ ከም ዝፋነዉዎ ይንገር። ኣብቲ ናቱ ስእሊ ዉን ብጎኑ ጐይታ ወንጌል ሒዙ፣ ድንግል ማርያም ድማ ክዳን ሒዛ ይሰኣል።

ሓቀኛ ባባ ናታለ

ቅዱስ ኒቆሌዎስ ብብዙሕ ተኣምራትን፣ ብብዙሕ ካልእ ነገራትን ዝዝኸር እኳ እንተዀነ፣ ልዕሉ ኲሉ ግና በዛ ናይ ልግሲ ባህሪኡ ይፍለጥ። ኣብ ስንክሳር ታሕሳስ 10 ተመዝጊቡ ከም ንረኽቦ፣ ኣብታ ሃገር ሓደ ሰለስተ ኣዋልድ ዝነብርኦ፣ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ሃብቱ ግና ኲሉ ስለዝጠፍአ፣ መሊሱ ናብ ድኽነት ኣተወ። ንሰለስተ ኣዋልድ ደቁ ብመርዓ ንምፍናው ክሳብ ዝሰኣኖ ዉን፣ ኣዝዩ ድኻ ኰነ። ገንዘብ ዝረኽበሉ መዳይ ክሓስብ ዉን ጀመረ፣ ሽዑ ሰይጣን ናብ ልቡ ኣትዩ፣ ነተን ኣዋልድ ደቁ ዘምየን ገንዘብ ከምጽኣ፣ ሓሳብ ኣእተወሉ።
እግዚአብሔር ኣምላኽ ነዚ ሓሳብ ንኒቆሌዎስ ገለጸሉ። ቅ.ኒቆሌዎስ ድማ ደቁ ብዝሙት ሓጢኣት ከይረክሰን ብምባል፣ ብሰክዔት ሚእቲ ዲናረ ወርቅ ጌሩ፣ በለይቲ ሰብ ከይረኣዮ፣ ናብቲ ገዛ ብመስኮት ደርበዮ። ሰብኣይ ንግሆ ምስ ተንስአ ነቲ ገንዘብ ረኸቦ፣ በዚ ዉን ኣዝዩ ተሓጎሰ፣ ነታ ቦኽሪ ጓሉ ድማ ብቅዱስ መርዓ ኣፋነዋ። መሊሱ ዉን ነታ ካልአይቲ መመርዓዊ ምስ ሰኣኖ፣ `ዚ ቅዱስ ኣቦ፣ ብለይቲ መጺኦም፣ ብሰክዔት 100 ዲናረ ወርቂ ናብ ገዝኡ ኣእተወሉ። በዚ ገንዘብ ድማ ነታ ካልአይቲ ጓሉ ብመርዓ ኣፋነዋ። ነታ ሳልሰይቱ ጓል ከመርዕዋ ምስ ሓሰበ ድማ፣ ነዚ ገንዘብ ዝስንድወሉ መን ምዃኑ ከረጋግጽ፣ ነቲ መስኮት ዓጽዩ፣ ብግዳም ኮይኑ ክኸታተሎ ጀመረ። 
ቅ.ኒቆሌዎስ ድማ መጺኡ ከም ልማዱ ነተን ሚእቲ ዲናረ ወርቅ ብሰክዔት የእይትዩ፣ ናብቲ ገዛ ክድርብዮ ሓሰበ፣ ኮይኑ ግና መስኮት ተዓጽኡ ነበረ። ኣብቲ ግዜ`ቲ ግዜ ቁሪ ስለዝነበረ ክዳን ኣብ ጥቓ ሓዊ ጌሮም የንቅጹ ነበሩ። ቅ.ኒቆሌዎስ መእተዊ ምስ ሰኣነ ድማ፣ በቲ ናይቲ ገዛ መዉጽኢ ትኺ ነቲ ገንዘብ ደርበዮ፣ እቲ ገንዘብ ድማ ኣብ ትሕቲ ናይቲ ሓዊ ዝግበረሉ መዉዓዪ ገዛ ረኸብዎ። ክጸናጸን ዝጸንሐ ሰብኣይ ዉን መን ምዃኑ ክፈልጥ ጎዩ ኣርከቦ፣ እቲ ሕያዋይ ጳጳስ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ዉን፣ ካብ ዓቢ ሓጢኣት ስለዘድሓኖ ብዙሕ ኣመስገኖ። ቅ.ኒቆሌዎስ ግና፣ ንኣምላኽ እምበር ንሱ ምስጋና ከምዘይግብኦ፣ ኣምላኽ ነቲ ሓሳብ ኣብ ልቡ ከምዝገለጹ ነገሮ፣ ካብ ሓጢኣት ንክዕቀብ ዉን መዓዶ።

ባባ ናታለ እንዳተባህለ፣ ኣብ ግዜ ቅነ ልደት ንህጻናት ህያብ ይህብ፣ ብለይቲ መጺኡ ብካልሲ ጌሩ ኣብ ጥቃ መዉዓዪ ሓዊ ይገድፎ፣ እንዳተባህለ ዝንገር ጽዉንጽዋይ ዝመስል ታሪክ መበገሲኡ እምበኣር እዚ ታሪክ ናይ ቅዱስ ኒቆሌዎስ እዩ።

ፍልሰተ ኣጽሙ

እምበኣር በዚ ዂሉ ተኣምር፣ ሕያዉነት፣ ንኣምላኹ ድሕሪ ምግልጋል ብሰላም ታሕሳስ 10 ኣብ 346 ዓም ዓረፈ። ኣብ ሚራ ብስሙ ኣብ ዝተሃንጸ ቤተክርስቲያን ዉን ተቐብረ። ኣብ ዓሰርተ ሓደ ክ/ዘ ባርባራዉያን ነታ ከተማ ክወርዋ ምስ ተበገሱ ግና፣ ሊቀ ጳጳስ ናይ ሮም ዝነበረ፣ ዓጽሚ ናይዚ ቅዱስ ኣቦ ናብ ባሪ-ጣልያን ከም ዝሰጋገር ገበረ። ክሳብ ሕጂ ድማ ዓጽሙ ኣብ ባሪ እትበሃል ከተማ ዓዲ ጥልያን ይርኸብ። ስብሓት ለኣብ፣ ስብሓት ለወልድ፣ ስብሓት ለመንፈስ ቅዱስ፣ ጸሎቱን በረኸቱን ናይ ቅዱስ ኒቆሌዎስ ምስ ኲልና ይኹን።  
ምንጪ፦ ስንክሳር ታሕሳስ 10፣  
ካብ ፍኖተ ኣትናቴዎስ ብሎገር ዝተወስደ ጽሑፍ

Comments

Popular posts from this blog

ገድሊ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ፡

ታሪኽ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ

ታሪኽ ቅድስት ማርታ