Gedle abew
Posts
Showing posts from 2017
gedle abew
Popular posts from this blog
ገድሊ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ፡
ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን! ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሃገሮም ኣብ ንሂሳ ዝተባህለ ዓዲ ናይ ሃገረ ግብጺ ኢዩ። ኣቡኦም ስምዖን ኣዲኦም ድማ ኣቅሌስያ ይበሃሉ። እዞም ክልተ ናይ እግዚኣብሔር ሰባት ብዘይ ውላድ ንሰላሳ(፴) ዓመታት ብፍቕርን ብስኒትን ተቐመጡ። ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ኣቅሌስያ ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር ኣትያ ኣብ ቅድሚ ስእሊ ቅድስት ሥላሴ ወዲቓን ክትጽልን ክትልምንን ከላ “ንሥኢ ወልደ ዘይትሌዑል ቀርኑ አምኑኅ ሰማይ፡ ክብሩ ካብ ናይ ሰማይ ክብሪ ዝበልጽ ወዲ ህንኪ ተቐበሊ” ዝብል ድምጺ ሰምዐት። በዚ ምኽንያት ከኣ ቅዱስ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ፳፱/29 መጋቢት ተጠኒሶም ፳፱/29 ታሕሳስ ተወልዱ። ዓይኒ ቋሕ ካብ ዝበለሉ ግዜ ካብ ምርኣይ ከምዘይ ዓርፍ፡ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ድማ ልክዕ ካብ ማህጸን ኣዲኦም ካብ ዝወጹላ ግዜ ኣፎም ከፊቶም “ስብሐት ለኣብ፡ ስብሐት ለወልድ፡ ስብሐት ለመንፈስ ቅዱስ ዘአውጻእከኒ እምጽልመት ውስተ ብርሃን” እናበሉ ወትሩ ንእግዚኣብሔር እና ኣመስገኑ፡ ምድራዊ መብልዕ ከይበልዑ፡ ምድራዊ መስተ ከይሰተዩ፡ ንምስጋና ተጊሆም ብምንባሮም ንመላእክት ይመስሉ። ኣብ መበል ሰለስተ ዓመቶም ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ካብ እግዚኣብሔር ተኣዚዙ ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሑቕፊ ኣዲኦም ወሲዱ ናብ ሻውዓይ(7ይ)ሰማይ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣቕረቦም’ሞ እግዚኣብሔር ድማ ባረኾም። ኣስዒቡ ናብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ናብ ኣብ ገነት ዝርከቡ ኩሎም ቅዱሳንን ወሰዶ እሞ ንሶም ውን ባረኽዎም። ብድሕሪ እዚ እቲ መልኣኽ ናብ ሓደ መነኮሳት ዘለውዎ ገዳም ወሲዱ ኣብ ወጻኢ ኣቐመጦም። ናይቲ ገዳም ኣበምኔት ኣባ ዘመደ ብርሃን ምልክት ተነጊርዎም ስ...
ታሪኽ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ
ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ (፫፻፮-፫፻፸፫) 306-373 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን። ቅዱስ ኤፍሬም ናይ ቅዱስ ያዕቆብ በዓል ንጽቢን ተማሃሪ ነበረ።ቅዱስ ያዕቆብ ካኣ ቁጽሩ ካብቶም ንኣርዮስ ዝወገዘኡ ፫፻፲፰(318)ን ኣቦታት ሊቃውንቲ ኢዩ።ንኣርዮስ ኣውጊዞም ክሕደት ደምሲሶም ሃይማኖት መሊሶም ክምለሱ ከለዉ ኣብቲ ዝኃደርዎ ቦታ ቅዱስ ኤፍሬም ዓምዲ ብርሃን ተተኺሉ ካብ ምድሪ ክሳዕ ሰማይ ዝበጽሕ ብሕልሚ ይርኢ ትርኢቱ ከም ዝገለጽካለይ መን ምዃኑ ግለጸልይ ኢሉ ናብ ልዑል እግዚኣብሔር ስለ ዘመልከተ ዝተኣዘዘ መልኣኽ መጺኡ ባስልዮስ በዓል ቂሳርያ ኢዩ፡ንሱ ንቤተ ክርስቲያን ጽኑዕ ዓንዲ ኢዩ።ብስብከቱ ልቢ ደቂ ሰብ ናብ ብርሃን ዝልውጥ ኢዩ እሞ ፡ንቅዱስ ኤፍሬም ደግነቱን መንፈሳውነቱን ብራእይ ዝተገልጸሉ ምዃኑ ነገሮ። ቅዱስ ባስልዮስ’ውን ቁጽሩ ምስቶም ፫፻፲፰(318)ን ኣቦታት ሊቃውንቲ ኢዩ ግን ብእርጋን ወይ ብሕማም ምኽንያት ተሪፉ ወይ ካኣ በጺሑ ተመሊሱ ምዃኑ ኣይተፈልጠን ።ቅዱስ ኤፍሬም በዚ ስለ ዘይዓገበ ንቅዱስ ባስልዮስ ብዓይኑ ክርእዮ ደለየ እሞ ንመምህሩ ኣብ ቦትኡ ኣብጺሑ ስለ ሰለስተ ነገር ይኸይድ፡ ፩) ምስ ከምዚ ዝበሎ ኣቦ ምዝርራብ መንፈሳዊ ምስጢር ይርከብ ኢዩ። ፪) ብእዝኒ ዝሰማዕካዮ ብዓይኒ ርኢኻ ምርግጋጽ ስለ ዝግባእ ፫) እቲ ራእይ ናይ መንፈስ ቅዱስ ድዩ ወይስ ሰይጣን ኣታሊሉኒ፧ ብማለት ንቂሳርያ ከደ። ግናኽ ቅዱስ ኤፍሬም ከይዱ ንቅዱስ ባስልዮስ ከምቲ ዝረኣዮ ኮይኑ ኣይረኸቦን ፡ንሱስ ኣብ ወርቂ መንበር ተቐሚጡ ኣብ ወርቂ ኣትራንስ ወንጌል ወርቅ ዘርጊሑ ዘንጸባርቕ ካባ ደሪቡ ጽሩይ መጠምጠምያ ርእሱ ተወናኒሱ ሃሪ ዝመትኃዚኡ ግሩም ዝኾነ ወርቃዊ ጪራ ኂዙ ንምእመናን ክምህር ረኣዮ። በዚ ድማ “ወታ...
ታሪኽ ቅድስት ማርታ
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን። ኣብ ከተማ ደማስቆ ፡ጼዴንያ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢታት ሓንቲ ንእግዚኣብሔር እተኽብር ፍቕ ሪ ናይ ወላዲት ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝነበራ ሰበይቲ ነበረት። ስም እታ ሰበይቲ ማርታ ትበሃል።ኣብ ልዕሊ ቅዱሳንን እግዚኣብሔርንን ዝነበራ ፍቕሪ መግለጺ ዝኾነ ድማ ከምቲ ኣቦ ብዙሓት ዝተሰምየ ኣብርሃም ጋሻ ናይ ምቕባል ልምዲ ነበራ። ሕጊ ኣምላኽ ንምፍጻም ብዙሕ ግዜ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ሰባት ኣብ ቤታ ተቐቢላ ዘለዋ ትሕዝቶ ከም ዝቋደሱ ትገብር ነበረት።በዚ መንጽር ካኣ ኣባ ቴዎድሮስ ዝበሃሉ ኢትዮጵያዊ ናብታ ቅድስት ከተማ ኢየሩሳሌም ንምብጻሕ ካብ ዓዶም ተበጊሶም ኣብዚ ጼዴንያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ናይ ደማስቆ በጽሑ።ኣብ ቤት ማርታ ኣትዮም ካኣ ሓደሩ።ማርታ ፈታዊት ጋሽ ስለ ዝነበረት ከምቲ ኩሉ ግዜ እትገብሮ ብግቡእ ተቐቢላ ኣብ ቤታ ኣእትያ ከም ዘዕርፉ ገበረት።ንግሆ ምስ ኮነ ጉዕዝኦም ንምቕጻል ናብ ኢየሩሳሌም ተበገሱ ።ቅድሚ ምኻዶም ግና ልዑል ፍቕሪ ናይ ወላዲት ኣምላኽ ዝነበራ ማርታ ኣብ ምምላሶም ሉቃስ ወንጌላዊ ዝሰኣላ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ስእልን ካልእ ንዋየ ቅዱሳንን ገዚኦም ክማልኡላ ሓተቶም።ንሶም ድማ ገዚኦም ከምጽኡላ ብዛዕባ እቲ ገንዘብ ግና ምስ ተመልሱ ክትህቦም ከም ዘለዋ ነጊሮም ጉዕዞም ናብ ኢየሩሳሌም ተበገሱ። ጉዕዝኦም ወዲኦም ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም በጽሑ ዝሓሰብዎ ኩሉ ፈጺሞም ብዙሕ ንዋየ ቅዱሳት ተማሊኦም ካኣ ናብ ደማስቆ ገጾም ተበገሱ፡እንተኾነ ስእሊ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ክማልኡላ ሓደራ ዝበለቶም ረሲዖማ ነበሩ እሞ ለምንት ረሳዕከ ዘትብለከ ዛቲ ብእሲት እታ ሰበይቲ ሓደራ ዝበለትካ ስለምንታይ ረሳዕካዮ፧...