ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን! ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሃገሮም ኣብ ንሂሳ ዝተባህለ ዓዲ ናይ ሃገረ ግብጺ ኢዩ። ኣቡኦም ስምዖን ኣዲኦም ድማ ኣቅሌስያ ይበሃሉ። እዞም ክልተ ናይ እግዚኣብሔር ሰባት ብዘይ ውላድ ንሰላሳ(፴) ዓመታት ብፍቕርን ብስኒትን ተቐመጡ። ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ኣቅሌስያ ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር ኣትያ ኣብ ቅድሚ ስእሊ ቅድስት ሥላሴ ወዲቓን ክትጽልን ክትልምንን ከላ “ንሥኢ ወልደ ዘይትሌዑል ቀርኑ አምኑኅ ሰማይ፡ ክብሩ ካብ ናይ ሰማይ ክብሪ ዝበልጽ ወዲ ህንኪ ተቐበሊ” ዝብል ድምጺ ሰምዐት። በዚ ምኽንያት ከኣ ቅዱስ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ፳፱/29 መጋቢት ተጠኒሶም ፳፱/29 ታሕሳስ ተወልዱ። ዓይኒ ቋሕ ካብ ዝበለሉ ግዜ ካብ ምርኣይ ከምዘይ ዓርፍ፡ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ድማ ልክዕ ካብ ማህጸን ኣዲኦም ካብ ዝወጹላ ግዜ ኣፎም ከፊቶም “ስብሐት ለኣብ፡ ስብሐት ለወልድ፡ ስብሐት ለመንፈስ ቅዱስ ዘአውጻእከኒ እምጽልመት ውስተ ብርሃን” እናበሉ ወትሩ ንእግዚኣብሔር እና ኣመስገኑ፡ ምድራዊ መብልዕ ከይበልዑ፡ ምድራዊ መስተ ከይሰተዩ፡ ንምስጋና ተጊሆም ብምንባሮም ንመላእክት ይመስሉ። ኣብ መበል ሰለስተ ዓመቶም ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ካብ እግዚኣብሔር ተኣዚዙ ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሑቕፊ ኣዲኦም ወሲዱ ናብ ሻውዓይ(7ይ)ሰማይ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣቕረቦም’ሞ እግዚኣብሔር ድማ ባረኾም። ኣስዒቡ ናብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ናብ ኣብ ገነት ዝርከቡ ኩሎም ቅዱሳንን ወሰዶ እሞ ንሶም ውን ባረኽዎም። ብድሕሪ እዚ እቲ መልኣኽ ናብ ሓደ መነኮሳት ዘለውዎ ገዳም ወሲዱ ኣብ ወጻኢ ኣቐመጦም። ናይቲ ገዳም ኣበምኔት ኣባ ዘመደ ብርሃን ምልክት ተነጊርዎም ስ...
ኣባ ጸለትኩም ኣይጋደፈና
ReplyDelete