Gedle abew
Posts
Showing posts from 2015
gedle abew
ፓፓ ናታለ
- Get link
- X
- Other Apps
ቅዱስ ኒቆሌዎስ ሓቀኛ ባባ ናታለ ሊቃዉንቲ ኣቦታት “ፈቃር”፡ “ትሑት”፡ “ኣቦ ድኻታት”፡ “ኣቦ”፡ “ሕያዋይ”. . ብምባል ይጠቕስዎ። ንብዙሕ ሰናይ ተግባራት ዘማልአ ኣቦ፣ ሳሕቲ`ዩ ዝርኸብ፣ ሓደ ካብዞም ዉን ቅዱስ ኒቆሌዎስ ሊቀጳጳስ ዘሚራ እዩ። ህጻናትን፣ ታሪክ ቅዱሳን ዘይፈልጡ ምእመናን ግና ብ “ባባ ናታለ” ወይ ዉን ብ “ኣቦ ናይ ክርስማስ” /Father of Christmas/ ብምባል ይዝክርዎ። ልዕሊ ዂሉ ግና ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ዝዝኸረሉ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣለዎ። እዚ`ቦ`ዚ ንክርስቶስ ካብ ዝነበሮ ቅንኢ ተበጊሱ፣ ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ንኣርዮስ ምስ ረኸቦ፣ ብቦክሲ ጌሩ ኣላዲዱ ከም ዝሓደጎ ይንገር። ዘመን ህጻንነቱ ኒቆሌዎስ ካብ ክልተ ሰናይ ኣካይዳ ዝነበሮም ጽኑዓት ክርስቲያናት ወለዲ፣ ኣብ መወዳእታ 3ይ ክ/ዘ ዝተወልደ ኮይኑ፣ ኣብኡ ኤጲፋንዮስ፣ ኣዲኡ ዉን ታና ይበሃሉ። እዞም ክልተ ሰብ ሓዳር፣ ኣብ ጐይታ ሙሉእ እምነት ዝነበሮም፣ ንድኻታት ዘፍቅሩ፣ ኣዝዮም ሃባታማት ነበሩ፣ ኮይኑ ግና ዉላድ ኣይነበሮምን። ስሞም ዘጸዉዕ፣ ሃብቶም ዝወርስ ዉላድ ብዘይምርካቦም ዉን ቀጻሊ፣ ንኣምላኽ ይልምኑ ነበሩ። ሰማዒ ጸሎት፣ ርህሩህን ፈቃርን ዝዀነ እግዚአብሔር ኣምላኽ፣ ጸሎቶም ሰሚዑ፣ ኣብ ግዜ እርግንኦም ነዚ ቅዱስ ዉላድ ሃቦም። መጽሓፍ ቅዱስን ትዉፊትን ከምዝነግረና ብብዝሒ ጸሎት ዝዉለዱ ህጻናት ቅዱሳትና ብሩኻትን እዮም። ሳሙኤል፣ ድንግል ማርያም፣ ኣቡነ ተክለሃያኖት.. ብዝሓት ካልኦትን ብብዝሒ ጸሎት ወለዶም ዝተወልዱ፣ ፍረ ነዊሕ ጸሎት እዮም። ዝተወልደላ ከተማ ፓታራ ትበሃል። ናይዛ ዓዲ ጳጳስ ዝነበረ ኒቆሌዎስ ይበሃል፣ ሓወቡኡ ንኒቆሌዎስ ዉን እዩ። ስሙ ዉን ካብዚ`ዩ ተወሲዱ። ኒቆሌዎስ ካብ ርኹባት ወለዲ ስለዝተወልደ፣ ብጽቡቕ ኣተዓብባብያ፣ ...
እንታይ ትኸስብ?
- Get link
- X
- Other Apps
እንታይ ትኸስብ? ዕርቃንካ ቀሊዕካ ጥራሕ ዝባንካ ናይ ኢድካ ወርቂ ገዲፍካ ነሓስ ምጥማትካ እምነትካ ሼጥካ ወጺኻ ካብ ቤትካ'ስ....እንታይ ትኸስብ? ሰመያዊ ገዲፍካ ምድራዊ ዘልኣለማዊ ገዲፍካ ግዝያዊ ናዝራዊ ገዲፍካ ባዕዳዊ....ምምናይካስ እንታይ ትኸስብ? ኣብ ክንዲ ጸዋሚ ሰኽራም ኣብ ክንዲ መኽበሪ ነግራም ኣብ ክንዲ ዕጉስ ሃርጓም...ተቐይሩ ስምካስ እንታይ ትኸስብ? ኣብ ክንዲ በረኸት መርገም ኣብ ክንዲ ሰላም ሕሰም ኣብ ክንዲ ብርሃን ጸላም....ተጎልቢብካስ እንታይ ትኸስብ? ኣብ ክንዲ ይቕሬታ ኣብ ቂምታ ኣብ ክንዲ ምስጋና ኣብ ሕሜታ ኣብ ክንዲ ተመስገን ኣብ ጨረታ...ተዋፊርካስ እንታይ ትኸስብ? ካብ ፍቕርን ሰላምን ሓጎስን ካብ ተድላን ፍሰሃን ባህታን ካብ ሓልዮትን ስኒትን ቅሳነትን.....ተፈሊኻስ እንታይ ትኸስብ? ኣብ ክንዲ ኣብ ህድኣት ኣብ ሰበብ ኣብ ክንዲ ኣብ ፍቕሪ ኣብ ገንዘብ ኣብ ክንዲ ኣብ ኣምላኽ ኣብ ሰብ...ተወኪልካስ እንታይ ትኸስብ? ካብ ትሕትና -ንትዕቢት ንጃህራ ካብ ሓልዮት -ንባእሲ ንፈኸራ ካብ ንሰላም -ንዕብዳን ዳንኬራ...መሪጽካስ...
ሃይማኖታውያን በዓላትና
- Get link
- X
- Other Apps
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን፡ ሃይማኖታውያን በዓላትና 1/ ልደታ ማርያም፣ ቅዱስ ራጉኤል፣ ጻድቁ ኢዮብ፣ ነቢዩ ኤልያስ፣ ሐዋርያው በርተሎሜዎስ፣ ቅድስት ሶስና፣ አባ ሚልኪ፣ ቅዱስ መክሲሞስ 2/ ሐዋርያው ታዴዎስ፣ ሠለስቱ ምዕት፣ ቅድስት አትናስያ፣ አቡነ እንድርያኖስ፣ ቅድስተ ዜና ማርቆስ፣ አባ ጉባ 3/ ባዕታ ማርያም፣ ቅዱስ ፋኑኤል፣ አባ ዜና ማርቆስ፣ አባ ሊባኖስ፣ አቡነ መድኃኒነ እግዚእ፣ ቅዱስ ነአኩቶ ለአብ 4/ ወልደ ነጎድጓድ፣ ሐዋርያው እንድርያስ፣ ጻድቁ መልከ ጼዴቅ፣ አባ መቃርዮስ፣ ሰማዕቱ ፊቁጦር፣ አብርሃም ወአጽብሐዮ 5/ ጴጥሮስ ወጳውሎስ፣ አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ፣ አቡነ አሮን፣ አቡነ ዮሐኒ፣ አቡነ አሞኒ፣ አቡነ መልአክ ክርስቶስሐንስ 6/ ግዝረተ ኢየሱስ፣ ቁስቋም ማርያም፣ ነቢዩ ኢያሱ፣ ቅድስት አርሴማ፣ አባ ጰንጠሌዎን፣ ቅዱስ ቴዎዶስዮስ፣ አቡነ ተጠምቀ መድኅን 7/ አጋዝዕተ ዓለም ሥላሴ፣ ስዕለተ ማርያም፣ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ፣ አባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ፣ ቅድስት እኅተ ጴጥሮስ 8/ አርባዕቱ እንስሳ (ኪሩቤል)፣ ሊቀ ነቢያት ሙሴ፣ ሐዋርያው ማትያስ፣ ካህኑ ዘካርያስ፣ አባ ኪሮስ፣ ቅድስት አመተ ክርስቶስ 9/ሐዋርያው ቶማስ፣ ቅዱስ አትናትዮስ፣ አቡነ እስትንፋሰ ክርስቶስ፣ አቡነ ብጹዕ አምላክ፣ አቡነ ህልያና፣ አቡነ ፂዋ ወንጌል 10/ መስቀለ ኢየሱስ፣ ሐዋርያው ናትናኤል፣ ያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ፣ ጼዴንያ ማርያም፣ ሰማዕቱ ሠርጊስ 11/ ሐና ማርያም፣ ቅዱስ ኢያቄም፣ ቅዱስ ያሬድ፣ ሰማዕቱ ፋሲለደስ፣ አቡነ ሐራ ድንግል፣ አባ አሌፍ፣ ቅድስት ታኦድራ፣ ቅዱስ ገላውዴዎስ 12/ቅዱስ ሚካኤል፣ ሐዋርያው ማቴዎስ፣ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ፣ አባ ሳሙኤል፣ ቅድስት አፎሚያ፣ ቅዱስ ዲሜጥሮስ 13/ እግዚአብሔር አብ፣ ቅዱ...
ታሪኽ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ
- Get link
- X
- Other Apps
ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ (፫፻፮-፫፻፸፫) 306-373 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን። ቅዱስ ኤፍሬም ናይ ቅዱስ ያዕቆብ በዓል ንጽቢን ተማሃሪ ነበረ።ቅዱስ ያዕቆብ ካኣ ቁጽሩ ካብቶም ንኣርዮስ ዝወገዘኡ ፫፻፲፰(318)ን ኣቦታት ሊቃውንቲ ኢዩ።ንኣርዮስ ኣውጊዞም ክሕደት ደምሲሶም ሃይማኖት መሊሶም ክምለሱ ከለዉ ኣብቲ ዝኃደርዎ ቦታ ቅዱስ ኤፍሬም ዓምዲ ብርሃን ተተኺሉ ካብ ምድሪ ክሳዕ ሰማይ ዝበጽሕ ብሕልሚ ይርኢ ትርኢቱ ከም ዝገለጽካለይ መን ምዃኑ ግለጸልይ ኢሉ ናብ ልዑል እግዚኣብሔር ስለ ዘመልከተ ዝተኣዘዘ መልኣኽ መጺኡ ባስልዮስ በዓል ቂሳርያ ኢዩ፡ንሱ ንቤተ ክርስቲያን ጽኑዕ ዓንዲ ኢዩ።ብስብከቱ ልቢ ደቂ ሰብ ናብ ብርሃን ዝልውጥ ኢዩ እሞ ፡ንቅዱስ ኤፍሬም ደግነቱን መንፈሳውነቱን ብራእይ ዝተገልጸሉ ምዃኑ ነገሮ። ቅዱስ ባስልዮስ’ውን ቁጽሩ ምስቶም ፫፻፲፰(318)ን ኣቦታት ሊቃውንቲ ኢዩ ግን ብእርጋን ወይ ብሕማም ምኽንያት ተሪፉ ወይ ካኣ በጺሑ ተመሊሱ ምዃኑ ኣይተፈልጠን ።ቅዱስ ኤፍሬም በዚ ስለ ዘይዓገበ ንቅዱስ ባስልዮስ ብዓይኑ ክርእዮ ደለየ እሞ ንመምህሩ ኣብ ቦትኡ ኣብጺሑ ስለ ሰለስተ ነገር ይኸይድ፡ ፩) ምስ ከምዚ ዝበሎ ኣቦ ምዝርራብ መንፈሳዊ ምስጢር ይርከብ ኢዩ። ፪) ብእዝኒ ዝሰማዕካዮ ብዓይኒ ርኢኻ ምርግጋጽ ስለ ዝግባእ ፫) እቲ ራእይ ናይ መንፈስ ቅዱስ ድዩ ወይስ ሰይጣን ኣታሊሉኒ፧ ብማለት ንቂሳርያ ከደ። ግናኽ ቅዱስ ኤፍሬም ከይዱ ንቅዱስ ባስልዮስ ከምቲ ዝረኣዮ ኮይኑ ኣይረኸቦን ፡ንሱስ ኣብ ወርቂ መንበር ተቐሚጡ ኣብ ወርቂ ኣትራንስ ወንጌል ወርቅ ዘርጊሑ ዘንጸባርቕ ካባ ደሪቡ ጽሩይ መጠምጠምያ ርእሱ ተወናኒሱ ሃሪ ዝመትኃዚኡ ግሩም ዝኾነ ወርቃዊ ጪራ ኂዙ ንምእመናን ክምህር ረኣዮ። በዚ ድማ “ወታ...
ገድሊ ቅዱስ ኣትናቴዎስ
- Get link
- X
- Other Apps
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መእተዊ ስለቲ ዝነበሮ ክርስቲያናዊ ህይወት፣ ዝገበሮ ተጋድሎን ዘርኣዮ መሪሒነትን፣ ቅዱስ ኣትናትዮስ ዝተፈላለየ ናይ ክብሪ ሽም እዩ ተዋሂብዎ። ቅ.ኣትናቴዎስ ዘሐዋርያ (ሓዋርያዊ)፣ ቅ.ኣትናቴዎስ ዓቢ (The Great)፣ ቅ. ኣትናቴዎስ ዘእስክንድርያ (ናይ እስክንድርያ ፓትሪያሪክ)፣ ሓላዊ ቤተክርስቲያን፣ ሓቀኛ መራሒ. . . ወዘተ። ግዜ ንእስነቱ ኣትናቴዎስ (ኣትናትዮስ) ኣብ ከባቢ 295-298 ዓም ካብ ዘይአመንቲ ስድራ ቤት ኣብ እስክንድርያ ተወልደ። ሓደ ግዜ ምስቶም ክርስቲያናት ዝኾኑ ደቂ ገዛዉቱ ንኽጻወት ኢሉ ኸደ’ሞ፤ ኣጋጣሚ ከምቲ ኣብ ቤተክርስቲያን ዝረኣይዎ ስርዓት ገሊኦም ከም ካህናት፤ ገሊኦም ከም ዲያቆናት፤ ሓደ ኸኣ ከም ጳጳስ ተመዳዲቦም ክጻወቱ ጸንሕዎ። ከምዚ ኮይኖም ምስረኣዮም ምስኦም ተጸንቢሩ ክጻወት ሓተቶም። እቶም ህጻናት ግና፣ “ንስኻ ዘይኣማኒ ኢኻ፣ ምሳና ዉን ተጸንቢርካ ክትጻወት ኣይፍቑድን” ኢሎም ከልእዎ። ንሱ ግና፣ “ኣነ ደጊም ድሕሪ ሕጂ ክርስቲያን ኮይነ ኣለኹ” ብምባል መለሰሎም። ነዚ ዝሰምዑ ቆልዑት ብጣዕሚ ስለዝተሓጎሱ፣ ኣብቲ ናቶም ጻዉቲ ሓዊሶም፣ ኣብ ክንዲ ኩላቶም ናይ ፓትሪያሪክ ገጸባህሪ ሒዙ ኣብቲ ጻዉቶም ከምዝዋሳእ ገበርዎ። ኣብ ክብ ዝበለ መንበር ኮፍ ኣቢሎም፣ ብዙሕ ክብሪ ዉን ሃብዎ። ኣብ ከምዚ ኩነት፣ ቅዱስ እለስክንድሮስ ፓትሪያሪክ ዘእስክንድርያ፣ በቲ ከባቢ ይሓልፍ ነበረ እሞ፣ ነቲ ዝጻወትዎ ጻዉቲ ምስ ረኣየ፣ ብዛዕባ ኣትናቴዎስ “እዚ ህጻን ሓደ መዓልቲ ኣብ ዓቢ ክብሪ ክበጽሕ እዩ” ብምባል ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ተዛረቦም። ግዜ ትምህርቲ ኣቡኡ ናይ ኣትናቴዎስ ምስ ሞተ፣ ኣዲኡ ናብ ቅዱ...
Popular posts from this blog
ገድሊ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ፡
ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን! ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሃገሮም ኣብ ንሂሳ ዝተባህለ ዓዲ ናይ ሃገረ ግብጺ ኢዩ። ኣቡኦም ስምዖን ኣዲኦም ድማ ኣቅሌስያ ይበሃሉ። እዞም ክልተ ናይ እግዚኣብሔር ሰባት ብዘይ ውላድ ንሰላሳ(፴) ዓመታት ብፍቕርን ብስኒትን ተቐመጡ። ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ኣቅሌስያ ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር ኣትያ ኣብ ቅድሚ ስእሊ ቅድስት ሥላሴ ወዲቓን ክትጽልን ክትልምንን ከላ “ንሥኢ ወልደ ዘይትሌዑል ቀርኑ አምኑኅ ሰማይ፡ ክብሩ ካብ ናይ ሰማይ ክብሪ ዝበልጽ ወዲ ህንኪ ተቐበሊ” ዝብል ድምጺ ሰምዐት። በዚ ምኽንያት ከኣ ቅዱስ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ፳፱/29 መጋቢት ተጠኒሶም ፳፱/29 ታሕሳስ ተወልዱ። ዓይኒ ቋሕ ካብ ዝበለሉ ግዜ ካብ ምርኣይ ከምዘይ ዓርፍ፡ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ድማ ልክዕ ካብ ማህጸን ኣዲኦም ካብ ዝወጹላ ግዜ ኣፎም ከፊቶም “ስብሐት ለኣብ፡ ስብሐት ለወልድ፡ ስብሐት ለመንፈስ ቅዱስ ዘአውጻእከኒ እምጽልመት ውስተ ብርሃን” እናበሉ ወትሩ ንእግዚኣብሔር እና ኣመስገኑ፡ ምድራዊ መብልዕ ከይበልዑ፡ ምድራዊ መስተ ከይሰተዩ፡ ንምስጋና ተጊሆም ብምንባሮም ንመላእክት ይመስሉ። ኣብ መበል ሰለስተ ዓመቶም ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ካብ እግዚኣብሔር ተኣዚዙ ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሑቕፊ ኣዲኦም ወሲዱ ናብ ሻውዓይ(7ይ)ሰማይ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣቕረቦም’ሞ እግዚኣብሔር ድማ ባረኾም። ኣስዒቡ ናብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ናብ ኣብ ገነት ዝርከቡ ኩሎም ቅዱሳንን ወሰዶ እሞ ንሶም ውን ባረኽዎም። ብድሕሪ እዚ እቲ መልኣኽ ናብ ሓደ መነኮሳት ዘለውዎ ገዳም ወሲዱ ኣብ ወጻኢ ኣቐመጦም። ናይቲ ገዳም ኣበምኔት ኣባ ዘመደ ብርሃን ምልክት ተነጊርዎም ስ...
ታሪኽ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ
ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ (፫፻፮-፫፻፸፫) 306-373 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን። ቅዱስ ኤፍሬም ናይ ቅዱስ ያዕቆብ በዓል ንጽቢን ተማሃሪ ነበረ።ቅዱስ ያዕቆብ ካኣ ቁጽሩ ካብቶም ንኣርዮስ ዝወገዘኡ ፫፻፲፰(318)ን ኣቦታት ሊቃውንቲ ኢዩ።ንኣርዮስ ኣውጊዞም ክሕደት ደምሲሶም ሃይማኖት መሊሶም ክምለሱ ከለዉ ኣብቲ ዝኃደርዎ ቦታ ቅዱስ ኤፍሬም ዓምዲ ብርሃን ተተኺሉ ካብ ምድሪ ክሳዕ ሰማይ ዝበጽሕ ብሕልሚ ይርኢ ትርኢቱ ከም ዝገለጽካለይ መን ምዃኑ ግለጸልይ ኢሉ ናብ ልዑል እግዚኣብሔር ስለ ዘመልከተ ዝተኣዘዘ መልኣኽ መጺኡ ባስልዮስ በዓል ቂሳርያ ኢዩ፡ንሱ ንቤተ ክርስቲያን ጽኑዕ ዓንዲ ኢዩ።ብስብከቱ ልቢ ደቂ ሰብ ናብ ብርሃን ዝልውጥ ኢዩ እሞ ፡ንቅዱስ ኤፍሬም ደግነቱን መንፈሳውነቱን ብራእይ ዝተገልጸሉ ምዃኑ ነገሮ። ቅዱስ ባስልዮስ’ውን ቁጽሩ ምስቶም ፫፻፲፰(318)ን ኣቦታት ሊቃውንቲ ኢዩ ግን ብእርጋን ወይ ብሕማም ምኽንያት ተሪፉ ወይ ካኣ በጺሑ ተመሊሱ ምዃኑ ኣይተፈልጠን ።ቅዱስ ኤፍሬም በዚ ስለ ዘይዓገበ ንቅዱስ ባስልዮስ ብዓይኑ ክርእዮ ደለየ እሞ ንመምህሩ ኣብ ቦትኡ ኣብጺሑ ስለ ሰለስተ ነገር ይኸይድ፡ ፩) ምስ ከምዚ ዝበሎ ኣቦ ምዝርራብ መንፈሳዊ ምስጢር ይርከብ ኢዩ። ፪) ብእዝኒ ዝሰማዕካዮ ብዓይኒ ርኢኻ ምርግጋጽ ስለ ዝግባእ ፫) እቲ ራእይ ናይ መንፈስ ቅዱስ ድዩ ወይስ ሰይጣን ኣታሊሉኒ፧ ብማለት ንቂሳርያ ከደ። ግናኽ ቅዱስ ኤፍሬም ከይዱ ንቅዱስ ባስልዮስ ከምቲ ዝረኣዮ ኮይኑ ኣይረኸቦን ፡ንሱስ ኣብ ወርቂ መንበር ተቐሚጡ ኣብ ወርቂ ኣትራንስ ወንጌል ወርቅ ዘርጊሑ ዘንጸባርቕ ካባ ደሪቡ ጽሩይ መጠምጠምያ ርእሱ ተወናኒሱ ሃሪ ዝመትኃዚኡ ግሩም ዝኾነ ወርቃዊ ጪራ ኂዙ ንምእመናን ክምህር ረኣዮ። በዚ ድማ “ወታ...
ታሪኽ ቅድስት ማርታ
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን። ኣብ ከተማ ደማስቆ ፡ጼዴንያ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢታት ሓንቲ ንእግዚኣብሔር እተኽብር ፍቕ ሪ ናይ ወላዲት ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝነበራ ሰበይቲ ነበረት። ስም እታ ሰበይቲ ማርታ ትበሃል።ኣብ ልዕሊ ቅዱሳንን እግዚኣብሔርንን ዝነበራ ፍቕሪ መግለጺ ዝኾነ ድማ ከምቲ ኣቦ ብዙሓት ዝተሰምየ ኣብርሃም ጋሻ ናይ ምቕባል ልምዲ ነበራ። ሕጊ ኣምላኽ ንምፍጻም ብዙሕ ግዜ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ሰባት ኣብ ቤታ ተቐቢላ ዘለዋ ትሕዝቶ ከም ዝቋደሱ ትገብር ነበረት።በዚ መንጽር ካኣ ኣባ ቴዎድሮስ ዝበሃሉ ኢትዮጵያዊ ናብታ ቅድስት ከተማ ኢየሩሳሌም ንምብጻሕ ካብ ዓዶም ተበጊሶም ኣብዚ ጼዴንያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ናይ ደማስቆ በጽሑ።ኣብ ቤት ማርታ ኣትዮም ካኣ ሓደሩ።ማርታ ፈታዊት ጋሽ ስለ ዝነበረት ከምቲ ኩሉ ግዜ እትገብሮ ብግቡእ ተቐቢላ ኣብ ቤታ ኣእትያ ከም ዘዕርፉ ገበረት።ንግሆ ምስ ኮነ ጉዕዝኦም ንምቕጻል ናብ ኢየሩሳሌም ተበገሱ ።ቅድሚ ምኻዶም ግና ልዑል ፍቕሪ ናይ ወላዲት ኣምላኽ ዝነበራ ማርታ ኣብ ምምላሶም ሉቃስ ወንጌላዊ ዝሰኣላ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ስእልን ካልእ ንዋየ ቅዱሳንን ገዚኦም ክማልኡላ ሓተቶም።ንሶም ድማ ገዚኦም ከምጽኡላ ብዛዕባ እቲ ገንዘብ ግና ምስ ተመልሱ ክትህቦም ከም ዘለዋ ነጊሮም ጉዕዞም ናብ ኢየሩሳሌም ተበገሱ። ጉዕዝኦም ወዲኦም ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም በጽሑ ዝሓሰብዎ ኩሉ ፈጺሞም ብዙሕ ንዋየ ቅዱሳት ተማሊኦም ካኣ ናብ ደማስቆ ገጾም ተበገሱ፡እንተኾነ ስእሊ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ክማልኡላ ሓደራ ዝበለቶም ረሲዖማ ነበሩ እሞ ለምንት ረሳዕከ ዘትብለከ ዛቲ ብእሲት እታ ሰበይቲ ሓደራ ዝበለትካ ስለምንታይ ረሳዕካዮ፧...