Posts

gedle abew

ገድሊ ቅዱስ ኣትናቴዎስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መእተዊ ስለቲ ዝነበሮ ክርስቲያናዊ ህይወት፣ ዝገበሮ ተጋድሎን ዘርኣዮ መሪሒነትን፣ ቅዱስ ኣትናትዮስ ዝተፈላለየ ናይ ክብሪ ሽም እዩ ተዋሂብዎ። ቅ.ኣትናቴዎስ ዘሐዋርያ (ሓዋርያዊ)፣ ቅ.ኣትናቴዎስ ዓቢ (The Great)፣ ቅ. ኣትናቴዎስ ዘእስክንድርያ (ናይ እስክንድርያ ፓትሪያሪክ)፣ ሓላዊ ቤተክርስቲያን፣ ሓቀኛ መራሒ. . . ወዘተ።   ግዜ ንእስነቱ ኣትናቴዎስ (ኣትናትዮስ) ኣብ ከባቢ 295-298 ዓም ካብ ዘይአመንቲ ስድራ ቤት ኣብ እስክንድርያ ተወልደ። ሓደ ግዜ ምስቶም ክርስቲያናት ዝኾኑ ደቂ ገዛዉቱ ንኽጻወት ኢሉ ኸደ’ሞ፤ ኣጋጣሚ ከምቲ ኣብ ቤተክርስቲያን ዝረኣይዎ ስርዓት  ገሊኦም ከም ካህናት፤ ገሊኦም ከም ዲያቆናት፤ ሓደ ኸኣ ከም ጳጳስ ተመዳዲቦም ክጻወቱ ጸንሕዎ። ከምዚ ኮይኖም ምስረኣዮም ምስኦም ተጸንቢሩ ክጻወት ሓተቶም። እቶም ህጻናት ግና፣ “ንስኻ ዘይኣማኒ ኢኻ፣ ምሳና ዉን ተጸንቢርካ ክትጻወት ኣይፍቑድን” ኢሎም ከልእዎ። ንሱ ግና፣ “ኣነ ደጊም ድሕሪ ሕጂ ክርስቲያን ኮይነ ኣለኹ” ብምባል መለሰሎም። ነዚ ዝሰምዑ ቆልዑት ብጣዕሚ ስለዝተሓጎሱ፣ ኣብቲ ናቶም ጻዉቲ ሓዊሶም፣ ኣብ ክንዲ ኩላቶም ናይ ፓትሪያሪክ ገጸባህሪ ሒዙ ኣብቲ ጻዉቶም ከምዝዋሳእ ገበርዎ። ኣብ ክብ ዝበለ መንበር ኮፍ ኣቢሎም፣ ብዙሕ ክብሪ ዉን ሃብዎ። ኣብ ከምዚ ኩነት፣ ቅዱስ እለስክንድሮስ ፓትሪያሪክ ዘእስክንድርያ፣ በቲ ከባቢ ይሓልፍ ነበረ እሞ፣ ነቲ ዝጻወትዎ ጻዉቲ ምስ ረኣየ፣ ብዛዕባ ኣትናቴዎስ  “እዚ ህጻን ሓደ መዓልቲ ኣብ ዓቢ ክብሪ ክበጽሕ እዩ”  ብምባል ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ተዛረቦም። ግዜ ትምህርቲ ኣቡኡ ናይ ኣትናቴዎስ ምስ ሞተ፣ ኣዲኡ ናብ ቅዱ...

Popular posts from this blog

ገድሊ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ፡

ታሪኽ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ

ታሪኽ ቅድስት ማርታ