Posts

gedle abew

ታሪኽ ቅድስት ማርታ

Image
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።     ኣብ ከተማ ደማስቆ ፡ጼዴንያ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢታት ሓንቲ ንእግዚኣብሔር እተኽብር ፍቕ ሪ ናይ ወላዲት ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝነበራ ሰበይቲ ነበረት። ስም እታ ሰበይቲ ማርታ ትበሃል።ኣብ ልዕሊ ቅዱሳንን እግዚኣብሔርንን ዝነበራ ፍቕሪ መግለጺ ዝኾነ ድማ ከምቲ ኣቦ ብዙሓት ዝተሰምየ ኣብርሃም ጋሻ  ናይ ምቕባል ልምዲ ነበራ። ሕጊ ኣምላኽ ንምፍጻም ብዙሕ ግዜ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ሰባት ኣብ ቤታ ተቐቢላ ዘለዋ ትሕዝቶ ከም ዝቋደሱ ትገብር ነበረት።በዚ መንጽር ካኣ ኣባ ቴዎድሮስ ዝበሃሉ ኢትዮጵያዊ ናብታ ቅድስት ከተማ ኢየሩሳሌም ንምብጻሕ ካብ ዓዶም ተበጊሶም ኣብዚ ጼዴንያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ናይ ደማስቆ በጽሑ።ኣብ ቤት ማርታ ኣትዮም ካኣ ሓደሩ።ማርታ ፈታዊት ጋሽ ስለ ዝነበረት ከምቲ ኩሉ ግዜ እትገብሮ ብግቡእ ተቐቢላ ኣብ ቤታ ኣእትያ ከም ዘዕርፉ ገበረት።ንግሆ ምስ ኮነ ጉዕዝኦም ንምቕጻል ናብ ኢየሩሳሌም ተበገሱ ።ቅድሚ ምኻዶም ግና ልዑል ፍቕሪ ናይ ወላዲት ኣምላኽ ዝነበራ ማርታ ኣብ ምምላሶም ሉቃስ ወንጌላዊ ዝሰኣላ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ስእልን ካልእ ንዋየ ቅዱሳንን ገዚኦም ክማልኡላ ሓተቶም።ንሶም ድማ ገዚኦም ከምጽኡላ ብዛዕባ እቲ ገንዘብ ግና ምስ ተመልሱ ክትህቦም ከም ዘለዋ ነጊሮም ጉዕዞም ናብ ኢየሩሳሌም ተበገሱ። ጉዕዝኦም ወዲኦም ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም በጽሑ ዝሓሰብዎ ኩሉ ፈጺሞም ብዙሕ ንዋየ ቅዱሳት ተማሊኦም ካኣ ናብ ደማስቆ ገጾም ተበገሱ፡እንተኾነ ስእሊ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ክማልኡላ ሓደራ ዝበለቶም ረሲዖማ ነበሩ እሞ  ለምንት ረሳዕከ ዘትብለከ ዛቲ ብእሲት   እታ ሰበይቲ ሓደራ ዝበለትካ ስለምንታይ ረሳዕካዮ፧...

ገድሊ ቅዱስ ኤስድሮስ ሰማእት

    በስመ ኣብ  ወወልድ ወመንፈስ  ቅዱስ  ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን!   ኤስድሮስ  ሰማዕት   ኣቡኡ  በድላኦን ኣዲኡ ሶፉያ ይበሃሉ። ትውልዲ ዓዱ ከኣ ኣንጾኪያ እዩ። ስድራቤቱ ንእግዚኣብሔር ዝፈርሑ ንሰባት ዘኽብሩ  ለዋሃትን ርህሩሃትን ክርስቲያን እዮም ነይሮም። ኣቡኡ በድላኦን  ናይ ንጉስ ዲዮቅልጥያኖስ ሓለቓ ወተሃደራት  ነበረ። ዓላዊ ንጉስ ዲዮቅልጥያኖስ ኣብ 20 ዓመት ዘመን ንግስነቱ  ንጣዖታት ስገዱ እና በለ ንቡዙሓት ክርስቲያን ኣዝዩ ብዙሕ ኣሰቃቒ  ግፍዕታት ክፍጽም ጀመረ። ነዚ ክፉእ ተግባራት ናይ ንጉስ  ዝተዓዘበ  በድላኦን   “ኣነስ  ንፈጣርየይ ክሒደ ንጣዖት ሰጊደ ኣይነብርን ” ብምባል ንሰበይቱን  ንወዱ  ኤስድሮስን ንኣፎምያ ጓሉን ሒዙ  ናብቲ ብዙሓት ክርስቲያን ካብ ኣምልኾ ጣዖት ሃዲሞም ተቐሚጠምሉ ዝነበረ ቦታ ከዱ። ምስኣቶም ከኣ  ተጸንበሩ። እንተኾነ በዚ ነገር ኣዚ ዝጓሃየ ንጉስ ሓሙሽተ ሚእቲ ዝኣኽሉ ወተሃደራት  ልኢኹ  ብሓይሊ ከምጽእዎም ኣዘዘ። ኣብ ቅድሚ ንጉስ ምስ ኣብጽሕዎም ከኣ ብብዙሕ ምፍርራሕ ናብ ጣዖት ክሰግዱ ግዲ በልዎም። እንተኾነ  ኣዝዮም እኳ ድኣ ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ተረኽቡ። ንጉስ  ንበድላኦን  ስለምንታይ ከምዚ ገበርካ  ክብል ሓተቶ። ንሱ ከኣ  “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዙሕ ክፉእ  ነገር  ስለ ዝገበርካ  በዚ ነገር ገዲፍናካ”  ክብል መለሰሉ። በዚ  ዝሓረቐ  ንጉስ “ክሳዱ ብስሕለት ሴፍ ቁረጽዎ” ክብል ትእዛዝ  ኣመ...

ገድሊ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ 2ይ ክፋል

Image
ገድሊ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ  ካላይን መወዳእታን ክፋል 5.8 መገሻ ናብ ግብጽን ጒዳይ ሰንበትን  ድኅሪ እዚ አቡነ ኤዎስጣቴኦስ ምስ ደቆም ኮይኖም መጀመርያ ናብ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቢሎም (ክሳብ ምድረ ቦጎስ፡ ምድረ ማርያ)፡ ስብከተ ወንጌል እናሰፍሑ ትምህርቶም ቀጸሉ። ጊዜ ምፍልላይ ምስ ቀረበ ንኵሎም ደቆም ድማ ተላበውዎም። ነቶም ምስኦም ናብ አርመንያ ዘይከዱ (ዝተርፉ) ደቆም ንብዓል ኣቡነ ኣብሳዲን ብጾቶምን ምሂሮምን መኺሮምን ባረኽዎም። ንኣቡነ ኣብሳዲ መጠምጠሚኦምን መስቀልን ከምቲ “ኤልያስ ንኤልሳዕ ባርኖስ ዝሃቦ” ኸኣ ባሪኾም ሃብዎም። ካብቶም ደቆም ድማ ገሊኦም ከም እኒ አቡነ መርቆሪዎስ በኪሞስን አቡነ ገብረ ኢየሱስን ዝኣመሰሉ ፰ ደቀ መዛሙርቶም ምስኦም ጒዕዞኦም ቀጸሉ። ቅድሚ ኣብ ምድረ ማርያ ምፍልላዮም ግና ንደቆም ካብ ጥንታዊ ትምህርቶም ከይዝንበሉ ሓደራ ኢሎሞም፤ ኣብ ክንዲኦም ኮይኖም ድማ ክመርሕዎምን ክኣልይዎምን ድማ ንአቡነ አብሳዲ ገበሩሎም። ስለዚ ቡራኬ ንአቡነ አብሳዲ ክህብዎም ከለዉ፤ መንበር ድማ ንአቡነ መርቆሪዎስ ተዋህበ። በዚ መሠረት ኸኣ ኣቦታት ገዳማት ኤርትራን ገለ ገዳማት ሰሜን ኢትዮጵያን ከምቲ ዝበልዎም ነዚ ትምህርቲ ኣጽኒዖም ሒዞሞ ነበሩ።  ድኅሪኡ ኸኣ ብጋሽ ባርካ ኣቢሎም ሱዳን (ኑቢያ) ኣተዉ። ካብኡ ብምቕጻል ድማ እግረ መገዶም ናብ ግብጺ ኣብ ዝኣተዉሉ ጒዳይ ሰንበት ምስ ፓትርያርክ እስክንድርያ አቡነ ብኒያም ካልኣይ (1327-1340) ተራኺቦም ዘተዩ። ትምህርቶም ድማ ኣረድኡ። “… ኣብ ኤርትራ ከሎኹ ሰናብትን በዓላትን ሠዓር በሉኒ፤ ኣብዚ ድማ ነዚ ከየነጸርኩም ብጸሎት ንተሓባበር ትብሉኒ..” ኢሎም’ውን ብቀጥታ ወቐሶኦም ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ኣስሚዖም ነበሩ። ም...

ገድሊ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ 1ይ ክፋል

Image
ከፋሌ ባሕር አቡነ ኤዎስጣቴዎስ  ቀዳማይ ክፋል በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። 1.0 መእተዊ  ብቅድስናኦምን በቲ ዝፈጸምዎ መንፈሳዊ ገድልን ተኣምራትን፡ ብዝሠረትዎ ሓረገ ምንኵስና፡ ከምኡውን ስለ ክብሪ ቀዳሚት ሰንበት ብዝገብርዎ ተጋድሎ ብቀንዱ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብኡ ሓሊፎምን ኣብ እስክንድርያን ኣርመንያን ካብ ዝፍለጡ እቶም ብቀዳምነት ዝጥቐሱ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ጻድቕ እዮም። እዞም ኣቦ’ዚኦም ብስሞም ዝጽዋዕ ገዳም ኣብ ኤርትራ እኳ እንተዘይብሎም፡ ዳርጋ ንመብዛኅትኦም ሓዋርያ ተልእኾኦም ብምፍጻምን መንፈሳዊ ገድሊ ብምግዳልን፡ ሎሚ ህልዋን ኮይኖም ብቀዋምነት ንዝርከቡ ገዳማት ኤርትራ መሥሪቶም ዝሓለፉ ቅዱሳን አበው መምህርን ኣቦን እዮም። ኣብ ብዙኅ ከባቢታት ሃገርና ብፍላይ ኸኣ ሎሚ ብዘሎ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ዞባ ደቡብን ማእከልን ብምዝውዋር ኸኣ ስብከተ ወንጌል ዘስፍሑን ብተባሕትዎ ዝተጋደሉን ኣቦ እዮም። ናብ እስክንድርያን ኢየሩሳሌምን ብኡኡ ኣቢሎም ድማ ናብ አርመንያ ቅድሚ ምኻዶም ንከባቢታት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዞባ ዓንሰባ ከምኡውን ጋሽ ባርካ እግረ መገዶም ቃለ እግዚአብሔር እናሰበኹ ተኣምራት እናፈጸሙ ከምዝባረኽዎ ታሪኾም ይገልጽ። በዚ ኸኣ ዳርጋ ዘይረገጽዎን ዘይባረኽዎን ክፋል ሃገርና የሎን ክበሃል ይከኣል።  ኣብ ዘመኖም ይኹን ብድኅሪኦም ንዝተንሥኡ ኣቦታት ብዙኅ መንፈሳዊ ጽልዋ ዘኅደሩን ኣሰር ቅዱሳን ዝገደፉን እዚኦም ቅዱስ ኣቦ፡ ስለቲ ኣብ ዘመኖም እንተላይ ኣብ ቤተ መንግሥቲ ይኹን ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ኣብ ዝነበሩ ግብጻውያን ጳጳሳት ብዝነበሮም ጽልዋን፡ ከምኡ’ውን ስለቲ ሓቀኛን ዘይተበረዘን ጥንታዊ ትምህርቲ ዝፈጸምዎ ተጋድሎን ኣበርክቶን ብዙኃን ተመ...

ባህራን 12 ሰነ

Image
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።     ውዕለት ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ባህራምን ወለዱን፡ ወለዲ ባሕራን ናይ ቅዱስ ሚካኤል በዓል ዘብዕሉ ፈተውቲ እግዚኣብሔርን መኽበርቲ ቅዱስ ሚካኤልን  ነበሩ። እዞም ክልተ ወለዱ ካብታ ዘላቶም ንድኻታትን ናብ ቤተ እግዚኣብሔርን ይምጽውቱ ፡ንዕሩቕ ዝኸድኑ ንጥሙይ ዘብልዑ ናይ እግዚኣብሔር ሰባት እዮም ነይሮም። ከምዚ ኢሎም ብቃል ኪዳን ጸኒዖም እና ነበሩ ከለዉ ኣቡኡ ሞተ እሞ ኣዲኡ ከኣ ንባህራን ጥንሲ ሒዛ ተረፈት። ኣብቲ ዝሓለፈ ህይወቶም ምስ  ሰብኣያ  እና ተሓጋገዘት ህይወታ እትመርሕ ዝነበረት ኣዲኡ በይና ምስኮነት ግን ናብራ ክኸብዳ ጀመረ። ከምዚ ኢላ ንኣምላኻ እና ኣመስገነት  ናይ ቅዱስ ሚካኤል ዝክር ትገብር ንድኻታት እውን ትምጽውት ነበረት። መዓልቲ ንመዓልቲ ተኪኣ ግዜ ሕርሳ በጽሐ እሞ ንባህራን ወለደት።በዚ  ግዜ እዚ ቅድስ ሚካኤልን ቅዱስ ገብርኤልን ብሓደ ናብ ቤታ መጺኦም ነቲ ህጻን ባረኽዎ  ንዓኣ ከኣ “ ነዚ ጎረቤትኪ ዘሎ ሃብታም ሰብኣይ እዚ ሕጻን ክወርሶ እዩ ”  ኢሎማ ከዱ። እዚ ክብልዋ ከለዉ  እቲ ኣብ ጎረቤታ ዝነበረ ሰብኣይ ይሰምዓ ነበረ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ከኣ ነቲ ሕጻን ከምይ ገይሩ ከም ዝቐትሎ ክሓስብ ጀመረ። ኣዲኡ ንባሕራን ቆሪሳ እተብልዖ፡ መግቢ እትኸድኖ ልብሲ ክትስእንን  ክትሽገርን ጀመረት እሞ  እቲ ሃብታም ጎረቤታ ሰብኣይ ነዚ ከም መመኽነይታተጠቒሙ ፡ሓላዪ ተመሲሉ ከዕብየልኪ ኢሉ ነቲ ህጻን ናብ ቤቱ  ወሰዶ። ብድሕሪ እዚ ኣብ ሳጹን ኣእትዩ ናብ ባሕሪ ደርበዮ።እንሆ ከኣ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣባጊዕ ዝሕሉ ሰብ ነበረ እሞ ነታ ሳጹን ካብ ባሕሪ ብማዕበል ተ...

ቅድስት ኣፎምያን ውዕለት ቅዱስ ሚካኤልን

Image
፲፪/12 ሰነ  በዓል  ናይ ቅዱስ ሚካኤል (ቅዱስ ሚካኤል ናብ ኣፎምያን ባሕራንን ዝተላእከሉ ዕለት)                              በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።     “መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ዝፈርህዎ ይሰፍር ካብ ድንገት ከኣ የናግፎም” (መዝ 34፡7)      ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኣብ ልዕሌና ዘሎዎ ፍቕርን ሓልዮትን  ብቐለም ተጻሒፉ ብቃል ተዘሪቡ ዝውዳእ ኣይኮነን። ኣዝዩ ብዓይነትን ብብዝሕን መጠን ኣልቦ ዝኾነ  ሰናይ ነገራት እዩ ኣብ  ህይወትና  ዝፍጽመልና። ካብቲ ብዙሕ፡ንቅዱሳን መላእኽቲ እና ለኣኸ ኣብ ልዕሌና  ዝፍጽሞ ናይ ድሕነት ስራሕ እዩ። ልቢ ኣምላኽ ዘመራይ ቅዱስ ዳዊት ከም ዝገለጾ  ቅዱሳን መላኽቲ ኩሉ ግዜ ብዘይ ምቁራጽ ንድሕነትና ዝለኣኹ ረቀቕቲ መናፍስቲ እዮም(እብ1፡14)።በዚ መንጽር እዚ ከኣ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እና በሉ የመስግንዎ፡ይውድስዎ ንዓና ንደቂ ኣዳም ከኣ ብጸሎት፡ብረድኤት፡ብሓለዋ፡ ዝድግፉና እዮም (መዝ 34፡7, ዘጸ 3፡21, ዳን 3፡6, ማቴ4፡6-11)። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተመልኪትና ኣዝዩ ስፍሕ ብዝበለ መልክዑ ናይ መላእክት ስራሕን ዕዮን ብግልጺ ንረኽቦ ኢና። ብዙሓት ሰባት ብናይ መላእኽቲ ጸሎት፡ ኣማላድነት፡ ተራድእነት ካብ ሽግር፡ ካብ ጸበባ፡ ካብ ሕማምን፡ ድነ ሞትን ተጋላጊሎም  ንእግዚኣብሔር ከመስግኑ በቒዖም እዮም። ንኣናንያ፡ ኣዛርያ፡ ሚሳኤል ካብ እቶን ሓዊ...

Popular posts from this blog

ገድሊ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ፡

ታሪኽ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ

ታሪኽ ቅድስት ማርታ